
https://www.bbc.com/tigrinya/articles/c69qr3px0rr7o
ቅድሚ 5 ሰዓታት
ንባብ: 2 ደቓይቕ
በዓል መዚ መራኸቢ ብዙሓን ኢትዮጵያ፡ ንተሌቪዥን ትግራይ ብግዝያዊነት ከምዝኣገደ ኣፍሊጡ።
ሎሚ ረፋድ ኣብ ወግዓዊ ገጽ ፈይቡክ እቲ በዓል መዚ ዝወፅአ መግለፂ ከምዘመልክቶ፡ ንጸጥታ ሃገርን ህዝብን፡ ከምኡ’ውን ሃገራዊ ረብሓታት ኣብ ሓደጋ ዘእቱ፡ ግጭት ዘላዕሉ ኣኽራሪነት ዘተባብዑን መልእኽትታት ይመሓላለፉ ከምዘለዉ “ኣረጋጊጸ” ይብል።
“በዓል መዚ መራኸቢ ብዙሓን ኢትዮጵያ፡ ብመሰረት ሕጋዊ ሓላፍነቱ፡ መደብ ተሌቪዥን ትግራይ ካብ ሎሚ ጀሚሩ ንዘይተወሰነ እዋን ተኣጊዱ ምህላዉ ይሕብር” ይብል እቲ መገሊፂ።
እዚ ዝኸውን ዘሎ፡ ህወሓት፡ ፋኖ-ኣምሓራን ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞን ዝርከቡዎም፡ ሸውዓት ዕጡቓት ሓይልታት ኢትዮጵያ ሓድሽ ኪዳን ከምዘቘሙ፡ ትማሊ ምሸት ብተሌቪዥን ትግራይ ኣቢሎም ዕላዊ ድሕሪ ምግባሮም እዩ።
እቲ ሓድሽ ኪዳን ምትሕብባር ሰፊሕ ዓለማውን ዞባውን ትዅረት ዝሰሓበ ዀይኑ፡ እቲ በዓል መዚ ኣብ ፅባሕ እዚ እወጃ እዩ ነዚ ስጕምቲ ወሲዱ ዘሎ።
እቲ ፈደራላዊ በዓል መዚ ሚድያ፡ ቅድሚ ምውላዕ ኲናት ትግራይ፡ ፈነወ ተሌቪዥን ትግራይን ድምፂ ወያነን ክቋረፅ ዝገበረ ዀይኑ፡ ሕዳር 2022 ምፍራም ውዕል ሰላም – ፕሪቶርያ ድሕሪ ምፍራሙ ነቲ እገዳ ኣልዒልዎ ምንባሩ ይዝከር።
ተሌቪዥን ትግራይ፡ ምስ ምቛም ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ብዝገበሮ ምርድዳእ ድማ ከም ብሓድሽ ስርሑ ክጅመር ብዝበፅሖ ስምምዕ መሰረት ስርሑ ጀሚሩ ኣብ ፈነወ ፀኒሑ።
ኣብ ርእሲ እዚ፡ እቲ በዓል መዚ፡ ዝዀነ ይዅን ትካል ዲጂታል፡ ፈነወ ወይ ሕትመት ሚድያ፡ ንተሌቪዥን ትግራይ ከም ምንጪ ሓበሬታ ተጠቒሙ ዝዀነ ሓበሬታ ምፍናው ድማ ከም ዝኸልከለ ኣፍሊጡ ኣሎ።