1ይ ህጹጽ ሓበሬታ ናይትራንስፖርት ንታሳተፍቲ ሰላማዊ ሰልፊ ኒው ዮርክ፡፡

 1. ካብ LAGUARDIA AIRPORT ናብ ሰላማዊ ሰልፍ ንእትመጹ ኣጋይሽ ናይ ህዝባዊ መጓዓዝያ (Public Transportation) ንክትጥቀሙ ነዚ ዝስዕብ ተከተሉ፡

ካብ ነፋሪት ምስ ወሪድኩም – Ground Transportation ዝብል ተከተሉ ኣውቶቡስ (BUS) – M60 Select Bus Service (M60 SBS) ደው ትብለሉ ቦታ ንዝኮነ ሰብ ትወከሱ፡፡ ቅድሚ ኣብ ኣውቶቡስ ምስቃልኩም ናይ መጐዓዓዚ ትኬት (Merto Card) ኣብታ ኣውቶቡስ ደው ትብለላ ሳንዱቅ (Vending Machine) ብካሽ ወይ ብክረዲት ካርድ ትኬት ትገዝኡ ናይ $10.00 እኩል እዩ፡፡ ካብ LAGUARDIA ምስ ተሰቀልኩም ኣብ ሻሙነይቲ ፈርማታ ( 8th Stop) ትወርዱ፡፡ እታ ትወርዱላ ፈርማታ (Lexington Av Station 125th Street) ትብሃል፡፡ ነዛ ትስዕብ ካርታ ተመልከቱ፡

 

M60-sbs-map

 

ኣብኣ ወሪድኩም ናብ ባቡር ቁጽሪ 6 ናብ Downtown ወይ ከኣ ናብ Manhattan ገጻ ትከይድ ትኬትኩም ተጠቂምኩም ትስቀሉ ኣብ 51st Street ትወርዱ፡፡ ካብ ባቡር ምስ ወረድኩም ክሳብ 47th Street ብእግርኩም ትጓዓዙ (Towards South). ካብኡ ክሳብ 2nd Avenue (Towards East) ትከዱ፡፡ እቲ ሰላማዊ ሰልፊ ንገበረሉ ቦታ በጺሕኩም ኣለኩም ማለት ኢዩ፡፡

 

2. ካብ LAUGARDIA AIRPORT ናብ Hotel Paramount ክፍሊ ዝሓዝኩም ናብ ሆቴልኩም ንክትከዱ ናይ ህዝባዊ መጓዓዝያ (Public Transportation) ንክትጥቀሙ ነዚ ዝስዕብ ተከተሉ፡

ካብ ነፋሪት ምስ ወሪድኩም – Ground Transportation ዝብል ተከተሉ ኣውቶቡስ (BUS) – M60 Select Bus Service (M60 SBS) ደው ትብለሉ ቦታ ንዝኮነ ሰብ ትሓቱ፡፡

ቅድሚ ኣብ ኣውቶቡስ ምስቃልኩም ናይ መጐዓዓዚ ትኬት (Merto Card) ኣብታ ኣውቶቡስ ደው ትብለላ ሳንዱቅ (Vending Machine) ብካሽ ወይ ብክረዲት ካርድ ትኬት ትገዝኡ ናይ $10.00 እኩል እዩ፡፡ ካብ LAGUARDIA ምስ ተሰቀልኩም ኣብ መበል ዓሰርተ ሓደ ፈርማታ ( 11th Stop) ትወርዱ፡፡ እታ ትወርዱላ ፈርማታ (Frederick Douglass Station) ኣብ St. Nicholas Avenue ትርከብ፡፡ ኣብ ላዕሊ ተመልኪታ ዘላ ካርታ ተመልከት፡፡

ኣብኣ ወሪድኩም ናብ ባቡር A Train ናብ Downtown ወይ ከኣ ናብ Manhattan ገጻ ትከይድ ትኬትኩም ተጠቂምኩም ትስቀሉ;; ኣብ 42nd (Port Authority Street Street} ትወርዱ፡፡ ካብ ባቡር ምስ ወረድኩም ብ8th Avenue ወጺኩም ብእግርኩም ንሰሜን ገጽኩም ትጓዓዙ ( Towards North);; ክሳብ 46th Street ካብኡ ንምብራቅ ገጽኩም ፍርቂ ብሎክ ምስ ከድኩም Paramount Hotel ዝብል ክትርእዩ ኢኩም፡፡ ካብ ሆቴልኩም ናብ ናይ ሰልፊ ቦታ ክትዱ፡ ክሳብ 2nd Avenue (Towards East) ትከዱ፡፡ ድሓር ሓንቲ ብሎክ ንሰሜን ገጽኩም ኣብ 47th Street ትበጽሑ፡፡ እቲ ሰላማዊ ሰልፊ ንገበረሉ ቦታ በጺሕኩም ኣለኩም ማለት ኢዩ፡፡

ንተወሳኪ ሓበሬታ ናብዚ ዝስዕብ ቴለፎን ደወሉ

ዛይድ ተስፋማርያም (718) 696 7219

ሃይለ ጸጋይ (646) 919 6847

ዘርእማርያም ክፍለ (845) 4537641

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *