መበል 11 ርእሱ ካብ ኤርትራ ናብ ኢትዮጵያ ከምልጥ ኣብ ዝፈተነሉ ኣብ ዶብ ብዝተተኮሰሉ ጠያይት ብኸቢድ ዝተወግአ ኤርትራዊ ደሃይ ናይቶም 10 መማጽእቱ ከምዘይብሉ ከምዝሓበረ ሓቢሩ።

weldeabመበል 11 ርእሱ ካብ ኤርትራ ናብ ኢትዮጵያ ከምልጥ ኣብ ዝፈተነሉ እዋን ኣብ ዶብ ብዝተተኮሰሉ ጠያይት ብኸቢድ ዝተወግአ ወልድኣብ ዝተባህለ ወዲ 20 ዓመት ኤርትራዊ መንእሰይ፣ ደሃይ ናይቶም 10 መማጽእቱ ከምዘይብሉ ምዝራቡ ካብ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ኣረዲኡ።ኣብቲ ሓደጋ ጉዕዞ ስደት ኤርትራውያን ናብ ኤውሮጳ ኣብ ዶብ ኤርትራ እዩ ዝጅምር ብዝብል ኣርእስቲ ዝተጻሕፈ ናይ ዜና ትንታነ፣ እቶም ናይ ኤርትራ ወተሃደራት ተወጊኡ ወዲቑ ኸሎ፣ ቐጻሊ ቶኽሲ የሸምብቡሉ ከምዝነበሩ ኣብ ሕክምና መዓስከር ስደተኛታት ማይዓይኒ ኣብ ዓራት ደቂሱ ኣብ ዝሃቦ ቓል ከምዝሓበሮ ልኡኽ ቢቢሲ ይጠቅስ።ቅድሚ ሕጂ ብሱዳን ኪሰግር ፈቲኑ ከምዘይሰለጦ ‘ሞ ኣብ ቤትማእሰርቲ ናይቲ ስርዓት ንሰለስተ ኣዋርሕ ድሕሪ ምድጓኑ ብወገን ኢትዮጵያ ዝሰገረ ወልደኣብ፣ ቀንዲ ካብ ኤርትራ ዘንፈጾ ምኽንያት ግዱድ ዕስክርና ሃገራዊ ኣገልግሎት ምዃኑ ጠቒሱ።

ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ኤርትራውያን ኣብ ኢትዮጵያ በጺሑ ነቲ ጸብጻብ ዘመሓላለፈ ልኡኽ ቢቢሲ፣ በቲ ጽንኩር ሓለዋ ኣለዎ ተባሂሉ ዝእምነነሉ ዶባት ኤርትራን ኢትዮጵያን ጥራይ ኣብ ውሽጢ ክልተ መዓልቲ 500 ኤርትራውያን ስደተኛታት ናብ ኢትዮጵያ ይሰግሩ ኣለዉ ክብል መስኪሩ።

እዚ ኣበሃህላ ‘ዚ ነቲ ናብ ኢትዮጵያ ዝሰገሩ ኤርትራውያን ስደተኛታት ብተደጋጋሚ ንድምጺ ኣሰና ብቓሎም ዝሃቡዎ ምስክርነት መሊሱ ዘረጋግጽ እዩ። እዚ ሓበሬታ ‘ዚ ከምዘርጋግጾ ኣብ ወርሒ ብገምጋም 7500 ኤርትራውያን  ናብ ኢትዮጵያ ይሰግሩ ኣለዉ ማለት እዩ። ነቶም ብወገን ሱዳን ዝሰግሩ ካልኦት ኣሽሓት እንተወሲኽካሉ፣ ቁጽሪናይቶም ናብ ስደት ዘምርሑ ዘለዉ ኤርትራውያን ብፍላይ ድማ መንእሰያት ኣዝዩ ዘሰንብድ እዩ።

በዚ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ዝጠንቁ ኣሻቓሊ መንእሰያት ናይ ምጽንቃቕ  ወፍሪ፣ ህዝቢ ኤርትራ ብፍላይ ድማ ኣብ ከበሳ ዝነብር ህዝብና ይጸንት ምህላዉ ዘወላውል ኣይኮነን። ኣብዚ እዋን ‘ዚ ኣብ ገጠራት ኤርትራ ዝዓረፉ ሽማግለታት ንምፍናው ጉድጓድ ዘዳሉ መንእሰይ ተሳኢኑ፣ ነቲ ዕማም ኣዴታት ይሓልፍኦ ምህላወን ይንገር።

ኤርትራ ድሕሪ ታ ብውግእ ተናዊጻ ዘላ ሶርያ  ዝበዝሑ ስደተኛታት እተርፍሪ ሃገር ኮይና ‘ላ።

By on

 

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *