ኣብ መንጎ ኣብ ለንደን ዓዲ እንግሊዝ ዝርከብ ኤምባሲ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስን፣ ንነብሶም እሙናት ደገፍቲ ናይቲ ስርዓት ኢሎም ዝሓስቡዋ ኣቓልቦ ናይቲ ኤምባሲ ዝሰኣኑ ወልቀሰባትን ግዳም ሓደር ዘቖሙዎ ጉጅለን ከቢድ ምስሕሓብ ተፈጢሩ ምህላው ተፈሊጡ።
ጠንቂ ናይቲ ግጭት፣ ብብድሕሪ ቲ ብ26 ሰነ ኣብ ጀነቫ ዝቐረበ ጸብጻብ ኮምሽን ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ፣ እቶም ብዘይኣፍልጦ ናይቲ ኤምባሲ ኣብ ቅድሚ ቤተመንግስቲ ዓዲ እንግሊዝ (Downing Street) ዳስ ተኺሎም “ንውድብ ሕቡራት ሃገራትን መንግስቲ እንግሊዝን ንቃወም ኣለና” ክብሉ ዝወርሑ ብዙሕ ሰዓቢ ዘይረኸቡ ጉጅለ፣ “እቲ ኤምባሲ ኣይሰዓበናን” ዝብል ምዕዝምዛም ምብጋሶም እዩ።
ኤምባሲ ናይቲ ምልካዊ ስርዓት ብግዲኡ፣ እቶም ብስም ሃገራዊ ጉዳይ ኣታሊሎም ካብ ኣዴታት ኣሽሓት ገንዘብ ዘዋህለሉ ጉጅለ ምስቶም ዳስ ንምሕላው ዘዋዋፈሩዎም ግዳም ሓደር ዊስኪታት እናሰተዩ ነቲ ኣሽሓት ገንዘብ ከምዘባኸኑዎ ይኸስስ ከምዘሎ ምንጭታት ይሕብሩ።
ብዘይካ ‘ዚ እቲ ኤምባሲ፣ እቲ ጉጅለ መሳርሒ ናይቲ ስርዓት ኣብ ዝኾነ ዕሱባት ዌብሳይታት ዘርጊሑዎ ንዝጸንሐ ሓበሬታታት ከምዝእለ ምግባሩ ‘ውን ተፈሊጡ ‘ሎ።
ኣብ መወዳእታ እቶም ተስፋ ቆሪጾም ዳሶም ኣፍሪሶም ቅድሚ ገለ ሰሙናት ክእለዩ ዝተገደዱ ጉጅለ፣ “ምእንቲ ባንዴራና ጠጠው ኢልና ክንስና፣ ኤምባሲ ስለምንታይ ምስዓብ ከምዝኣበየና ነጽንዖ ኣለና” ኢሎም እቲ ምስሕሓብ ወገናዊ መኣዝን ከምዘለዎ ወረ ክነዝሑ ጀሚሮም ኣለዉ።
