ድላይካ እንተተዛርቡኻ’ሞ ዕዳ ዘይብልካ እንተዝሰዱኻ :

yemane_monkeeሳላ ምዕቡል ተክኖሎጂ መራኸቢታት ኣብ ኩሉ ኩርንዓት ዓለም: ኣብ ውቅያኖስ ኣብ ሰማይ ዝፍጸም ኣብ ቤትካ ኮፍ ኢልካ: ኣብ ጉዕዞ ኮንካ ትከታተሎ:: ዘሕዝን: ዘደስት: ዘነድር: ዘተባብዕ ፍጻሜታት ትዕዘብን ትሰምዕን:: ክንዲ ጽፍሪ ኣብ ትኸውን መሳርሒ ሰኒድካ ኣብ ዘድለየካ ጊዘን ቦታን ደጊምካ ትውከሶ:: በዚ ምዕባለ’ዚ ዝርዕድን ክዓብሶ ዝፍትንን ኣንጻር ማዕበል ዝሕምብስ ምልኪ ከንግስ ዝፍትን’ዩ ::

ቅድሚ ክልተ ዓመት ኣብ ሓደ ጎደና ከተማ ኣሜሪካ: ነታ ምስኡ ዝነበረት ሰበይቲ ገዲፍዋ ኣተሃድማ ዕቡያት ክኸይድ ዝረኣኽዎ ደጊመ ተዓዘብክዎ ዕድመ ንተክኖሎጂ:: ኣብ’ዚ ቅንያት’ዚ ነቲ ብመርማሪ ኮሚሽን ውድብ ሕቡራት ሃገራት ንሰብኣዊ መሰላት ዝቐረበ ጸብጻብ ክኽሕድ ብኢሳያስ ተላኢኹ ዝመጽአ ክራቫታ ኣሲሩ ኣብ ቅድሚ ጋዜጠኛ ቢ.ቢ.ሲ ኮፍ ኢሉ ተዓዚበ:: እቲ ቅድሚ ክልተ ዓመት ካብ’ቶም ብግናይ ተግባራቱ ዝነደሩ ኤርትራውያን መንእሰያት ከምልጥ ነታ ኣሰንያቶ ዝነበረት ሰበይቲ ኣብ ጥራሕ ጎልጎል ገዲፍዋ ሰጎመ:: እቶም መንእሰያት ደድሕሪኡ ስዒቦም ብሞባይል ተለፎን ” ንስኻ ኣብ’ዚ ኣሎኻ: በዓል ጴጥሮስ ሰለሙን ተኣሲሮም ደቆም ተሰዲዶም” ክብሉ ይስምዑ::ጸወታ ድሙን ኣንጭዋን ብዝመስል:  ሓላፊ ፖለቲካዊ ጉዳያት ህግደፍ ከም ሌባ ተሳጉጉ ክኸይድ ዝረኣየት ዓይኒ ምስ’ዚ ናይ ሕጂ ብምንጽጻር ኣብ መንጎ ሕንከትን ሓሶትን በቲ ሓደ: በቲ ሓደ ድማ ክብረትን ሓቅን ዘሎ ፍልልይ ከመዛዝን ፈተንኩ::

ወሓጥዮ እንተበልክዋስ ትጎስሞ:-የማነ ኣብ ቅድሚ ጋዜጠኛ ቢ.ቢ.ሲ ቻነል 4 ተቐሚጡ ንዝተዓዘቦ ሰብ: ንቃለመጠይቅ ዘይኮነስ ንመርመራ ዝተዳለው ይመስል ነበረ:: ሓቅን ሓሶትን ተፋጢጠን ቀረባ::ኣብ ኤርትራ ኣብ ወርሒ 4000 ሰባት ይሃድሙ ኣለው:  ንዝብል ብስእሊ ኣሰንዩ  ጋዜጠኛ ቢ.ቢ.ሲ ንዘቕረበሉ ጭቡጥ ሕቶ:የማነ ነቲ ኤርትራውያን ኣብ ባሕሪ ብማዕበል እናተገፍዑ ዘርኢ ስእሊ ከምእተመልከቶ ገሊጹ:: ንሱ ” ብሓቂ ዘሕዝን’ዩ: ምኽንያቱ እዚ መቐጸልታ ናይ’ቲ ብዛዕባ ኤርትራ ዝወሃብ ዝምቡዕ ስእሊ’ዩ” ብምባል ክሒዱ ::

የማነ ማንኪ ደቁ ብምቾት ሓብሒቡ የዕብይ ኣሎ:: ደቂ እቶም መዋእሎም ንናጽነት ዝተቓለሱን ሂወቶም ዝወፈዩን ድማ ኣብ ፈቐዶ በረኻታት ብጥይትን ብኣዛብእን ይብልዑ ኣለው:: ኣብ ባሕሪ ዝጥሕሉን ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ዝሃልቑን መንእሰያትን ዓበይትን ኣየሕዘንዎን:: እቲ ካብ ቅድሚ ዓይኒ ዓለም ዘይተኸወለ ጭቡጥ ሕቶ ኣሕዚንዎ::

ጋዜጠኛ ቢ.ቢ.ሲ ንምንታይ ክንድ’ዚ ዝኣኽሉ ሰባት ይሃድሙ’ለው ብምባል ኩዕሶ ቀልዓሉ::

የማነ: ከም’ቲ ኣብ ኤርትራ ባዕሉ ኣዳልዩ ባዕሉ ዝምልሶ ሕቶ ክቐርበሉ ተጸብዩ ብምንባሩ ወይ ሞያ ጋዜጠኝነት ናፊቑ ” እቲ ሕቶ ክኸውን ዘለዎ ስለምንታይ ብዙሓት ሰባት ናብ ኤውሮጳን ካልኦት ቦታታትን ይመጽኡ’ለው” ብምባል ካብ ተጻዋታይ ናብ ዳኛ ተቐይሩ ::

እቲ ጋዜጠኛ 15% ማለት: 4000 ሰባት ንወርሒ ካብ’ዛ ንእሽቶ ሃገርካ ይወጽኡ’ለው: ካብ ዓበይቲ ሃገራት ውሑዳት ክወጽኡ ይኽእሉ ብምባል ንሕቶኡ ኣነጸረሉ::የማነ ካብ ዓበቕካስ ተቖናድፍ ኮይንዎ: ኣዒንቱ ሰለምለም ብምባል ” ሓቂ ኣይኮነን:: ኣብ ዝሓለፈ ዓመት 2014 ኣብ ዓለም 20 ሚልዮን ሰባት ካብ ሃገራቶም ተሰዲዶም:: ኣብ ኤርትራ እንተሪእኻ እዚ ኣሃዝ’ዚ ንጣብ ማይ ኣብ ውቅያኖስ’ዩ” በለ::

ኣብ’ዘን ዝሓለፋ 10ዓመታት ጥራይ ኣብ ሓሙሽተ መዓስከራት ስደተኛታት ኢትዮጵያ ልዕሊ 100 ሽሕ ኣብ ሱዳን ብተመሳሳሊ ኣሽሓት  መንእሰያት: ዓበይቲን ቆልዓ ሰበይትትን ተዓቑቦም ::በብመዓልቱ ኣሽሓት ባሕሪ ሰጊሮም  ኤውሮጳ: ኣሜሪካን ኣውስትራልያን ይኣትው:: ኤርትራ ብስደተኛታት ድሕሪ’ታ ብኩናት ሓድሕድ መሰወራ ጠፊእዋ ዘሎ ሶርያ ተሰሪዓ::ኣብ ዶባት ብጥይት ወተሃደራት ዝተቐትሉን ብኣዛብእ ዝተበልዑን: ኣብ በረኻታት ሲናይን ሊብያን ሂወቶም ዝሰኣኑ: ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ኣብ ሓደ ረፍዲ ዝጠሓሉ 365 ኤርትራውያን ንየማነ ንጣብ ማይ ኣብ ውቅያኖስ’ዩ:: እዚ ናይ ብድዐ ዘረባ ሃየንታ’ለዎ:: ዓፈር ክምስሉ ብኩርማጅ ዝሰንበረ ኣካል ይሓውይ: መልሓስ ዘሰንበረቶ ግን ኣይፍወስን’ዩ::

እቲ ጋዜጠኛ ካብ ኣፉ ንኽሰምዕ ብምባል ዘቕረበሉ ካልእ ተዘዋዋሪት ግን ንሓሶት የማነ ዘቃልዐት :  መንግስትኻ ብዛዕባ ስደተኛታት ይዛረበሉ ዶ ትብል ሕቶ ነበረት:: የማነ ነቲ ኣቐዲሙ ዝሃቦ መልሲ ንጣብ ማይ ኣብ ውቅያኖስ ዝብል ዘረባ ረሲዑ:ተጋራጫዊ መልሲ ሂቡ::

” ሕቶ ስደት ናዓና ኣገዳሲ’ዩ:: ቀጻሊ ንዛረበሉ ኢና ኣብ ፕረስ ነውጽኦ ኢና: ቅዳሕ ናቱ ክሰደልካ” ብምባል ተመሻኺኑ:: እቲ ጋዜጠኛ ግን ምሉእ ሓበሬታ ስለዝነበሮ ንዘረባ የማነ ” ኣይትዛረቡሉን ኢኹም” ብምባል ከም በዓል ስልጣን ዘይኮነስ ከም ሓደ  ክሱስ ጠሚቱ ኣፋነዎ::

የማነ ኣብ ዝቐጸለ መዓልታት ረሃጹ ኣድሪቑ ብዘይሕንከት ኣብ ሩስያ ሎሚ(Russia Today) ዝተባህለ መደበር ቀሪቡ እቲ ብእንግሊዝ ዝሓሰዎ ብዓረብ ኣድመቖ:

ንሱ: ኣብ ልምዓትን ሓባራዊ ዝምድናን ምስ ሰበስልጣን እንግሊዝ ሃናጺ ዘተ ከምዘካየደ ገሊጹ:: ካናዳ: ንኤርትራ 2% ግብሪ ከይትእክብ ምኽልካላ ዘይፍትሓዊ’ዩ ድሕሪ ምባል ህግደፍ መሰረት ዘመናዊት ኤርትራ ኣብ ምንጻፍ ተዓዊቱ’ዩ: ኣብ ናጽነት ዝሓዝናዮ መትከል ኣጽኒዕና ሒዝናዮና ኣሎና ብምባል መዲሩ:: የማነ ብዘይካ’ዚ ተቓወምቲ ኢና ዝብሉ ኣለው እንተኾነ ብመሰረቱ ዕሱባት’ዮም:: ኣካል ናይ’ቲ ብወጻኢ ዝግበር ወራር’ዮም ክብል ተዛሪቡ::

የማነ : ነቲ ኢሳያስ ሞይቱ ዝበሎ ቅዋም ካብ መቓብር ከብሒ ቤት ጽሕፈቱ ኣውጺኡ ብዓረብ ተርጉሙ ካልእ ቅዋም ኣጽዲቑ ቀሪቡ:: ጋዜጠኛ RT ብዛዕባ ቅዋም ሓቲትዎ ዝሃቦ መልሲ::

ድሕሪ ናጽነት ቅድሚ 18 ዓመት ቅድሚ 20 ዓመት: ኣብ 1997 ብኡንብኡ ቅዋም ኣጽዲቕና:: እቲ ቅዋም ምስ ጸደቐ ኣይተተግበረን ኩናት ስለ ዝነበረ::

እቲ ጋዜጠኛ ኩናት ኣብ 2000 ተዛዚሙ: ኣብ 2015 ኢና ዘሎና 15 ዓመት ብምባል ዘይዕግበቱ ገለጸ::

የማነ : ኩናት ኣይተወድአን ይቕጽል’ዩ ዘሎ:: ብኢትዮጵያ ዝተታሕዘ መሬት ኣሎ:: ዓበይቲ ሃገራት ድማ ይወራና’ለዋ ብምባል መለሰ::

ብሕብረት ኤውሮጳ ንልምዓት ዝተለገሰ 300ሚልዮን ኤሮ ኣበይ ኣተወ ተባሂሉ ዝቐረበሉ ሕቶ ኣብ ክንዲ ምምላስ የማነ እቲ ገንዘብ ሓንሳብ 2 ሚልዮን’ዩ ጸኒሑ 200 ሚልዮን ብምባል ወልደፍደፍ ድሕሪ ምባል ብዛዕባ’ቲ ምወላ ምስ ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ ዝርርብ ከም ዝርከቡ ሓቢሩ::

ንማእሰርቲ : ቅንጸላ ፍሉጣት ፖለቲከኛታን መሰል ሰባትን ኣብ ኤርትራ እንታይ ትብል ብምባል ዝቐረበሉ ሕቶ:

”ኩለን ሃገራት ሕቶ ሰብኣዊ መሰል ኣለወን:: ብዛዕባ ኤርትራ ዝቐርብ ግን ፖለቲካዊ መበገሲ ዘለዎን ዝተጋነን’ዩ: መሰል ዜጋታት ንምሕላው ኣብ መስርሕ ኣሎና” ኢሉ::

የማነ እቲ ምስ ቢ.ቢ.ሲ ረድዮ ቻነል 4 ዝተዛረቦ ንቁጽሪ ዝስደዱ ንጣብ ማይ ኣብ ውቅያኖስ ዝበሎ ጋዜጠኛ RT ደጊሙ ሓቲትዎ::

እቲ ጋዜጠኛ ክንደይ ኤርትራውያን ይስደዱ : ሓደ ሽሕ: ክልተ ሽሕ ወይ ሓሙሽተ ሽሕ ብምባል ከም ተመሃራይ ምርጫ ኣቐመጠሉ::

የማነ: ኣዝዩ ውሑድ’ዩ ማለተይ ካብ ክልተ ሽሕ ዝውሕድ ብዝበለ: ጋዜጠኛ ” የድሕነና ኣብ ዓመት 24 ሽሕ” በለ ብምግራም::

ልኡኽ ኢሳያስ: ጠንቂ ስደት ኣሜሪካን ሃገራት ኤውሮጳን ከም ዝኾናን ብፍላይ ፖሊሲ ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ተጻባኢ ከምዝኾነ ገሊጹ:: ኣብ ጉዳይ የመን ድማ ሓንሳብ ሻራ የብልናን ይብል ቀጺሉ ድማ ካብ ኣጠቓላሊ መፍትሒ ሰላምን ጸጥታን እዚ ዞባ ከምዘይወጽኡ ተዛሪቡ:: ካብ መዋጥር ንምህዳም ድማ እቲ መልሲ ቀሊል ከምዘይኮነ  ሓቢሩ::

እንተኾነ ሳላ ምዕቡል ስርዓተ ሓበሬታ:ኢሳያስ ንወደብ ዓሰብ ነቲ ኣንጻር ተቓወምቲ ሁቱ ዝተሰለፈ ብስዑድያ ዝምራሕ ሓይሊ ከምዝሓዝኦ ዘይፈልጥ የልቦን::

”ድላይካ እንተተዛርቡኻ’ሞ ዕዳ ዘይብልካ እንተዝሰዱኻ ”ትብል ነበረት ኣደይ:: ይትረፍ ንህዝብን ሃገርን ዝምልከት ንውልቀ-ሰባት እንዛረቦ እውን ዋጋ ከም ዝኽፈሎ ክትምዕደኒ ትዛረቦ ዝነበረት’ዩ::

ደጎል ድራር

By on

 

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *