ደሃይ ካብ ወደብ ዓሰብ

assabe_2

  • ኩላትና ከም ንፈልጦ እቶም ብኢሰያስ ዝምወሉን ዝስልጥኑን ዝነበሩ ብስም ሑቱ ዝፍለጡ ተቓወምቲ መንግስቲ የመን፡ ሃንደበት ንየመን ዳርጋ ኣብ ምቍጽጻር ምስ ኣተዉ፡ ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ ብመሪሕነት ዓረብ ንዕብለላ ኢራን ኣብዚ ከባቢ ክቈጻጸራ ግድነት ኮይኑወን። ስለዝኾነ፡ ኢሰያስ ብህጹጽ ናብ ርያድ ተጸዊዑ። ሽዑ ከምኡ ዝብል መምርሒ ግዲ ተዋሂቡዎ ንበይኑ ጢልጢል እናበለ ከይዱ ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ርያድ እንታይ ከም ዝገበረ’ውን ብወገን ክልቲአን ሃገራት ዝተዋህበ ዜና ኣይነበረን። በንጻሩ፡ ብደገ ደገ ብዙሕ ኣብ ነንሓድሕዱ ዝጻረር ዜናታት ተዘርጊሑ። እቲ ጕዳይ ግን ከምዚ ነይሩ።
  • መራሕቲ ስዑድያ፡ “ንወደብ ዓሰብ ንተቓወምቲ የመን ንምውቃዕ ከም ሓደ ወተሃደራዊ መዓስከር ክንጥቀመሉ ደሊና ኣለና። ኣብዚ ጕዳይዚ እንተ ተሓባበርካና ጽቡቕ፡ ኣይፋለይ ትብል እንተዄንካ ግን ክንወስዶ ንኽእል ስጕምቲ ኣሎ፡” ዝብል ምዕይ መበሊ ዘይብሉ ኣማራጺ ሂቦሞ። ኢሳይያስ ድማ ዓንዴል እናጠዓሞ ሕራይ ኢሉ ነቲ ትእዛዝ ተቐቢሉዎ ተመሊሱ።
  • እዚ ከምዚ ሉ ከሎ ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ ንመንግስቲ ጅቡቲ መሬቱ ክጥቀሙሉ ሓቲቶሞስ፡ “ኣብ ጕዳይ ጎርቤት ሃገር ክኣቱ ኣይደልን’የ፡” ዝብል መልሲ ከም ዝሃቦም ተፈሊጡ ኣሎ።
  • ብዝኾነ፡ ናይ ሞትን ህይወትን ሕቶ ስለ ዝኾኖም ነቲ ባዕሉ ዝፈጠሮ ከቢድ ጸገማት ዘለዎ ኢሰያስ ኣገዲዶም ድሌቶም ከማልኡ ክኢሎም። ድሕርዚ ዝሰዓበ ንምግማቱ ኣየሸግርን። እታ ብጽምዋ ተዋሒጣ ዝነበረት ወደብ ሰዓብ ከም ቅጽበት ኣጽዋር ብዘራግፋ ነፈርትን ነቲ ኣጽዋር ብዝጽዕናን መራክብን ካብኡ እናተበገሳ ኣብ የመን ደብዳብ ብዘካይዳ ነፈርቲ ውግእን ናብ ቆፎ ንህቢ ተቐዪራ ኣላ።
  • ከም ሳዕቤን፡ ነበርቲ ዓሰብ ዘይተሓስበ ማና’ኳ እንተ ፈጠረሎም፡ እታ ከተማ ግን ዳርጋ ናብ ሓንቲ ንጽልቲ ወተሃደራዊ መዓስከር ሓይልታት ወጻኢ ተቐዪራ ኣላ። ብዘይካ ነበርታ ማንም ዜጋ ንዓሰብ ገጹ ተንከስ ኢሉ ክገይሽ ኣይክእልን። ኮታ ብሓጺሩ ናብ ሓንቲ ንወጻእተኛታት ዝተሓዝአት ክልልቲ ወተሃደራዊ መዓስከር ወይ ድማ ዳግማይ ቃኘው ስተሽን ተቐዪራ ኣላ።
  • ገለ ተዛረብቲ፡ “እዞም ኣዕራብ ስርሖም ምስ ወድኡ ንኢትዮጵያ ኣረኪቦም ከይከዱ’ምበር ናታቶምስ ደሓን ነይሩ፡” እናበሉ ይዋዘዩ ኣለዉ። እዚ ግን ንዋዛ ዝዕድም ዘይኮነ፡ ሃገር ኣብ ትሕቲ እንኮ ውልቀመላኺ ምስ ወደቐት ልክዕ ናብ ተራ ኣቕሓ ከም ትቕየር ዝሕብር ናይ ሓደጋ ደወል ምዃኑ ክፍለጥ ኣለዎ።
  • ብኻልእ ሸነኽ እቲ ቅድሚ ገለ ኣዋርሕ ብዙሕ ዝተዘርበሉ ኣብ ልዕሊ ቢሻን ወተሃደራዊ መዓስከር ማይዕዳጋን ዝተፈጸመ ናይ ሚሳይል መጥቃዕቲ ናይ ኣመሪካ ድሮን (እተን ሰብ ኣልቦ ወይ ድማ ብዘይ ፓይሎት ዝድብድባ ነፈርቲ) ከም ዝፈጸምኦ ይንገር ኣሎ። እቲ ኣብ ማይዕዳጋ ዝነበረ መዓስከር ናይ ተቓወምቲ የመን (ሑቲ) ኣጽዋር ተኸዚኑሉ ነይሩ እዩ ዝብሃል። ስለዚ፡ ንሱ ፍጹም ክድምሰስ ከሎ እቲ ናይ ቢሻ ግን ብፍላጥ ኣብ ዘይሃሲ ቦታ ተሃሪሙ።

ደሃይ ካብ ኣስመራ

  • ኣስመራ ኣብዚ እዋንዚ ካብ ኤለትሪክ፡ ማይን ነዳድን (ብፍላይ ናፍታ) ተሓሪማ ኣላ። ምጥፋእ ኤለትሪክ ኣብ ኣስመራ ንነዊሕ እዋን ተለሚዱ ኳ እንተጸንሐ እዚ ልዕሊ ክልተ ወርሒ ኣቝጺሩ ዘሎ ጸላም ግን ንበይኑ እዩ። ህዝቢ ኣስመራ ጸላም ህግደፍ ደርገፍገፍካብ ዝብል ዓመታት ኣሕሊፉ ኳ እንተኾነ፣ ሕጂ ግን እቶም መንግስትና ጽቡቕ ኣሎ እናበሉ ኣብ ክራማት ዝመላለሱ ዝነበሩ ኤርትራውያን ሰብ ወጻኢ ኳ ምስማም ስኢኖሞ፣ ናዋርሕ መዲቦም ዝመጽኡ ኣብ ሰሙኖም ይምለሱ ኣለዉ።
  • እቲ መደበር ሓይሊ ኤለትሪክ ዳርጋ ምሉእ ብምሉእ ዓንዩ እዩ ዝብሃል። ቻይናውያን ከዕርዩዎ ፈቲኖም ግን ኣይከኣሉን። ምኽንያቱ፡ እቶም ዝፈልጡዎ ክኢላታት የለዉን ጥራይ ዘይኮነ፡ ምሉእ ፓነላትን ቀንዲ ኣካላቱን ካብ ጥቕሚ ወጻኢ ካብ ዝኸውን ነዊሕ ግዜ ኣሕሊፉ እዩ።
  • ኢሰያስ ኣፍወርቂ ኣብታ ከም መዓስከሩ ወይ ቤትጽሕፈቱ እትሰርሕ ዲጋ ዓዲ ሓሎ እዩ ዘሎ። ኣብኡ ምስ ገለ ውሑዳት መንእሰያት ሲቪል ኢንጂነራት ስለ ዝተዓራረኸ (ማዕረ ገዛ ዓዲሉዎም ይብሃል) ካብ ኣስመራ ፈጺሙ ርሒቑ እዩ ዘሎ። ኣብ ኣስመራ’ውን ዝስራሕ ነገር የብሉን ጥራይ ዘይኮነ፡ ካብቲ ከዳዕ ዝብሎ ህዝብን ካብ ኣረቂን ክርሕቕ’ውን ደልዩ እዩ ዝብሃል። ኣብ መወዳእታ፡ ኣብ ስራሕ ኮንትሮባንድ ተሳቲፍኩም ብዝምብል ምስምስ ብርርክት ዝበሉ በዓል ዮሴፍ መኰነን ዝርከኑዎም ገዳይም ኣባላት መጓዓዝያ ነበር ኮለኔላት ተኣሲሮም ከም ዘለዉ ‘ውን ይፍለጥ።

ሎሚ ኣብ ኣስመራ ጸረ ህግደፍ ዝኾነ ጽሑፋትን መጽሔታትን ምርኣይ እናተለምደ ከይዱ’ሎ።

By on

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *