ድምጽና ዝብሃል ብኤርትራውያን ሰብ ሞያ ዝቖመ ኣብ ለንደን ዓዲ እንግሊዝ ዝመደበሩ ጉጅለ፣ ኣብ ኤርትራ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ንምምጻእ ዝነጥፍ ሓዱሽ ኤርትራዊ ምንቅስቓስ ብህጹጽ ንምምስራት ዘኽእል ናይ ስራሕ ውጥን ዘርጊሑ።
እቲ ድምጽና፣ ሎሚ 23 ሓምለ 2015፣ ውጥን፣ ንህጹጽ ትግባረ፣ ምምስራት ሓድሽ ኤርትራዊ ምንቅስቓስ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ኣሰና assenna.com ዝዘርግሖ ንድፊ ውጥን ጽማቝ ተልእኾኡ፣ “ ተልእኾ ዲሞክራስያዊ መሪሕነት፣ ኤርትራዊ ምንቅስቓስ ድምጽና፣ ኣብ ኤርትራ፣ ንኹሎም ዜጋታት ዘሳትፍ፣ ተሓታትነትን ቀጻልነትን ዘለዎ ቅዋማዊ ምሕደራ ኣብ ምምስራት ከም መዳለዊ ኣካል ምዕያይ እዩ።” ድሕሪ ምባል፣ “ ዕላማና ኣብ ኤርትራ ናይ ስርዓት ለውጢ ብምምጻእ፣ ብዝቐልጠፈ ስልጣን ናብ ህዝቢ ምርካብ እዩ” ይብል።
ኣብ መእተዊ ናይቲ ውጥን፣ እታ ብኢትዮጵያ፣ ሱዳን፣ ስግር ቀይሕ ባሕሪ ድማ ብ ዓረብ፣ ብዝተፈላለየ ዝንባለታት ዘለዎም ኣካላት ዝተኸበበት ሃገርና ኤርትራ፣ ካብ ነዊሕ ዘበናት ኣትሒዛ ዓውደ ኵናት ናይ ዝተፈላለዩ ተኸራኸርቲ ኣተሓሳስባታት ናይ ርሑቕን ቀረባን ሓይልታት ብምዃን ሰላምን ምርግጋእን ከምዝተሓረመት ይጠቅስ። ዓሌታዊ፣ ባህላዊ፣ ሃይማኖታዊ፣ ዞባውን ፖለቲካውን ብዙሕነታት ነቲ ኩነታት ከምዘተሓላለኾ ድማ የመልክት።
ይኹን’ምበር፣ እቲ መዳርግቲ ዘይብሉ ክድዓትን ምትላልን ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ብፍላይ፣ ህዝብና ኣብ ሓባራዊ ዕላማታት ዘለዎ እምነትን ተስፋን ኣብኒኑ ተወፋይነቱ ከምዝዳኸም ምግባሩ፣ ኣብ ታሪኽ ሃገርና እቲ ዝኸፍአ ዕንወት ምዃኑ ኣገንዚቡ።
እቲ ንህሉው ፖለቲካዊ ኩነታት ኤርትራ፣ እንተላይ ናይቲ ምልካዊ ስርዓት ውድቀትን ድኻም ደምበ ተቓውሞ ኣብ ሓድነትን ብሓጺሩ ዝዳህሰሰ ንድፊ ውጥን፣ ንህዝቢ ኤርትራ ካብዚ ጥሑሉሉ ዘሎ ደልሃመት ንምውጻእ፣ ፍልልያት ዘወግድ፣ ሓዱሽ መርሓ-ሓሳብ ዝሕመረቱ፣ ትዅረት ዘለዎ ትግባረ ዝጠምሮ ምሕዝነት ሓይልታት ለውጢ ዘእንግድ፣ ሓዱሽ መጀመርታ ከምዘድሊ ‘ውን ኣተሓሳሲቡ።
ነዚ ንምትግባር እቲ ምንቅስቓስ፣ ነቲ ምልካዊ ስርዓት ኣብ ምእላይ ድርኺት ዝፈጥሩ፣ ሓድነትን ሃገራዊ ዕላማታትን፣ ምኽባር ብዙሕነት፣ ደሞክራስን ሓቛፍነትን፣ ግሉጽነትን ተሓታትነትን፣ ግዝኣተ ሕጊ፣ ቁጠባዊ ምዕባለ፣ ፍትሓዊ ምምቕራሕ ጸጋታት፣ ነጻ ኣገልግሎት ጥዕናን ዓቐናዊ ስርዓተ መልዕሎን፣ ኣብ ሓባራዊ ረብሓ ዝተመስረት ሰላማውን ስትራተጂካውን ምሕዝነት ምስ ጎረባብቲ ሃገራት ዝሕመረቱ ብሱልን ሓያል ኣተሓሳስባታት ብምፍልፋል ክዓይይ ምዃኑ ገሊጹ። ምእላይ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ነግፈረግ ከምዘይብለሉ ዝጠቐሰ ድምጽና፣ ሰላምን ጸጥታን ንምውሓስ እቲ ድሮ ዝጸደቐ ሃገራዊ ቅዋም ኤርትራ ምስናይ ናይ ምምሕያሽ ክትግበር ኣለዎ ዝብል እምነት ዝከምዘለዎ ኣስሚሩሉ።
ብመሰረት እቲ መግለጺ፣ ሓደ ካብቶም ኣብዚ ፈለማ 6 ወርሒ ምህናጽ ናይዚ ምንቅስቓስ ክማላእ ዘለዎ ወሳኒ ዕማም፣ ኣድለይቲ ዕማማት ብዝለዓለ ብቕዓትን ዲስፕሊንን ከሳልጡ ዝኽእሉ ውሑዳት ምሁራትን ክኢላታትን ዝሓቖፈ ኣድማዒ ጉጅለ ምቛም እዩ።
“ምእንቲ ጽቡቕ መጻኢ ኤርትራ ምስ ድምጽና ሓቢሩ ክሰርሕ ዝደሊ ኤርትራ ኢድና ዘርጊሕና ክንቅበሎ ቅሩባት ኢና” ድማ ይብል።
እቲ 14 ገጻት ዘለዎ ንድፊ ውጥን ኣብ መወዳእታ፣ ድሕሪ ምውዳቕ ናይዚ ምልካዊ ስርዓት፣ ነቲ ኣብ ዝሓለፈ 50 ዓመታት ኣብ ኤርትራ ዝወረደ ክሳራ ኣብ ውሽጢ 5 ዓመት ንምሕዋዩ ሃቐነ ከምዘለዎ የገንዝብ። ነዚ ሰናይ ጻዕሪ’ዚ ንምዕዋት ናይ መላእ ህዝቢ ደገፍ ከምዘድልዮ ‘ውን ይጽውዕ።
ንምሉእ ትሕዝቶ ናይዚ ውጥን ‘ዝን፣ እቲ ድምጽና ብ 16 ግንቦት ናይዚ ዓመት ‘ዚ ፣ “ቅልጡፍን ኣድማዕን ፍታሕ ንደልሃመት ኤርትራ” ብዝብል ኣርእስርቲ ዝዘርግሖ ሰነድን ንምንባብ መርበብ ሓበሬታ assenna.com ተወከሱ።