ተቓወምቲ ጕጅለታት ኢትዮጵያ ኣንጻር መንግስቲ ኣብይ ኣሕመድ ኪዳን ኣቚሞም Ethiopia’s opposition groups have formed an alliance against Abiy Ahmed’s government

https://www.bbc.com/tigrinya/articles/ck9qr3n0727po

21 መስከረም 2026

ንባብ: 3 ደቓይቕ

ንመንግስቲ ቀዳማይ ምኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ካብ ስልጣን ንምውራድን ንዅሉ-ዝሓቍፍ “መሰጋገሪ ምምሕዳር” ንምቛምን ጻዕርታት ንምውህሃድ ዝዓለመ ሓድሽ ኪዳን ምቛሙ፡ ሸውዓተ ፖለቲካዊን ዕጡቓትን ጕጅለታት ኢትዮጵያ ዝሓቍፍ ጥምረት ኣፍሊጡ።

እዚ ኣዋጅ’ዚ፡ ሰንበት ኣብ ሰዓታት ድሕሪ ቐትሪ ኣብ ተለቪዥን ትግራይን ካልኦት ማዕከናት ዜናን ኣብ ዝተመሓላለፈ ፈነወ ብቀንዲ መራሒ ፋኖ- ኣምሓራ፡ ዘመነ ካሴ እዩ ወግዓዊ ኰይኑ።

ብስም እቲ ሓድሽ ዝቘመ ‘ኪዳን ህዝባዊ ሓይልታት ኢትዮጵያ ንህልውና’ ወይ ‘ምሕዝነት ንህልውና’ ብዝተባህለ ጥምረት ዝቐረበ መግለጺ እዩ።

እቲ ጥምረት ኣብ መግለጺኡ፡ እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝገዝእ ዘሎ ሰልፊ ብልጽግና፡ ንዓመታት ዝጸንሐ ግጭት፡ ፖለቲካዊ ዓፈና፡ ቍጠባዊ ውድቀትን ጅምላዊ ምምዝባልን ከም ዘስዓበ ከሲሱ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ክሳዕ ሕጂ ብዛዕባ’ዚ መግለጺ እቲ ኪዳን ዝሃቦ ምላሽ የሎን።

እንተዀነ ነቲ ምስ ጐረባብቲ ሃገራት ክግበር ዝጸንሐ ኪዳናት ናይ ገለ ካብዞም ኣብቲ ጥምረት ዝተጠቕሱ ሓይልታት ከም ንኢትዮጵያ ንምድኻም ዝተኣልመ ውዲት እዩ ክብል ክገልጾ ጸኒሑ እዩ።

ሰበስልጣን መንግስቲ፡ ብተደጋጋሚ “ታሪኻውያን ጸላእቲ” ብምባል ናብ ኤርትራን ግብጺን ዝቐንዐ ክሲታት ክቕርቡ ጸኒሖም’ዮም።

እቲ ሓድሽ ዝቘመ ኪዳን፡ እታ ሃገር ኣብ ጸጥታ፡ ምሕደራን መነባብሮን ውድቀት ኣጋጢሙዋ ምህላዉ ብምጥቃስ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዝያዳ ዘይምርግጋእ ንኽፍጠር እናዓበየ ዝመጽእ ዘሎ ሓደጋ ኣንጸላልይዋ ኣሎ ክብል ኣጠንቂቑ።

ኣብ መጀመርታ ወርሒ ነሓሰ፡ ኣዛዚ ሰራዊት ኢትዮጵያ ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ፡ ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞን (OLA) ሃገራዊ ምንቅስቓስ ኣምሓራ ፋኖን (AFNM) ረብሓታት ግዳማውያን ሓይልታት የገልግሉ ኣለዉ ክብል ከሲሱ ነይሩ። ብተወሳኺ፡ ኤርትራ ነቲ ኢትዮጵያ ወደብ ንምርካብ እትገብሮ ጻዕሪ ንምድኻም፡ ንኪዳን ዕጡቓት ጕጅለታት ትድግፍ ኣላ ክብል ወቒሱ።

እንተዀነ፡ ቀዳማይ ምኒስተር ኣብይ ኣሕመድ፡ ነቲ ሱዳን’ውን ትርከቦ እያ ዝበሎ ምሕዝነት፡ ዘምጽኦ ጽልዋ ኣነኣኢሱ እዩ ገሊጽዎ።

መንግስቲ እታ ሃገር፡ ህወሓት ምስ መንግስቲ ኤርትራ ብምዃን ንኲናት ይዳሎ ኣሎ ዝብል ክሲ ከቕርብ ዝጸንሐ ኰይኑ፡ ህወሓት ብወገኑ እቲ መንግስቲ ምድላዋት ኲናት ይገብርን ሰራዊቱ ናብቲ ክልል የንቀሳቕስን ኣሎ ክብል ይኸስስ።

እቲ ቀዳማይ ምኒስተር፡ ኣብቲ ብ 7 ሓምለ ንኣባላት ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ እታ ሃገር ኣብ ዝሃቦ ሰፊሕ መብርሂ፡ ንህወሓት፡ኤርትራ፡ ሱዳንን ግብጺን ኣልዒሉ ብምንቃፍ፡ “ኣይኰነን ዶ ሻዕብያ፡ ወያነን ሱዳንን፡ ካልእ እውን እንተ ተወሰኸ፡ ልዑላውነት ኢትዮጵያ ቅንጣብ’ውን ትዅን ስግኣት የብሉን፡” ክብል ተዛሪቡ።

ሱዳን ኣቐዲማ፡ ነቲ ኢትዮጵያ ከም ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት) ዝኣመሰሉ ዕጡቓት ጕጅለታት ትድግፍ ኣላ ብምባል ዘቕረበቶ ክሲ ነጺጋቶ እያ።

ኤርትራ ነቲ ብሰበስልጣን ኢትዮጵያ ምስ ዕጡቓትን ፖለቲካውያን ተቓወምቲ ሓይልታት ንዘለዋ ምሕዝነት ኣመልኪቱ ንዝቐርበላ ክሲታት፡ ኲናት ንብምውላዕ ከም መመኽነይታ ዝቐርብ ጸለመ ምዃኑ ብምግላጽ ትነጽጐ።

ብደረጃ ውሽጢ ሃገር ግን፡ እቶም ብሰንኪ ውሽጣዊ ምፍንጫል ካብቲ ውድብ ዝወጹ ኣዘዝቲ ህወሓት ዝነበሩ ዝመስረቱዎ ሓይልታት ሰላም ትግራይ (TPF)፡ ኣብ ሰነ ኣንጻር ህወሓት ምስ ፈደራላዊ መንግስቲ ምትሕብባር ከም ዝጀመሩ ኣፍሊጦም።

እዚ ምምስራቱ ኣብ ውሽጢ ፖለቲካዊን ወተሃደራዊን ግንባር ትግራይ ዝነበረ ምፍንጫል ዘዕመቘ ሓይልታት ሰላም ትግራይ (TPF)፡ ምስ ትግራይ ኣብ እትዳወብ ክልል ዓፋር እዩ ዝንቀሳቐስ።

መንግስቲ ኣብይ ኣሕመድ ምስዚ ጕጅለ እዚ ይሰርሕ ምህላዉ ብወግዒ እኳ እንተ ዘየረጋገጸ፣ መራሕቱ ግን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝካየድ ኣኼባታት ይሳተፉ እዮም።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *