ዕጡቕ ተቓውሞ ኣምጻር መንግስቲ ኢትዮጵያ ንምምራሕ ናብ ኤርትራ ከም ዝኣተወ ዝንገረሉ ብርሃኑ ነጋ ዝተባህለ ሓደ ካብ መስራቲ ናይቲ ግንቦት ሰባት ተባሂሉ ዝፍለጥ ኣብ ኤርትራ ዝመደበሩ ተቓዋሚ መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ስጉምቱ ኣብ መንጎ ‘ቶም ኣብ ወጻኢ ዝርከቡ ኢትዮጵያውያን ተቓወምቲ ዝተፈላለየ ግብረመልስታት ኣለዓዒሉ።
ገሊኦም እህወደግ 100 ካብ ሚእቲ ኣብ ምርጫ ተዓዊተ ኢሉ ምእዋጁ ካብዚ ንላዕሊ እንታይ ከይተርፈና ብምባል ንስጉምቱ ክድግፉዎ ኸለሉ፣ ገሊኦም በንጻሩ ብመሰረቱ ብዕጡቕ ምንቅስቓስ ኣብ ዝመጽእ ለውጢ ዕቃበታቶም ክገልጹ ይስምዑ። ኢሳይያስ ከም ኣሸባብ ንዝኣመሰሉ ጥሩፋት እስላማውያን ጉጅለታት ሶማል ምድጋፉ ባህ ‘ኳ እንተዘይበሎም፣ ኢሳይያስ ናይ ኤርትራ ሓልዮት እንተልዩዎ፣ ንሓዋሩ ዓሰብ ንኢትዮጵያ ምሃብ እቲ ዝነኣሰ ክኸፍሎ ዘለዎ ዋጋ ምዃኑ ይገልጹ።
ነዚ ናይ ዓሰብ ሕቶ ማእከል ብምግባር ከኣ፣ ብዘይካ ‘ቲ ኣንጻር መንግስቲ ኢህወደግ ዘለዎም ናይ ሓባር ጽልኢ፣ ንተቓወምቲ ኢትዮጵያን ስርዓት ኢሳይያስን ናብ ዓወት ዘብጽሕ ጠማሪ ኣጀንዳ ምህላዉን ዘይምህላዉን ይማትኡ። እቲ መንእሰያቱ መመሊቖም ናብ ስደት ይጠፍኡ ስለዘለዉ ኣዝዩ ተዳኺሙ ዘሎ ኢሳይያስ፣ ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ዝገብሮ ኵናት መዝሓሊ ጥይት ከይገብሮም ከኣ ምጥርጣሮም ይገልጹ።
ኣብዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ናይ ክልተ ጎሓላሉ ውዲት እምብኣር፣ እቲ መጣልዒ ፖለቲካዊ ምንዝርና ኢሳይያስን ስሱዓት ተቓወምቲ ኢትዮጵያን ኮይኑ ደኒኑ ዘሎ ውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ፣ እዋናዊ መጻእን ሕሳቡ ክገብር፣ ናይ ገዛእ ርእሱ ኣጀንዳ ከዋድድ ኣለዎ።