ኢሳያስ ቀይሕ መስመር ሰጊሩ ንኢትዮጵያ ክወርር ምስ ዝፍትን: ኢትዮጵያ ዳግማይ ከም ዘይትንስእ ስጉምቲ ከም እትወስደሉ ዝጸንሐ ፖሊሲን ስትራተጂ ሃገሩ ከምዝኾነ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ገሊጹ:: ንሱ : ምስ ጽንዓት ዝተሰምየ ኣብ ኣሜሪካ ዝመደበሩ ራድዮ ኣብ ዝገበሮ ቃለመጠይቕ: ኢሳያስ ዓቕሙ ብምድኻሙ ንኣሽቱ ምትኹታኹ ይገብር ከም ዘሎን ማዕረኡ ድማ ስጉምቲ ከምዝወስዱን ኣፍሊጡ:: ብዛዕባ’ቲ ብኢሳያስ ዝድገፍ ካብ ኤርትራ ዝንቀሳቐስ ግንቦት 7 ዝተባህለ ተቓዋሚ ድማ: ”ዝወድቕ ዘሎ መንግስቲ ንተቓወምቲ ዝህቦ ብዙሕ ደገፍ ኣሎ ኢልና ኣይንኣምንን ክብል መሊሱ”:: ህግደፍ እትጥሕል ዘላ መርከብ’ዩ ድሕሪ ምባል :ዶክተር ቴድሮስ እቲ ተቓዋሚ ምስ’ታ መርከብ ሓቢሩ ከምዝጥሕል ኣገንዚቡ::
ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ብዘይካ’ዚ: ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ብዘውርዶ ዘሎ ግፍዒ: ኣብ ወርሒ ካብ4000- 5000 ኤርትራውያን ነተጉቲ ሰጊሮም ናብ ኢትዮጵያ ከምዝኣትውን ብዘይካ’ቶም ናብ ኣሜሪካን ኤውሮጳን በብእዋኑ ዝሰገሩ ሰባት ኣብ’ዚ እዋን’ዚ: ኣብ ሰለስተ መደበራት ልዕሊ 100ሽሕ ተዓቑቦም ከምዘሎው ኣፍሊጡ:: ኣብ መንጎ ህዝብታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ጥቡቕ ዝምድና ከምዘሎን: ኢትዮጵያ ነቶም ኣብ ሃገራ ዝኣትው ናይ ትምህርቲን ምስ መቕርቦምን መሓዙቶምን ናይ ምጽንባር ዕድልን ከም እትህብን ሓቢሩ::
ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ሃይለማርያም ደሳለኝ ዝሓለፈ ወርሒ ንባይቶ ሃገሩ ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ ህግደፍ ካብ ሃዋኺ ተግባራቱ ምስ ዘይግታእ : ንህዝቢ ኣፍሊጥና ስጉምቲ ክንወስድ ክንግደድ ኢና ምባሉ ይዝከር::