ሻዕብያ ካብ ጀብሃ እንተዘይትፍለ ናጽነት ምተረኽበዶ ነሩ? ርሑስ በዓል ናጽነት 2015 ቀለታ ኪዳነ

 

Landform Map 2

 

ሻዕብያ ካብ ጀብሃ እንተዘይትፍለ ናጽነት ምተረኽበዶ ነሩ?

 ርሑስ በዓል ናጽነት 2015 ቀለታ ኪዳነ

1ይ. ሜዳ ኤርትራ ካብ ሓደ ውድብ ንላዕሊ ክጸውር ኣይክእልን ኢዩ 1971። (ጀብሃ)

2ይ. ካብ ሎሚ ንድሕሪት ናይ ውድባት ሓሸውየ የልቦን 1991። (ሻዕብያ)

  ብዛዕባ ሕሉፍ ታሪኽ ውድባት ንምትንታን ዘይኰነ ኵሉ በብመልዓሊኡን ኣብ ኣጋጣሚኡን ስለዝለዓል ኢዩ። ብ1971 ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ (ጀብሃ) ሓይሉን ዓቕሙን ትኣማሚኑ ‘’ሜዳ ኤርትራ ካብ ሓደ ውድብ ንላዕሊ ክጸውር ኣይክእልንዩ’’ ዝብል ኣብ ጉባኤ ኣጽዲቑ ክብገስ ከሎ ብዘይክኡ ኣብ ኤርትራ ምእንቲ ሃገርን ህዝብን ዝቃለስ ካልእ ውድብ ንኸይህሉን ሜዳ ኤርትራ ንውልቁ ክብሕትን ካብ ፍቓዱን ውሳኔኡን ንዝወጸ ህዝባዊ ሓይልታት ኮነ ካልኦት ብብረት ክድምሰሱ ኢዩ ወሲኑ። ብ1991 ህዝባዊ ግምባር (ሻዕብያ) ንጀብሃ ኮነ ንጸላኢ ደምሲሱን ኣባሪሩን ሃገር ምስ ተቘጻጸረን ተቓሊሱን ንህዝቢ ብምጥርናፍ ኣቃሊሱን ናጽነት ምስ ጨበጠን ሃገር ምስ ተቘጻጸረን ከኣ ( ለቕሓ በሰሮ) ከም ዝበሃል ‘’ካብ ሎሚ ንድሕሪት ናይ ውድባት ሓሽውየ የልቦን’’ ክብልዩ ኣጠንቂቑ። እዞም ክልተ ውሳኔታት ኣበሃህላኦም ይፈላለ እምበር ብርእይቶይ ትርጉሞም ሓደ ኢዩ።

ፍልልዮም ጀብሃ ነቲ ዘሕለፎ ናይ ንኻልኦት ሓይልታት ምድምሳስ ውሳኔ ከፈጽምን ከተግብርን ብዙሕ ተዋጊኡን ናይ ኣሽሓት መንእሰያት ሂወት ኣጥፊኡን ክፈሽሎ ከሎ፡ ህዝባዊ ግምባር ክብሎ ከሎ ግን ድሕሪ ናጽነት ሓይሉን ህዝቡን ትኣማሚኑ ስለዝዀነ ነቲ ዝበሎ ኣብ ግብሪ ንኽትርጕሞ ብዙሕ ዘጋጠሞ ሽግር ወይ ተቓውሞ ኣይነበረን።

ስለምንታዩ ጀብሃ ክፈሽል ህዝባዊ ግምባር ግን ክዕወትን ናጽነት ከምጽእን ክኢሉ?

ልክዕዩ ናይ ክልቲኦም ውድባት ተጋደልቲ ኮነ ሓፋሽ ውድባት ፍቕሪ ሃገሮምን ህዝቦምን ዘለዎም ኵሎም ካብ ሓደ ማህጸን ዝወጹ ኤርትራውያን ኢዮም። እቲ ፍልልዮም እቲ ናይ ኣመራርሓን ምትእምማንን ብቕዓት ኢዩ። ጀብሃ ክጅምር ከሎ ብቕንዕናን ብምትእምማንን ዘይኰነስ በቲ ንሜዳ ኤርትራ ንበይኑ ክቆጻጸርን ስልጣን ክብሕትን ኢሉ ንኹሉ ሕማማቱን ዝንባሌታቱን ከይትሓጽበ ብናይ ውልቃዊ ረብሓ ዝተኣኻኸበ መሪሕነትዩ ነሩዎ። ህዝባዊ ሓይልታት ግን ብሓድነትን ብምትእምማንን እንተዘይተኸላኺልና ጀብሃ ከተጥፍኣና ኢያ ብማለት ንድሕነቶምን ንህላዌኦምን ኢዮም ዝቃለሱ ነሮም። ነዚ ንምግባር ከኣ ካብቲ ናይ ጀብሃ ኣመራርሓን ኣከያይዳን ብዙሕ ተማሂሮምን ኣብነት ረኺቦምን ኢዮም ዝብል እምነት ኣሎኒ። ብሓጺሩ ብሚዛነይ ኣብ ኣመራርሓ ናይ ክልቲኡ ውድባት ብዙሕ ኣዝዩ ብዙሕ ፍልልይ ዝነበሮ ኢዩ።

እዚ ማለት ከኣ ከምቲ ኣብ ጀብሃ ኣብ መሪሕነት ሻዕብያ እውን ፍልልያትን ግርጭታትን ኣይነበረን ማለት ኣይኰነን። እቲ ፍልልዮም ግን ናይ ጀብሃ ቅሉዕ ክኸውን ከሎ ናይ ሻዕብያ ግን ክሳብ ሎሚ ብዕሊ ሰብ ዝርእዮን ዝሰምዖን ፍልልያት ከይርኤን ከይስማዕን ኣዝዩ ፍሉይ ክእለትን ሓለዋን ዝነበሮን ዘለዎን ውድብ ኢዩ። ስለዝዀነ ከኣ ነቲ ኣብ ጀብሃ ዝነበረ ናይ መሪሕነት ፍልልያትን ግርጭታትን ተጋዳላይ ጥራሕ ዘይኮነ ዝዀነ ገባር ዝርእዮን ዝፈልጦን ኣብ ነንሕድሕትካ ውግእ ሓድሕድ ከይተረፈ ዝነበሮ ክኸውን ከሎ ነቲ ኣብ ሻዕብያ ዝነበረ ፍልልያትን ምስጢራዊ ኣሰራርሓን ግን ኣይኰነንዶ ገባር ኣብቲ ዝለዓለ ጽፍሒ ካብ ዝነበሩ ሓለፍቲ ዝፈልጡዎ ዝነበሩ እውን ኣዝዮም ውሑዳት ኢዮም ነሮም።

ምኽንያቱ ገለ ገለ መሪሕነት ሻዕብያ ዋላ ኣብ መንጉኦም ኣዝዩ ጽልኢ ዘለዎም’ኳ እንተነበረ ኣነ ከም ዝተዓዘብኩዎም ኣብ መንጎ ስራሕ ተጋደልቲ ወይ ገባር ብዝርእዩዎን ዝሰምዑዎን ፈጺሞም ናይ ጽልኢ ምልክት ኣየርእዩን ኢዮም ነሮም።

ብወገነይ ኣብቲ ናይ ውድባት ኣሰራርሓን ኣከያይዳን ፖለቲካን ብዙሕ ኣፍልጦን ዕግበትን ስለዘይነበረኒ ውድብ ንምዕባይ ወይ ንውድበይ ኣብ ስልጣን ንምብጻሕ ተገዲሰን ስምዒት ኣሕዲረን ኣይፈልጥን። ንሓደ ካብቲ ካልእ ውድብ ፈልየ ዝረኣኹሉ እዋን እውን ኣይዝከረንን።

ብኣጋጣሚ ኣብ ክልቲኡ ውድባት ተቓሊሰ ብዓቕመይ ብዝረኣኹዎን ዝሰማዕኩዎን ዝወሰድኩዎ ገምጋምን እንተዀይኑ ግን ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ከም ሓደ ውድብ ነነዊሕ ክጸንሕ ከም ዘይክእል ገና ሓድሽ ተጋዳላይ ክነሰይ ብብጾተይ ተመሪጸን ንብጾተይ ወኪለን ብኣካል ተኻፊለን በቲ ኣብ 1975 ኣብ 2ይ ሃገራዊ ጉባኤ ዝረኣኹዎ ናይ ሃይማኖትን ዓሌትን ካልእን ግሉጽን ርኡይን ምስሕሓብ ነቲ መሪሕነት ከም ዝገምገምኩዎን እዚ ውድብዚ ትዓርዩን ትኣማሚኑን ክቕጽል ከም ዘይክእል ብምቕባጽ ከኣ እቲ ህዝባዊ ሕይልታት ዝሓይሽ እንተዀይኑ ንምርኣይ ናይ ስድራይ ምኽንያት ብምግባር ካብቲ ውድብ ብዕሊ ተሰናቢተ ከም ዝኸድኩ ሽዑ ምሳይ ዝነበሩ ዝኣምኖም ተጋደልቲ ሎሚ እውን ብሂወት ስለዘለዉ ገምጋመይ ኣካፊለዮም ከም ዝነበርኩ ዘረጋግጹዎን ዝምስክሩዎን ሓቂ ኢዩ።

ተጋድሎ ሓርነት (ጀብሃ) ከኣ ክሳብ ሎሚ ኣነ ካብ ዝፈልጦምን ምስኣቶም ምቅላስ ካብ ዝጅምርን ጥራሕኳ ድሮ ኣርብዓ ዓመት (40 ) ኰይኑ ከብቅዕ ክሳብ ሎሚ ኣብዚ ኣብ ወጻኢ ሃገር እውን ከይተረፈ ንዝሓለፈ ናይ ሜዳ ጌጋታቶምን ጽልእታቶምን ገዲፎም ክትኣራረሙን ክጥርነፉን ዘይኮነ ክራብሑን ክፈናጨሉን ነንሓድሕዶም ክጻረፉን ይቕጽሉዎ ኣለዉ። እሞ ንምዃኑ ሻዕብያ ካብ ጀብሃ ተፈልያ እንተዘይትቃለስን ንህዝቢ ጠርኒፋ እንተዘይተቃልሶንሲ ናጽነት ምተረኽበዶ ነሩ? ካልእ ሻዕብያ ንጀብሃ ተጠርኒፎም ከም ውድብ ክኣትዉን ኣብ ሃገር ክዋስኡን እንተተፍቅደሎም ኔራኸ ኣብ ሃገር እንታይ መጋጠመ ነሩ? በብወገና ነናትና ገምጋምን ርእይቶን ክንህበሉ ንኽእል ሕቶ ኢዩ።

ብዝዀነ እቲ ናጽነትስ ሳላ እቶም ንሂወቶም ምእንቲ ሃገሮምን ህዝቦምን ዝወፈዩ ጀጋኑ ተረኺቡ ኣሎ። ህዝቢ ኤርትራ ዝተረፎ ነገራት ግን ኣሎዶ? ከመይ ድኣ ብርግጽ እምበር። እዚ ከኣ ናትና ናይ ኵላትና ደቂ ሃገር ሓላፍነትን ጾርን እምበር ንፍሉያት ሰባት ወይ ኣካላት ጥራሕ ዝግደፍ ኣይኰነን።

እንደገና ርሑስ መበል 24 ብዓል ናጽነት 2015

ዘለዓለማዊ ዝኽሪ ንስዉኣት

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *