ሃገርና ኤርትራ ሎሚ ዘድሕና እምብር ዝዛረብ አይትደልን እያ።by Micheal Beyene

ሃገርና ኤርትራ ሎሚ ዘድሕና እምብር ዝዛረብ አይትደልን እያ።

ሎሚ አብ ዘበናት ዘይተረአ ግፍዕታት እንዳ ተገብረ፡ አብ ስራሕ ዝዕንቕፍ፡ አብ ሃለውለ ግዜ ከጥፍእ ዝፍትን፡ አንጻር ህግደፍ ክግበር ዝግበኦ ዕማማት ጠጠው ዘብለካ ፡ብመደብ ልኡኽ ህግደፍ ምዃኑ ክንርስዕ የብልናን። ስለዚ ኩሉ ተቓላሳይ አብ ዘለዎ ቦታ እጃሙ ከበርክት አንጻር ህግደፍ ውዓል ሕደር ዘየድልዮ እዋን እዩ። አብ ዝሓለፈ ሰሙናት ዝተገብረ ሰላማዊ ሰልፊ ዝምጎስ እዩ፡ እንተ ኾነ ግን ንህግደፍ ከውድቕ ተጠርኒፉ ንአብ ግንባራት ዘለው ሓይልታት ክሕግዝ ምስ ዝበቕዕ ጥራሕ እዩ ዓወታት ለውጢ ክረጋገጽ ዝኽእል። ስርዓት ህግደፍ ሓያል ቀታሊ ጉጅለ እዩ። ክሰዓር ድማ ብሓይሊ እምበር ብዘረባ ከምዘይ ከአል ክንፈልጥ አሎና። አብ ወጻኢ ዝርከብ ደላይ ፍትሒ ተጠርኒፉ ሃገር ንምድሓን፡ አብ ባይቶ ተጠርኒፉ ዘሎ ሓይልታት ሰሚሩ ሃገሩ ከድሕን ጽቕጠት ክገብር አለዎ እብል። ብፍላይ አብ ዝመጽእ ወርሒ ጉባኤ ክግበር ስለ ዝኾነ ኩሉ ደላይ ፍትሒ ክሳተፍ በዚ አጋጣሚ እዕድም። ሰላምን ራህዋን ንህዝቢ ኤርትራ ! ዝኽርን ሞገስን ንጀጋኑ ስውአት

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *