ቀዳማይ ምኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ብዛዕባ ትግራይን ኤርትራን እንታይ ኣልዒሉ?

https://www.bbc.com/tigrinya/articles/cn94nv3gr2zo

ዳማይ ምኒስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ፡ ሎሚ 7 ሓምለ 2026 ኣብ ዓመታዊ መዕጸዊ ኣኼባ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ፡ ካብ ኣባላት እቲ ባይቶ ንዝቐረብሉ ሕቶታት መብርሂ ዝሃበ ኰይኑ፡ “ህወሓት ቀልቢ እንተገዚኡ . . . ንምዝርራብ ጻዕሪ ከድሊ’ዩ፡” ኢሉ።

እቲ ቀዳማይ ምኒስተር፡ ብቦርድ መረጻ ኣፍልጦ ዝተነፍገ ፖለቲካዊ ሰልፊ ህወሓት ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ካብ ስልጣኑ ድሕሪ ምእላዩ ምስ መንግስቲ ፈደራል ኣብ ምስሕሓብ ኣትዩ ኣብ ዘለወሉ ግዜ’ዩ ነዚ ርእይቶ ሂቡ።

ኣቢይ ንኣባላት ባይቶ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ “ህወሓት ቀልቢ እንተገዚኡ ንምዝርራብ፡ ሰላም ንምምጻእ ጻዕሪ ምግባር ኣገዳሲ’ዩ፡” ብምባል፡ “ካብ ሰላም ወጻእ ዘሎ ኵነታት ኣይጠቕመናን፡” ክብል ተዛሪቡ።

ኣብ ትግራይ ዘሎ ወጥሪ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ ኣብቲ ክልል “ኲናት ንኽለዓል ሰፊሕ ድልየት ኣሎ፡ መኽሰብ ስለ ዘይብሉ ኢና እምቢ ኢልና፡” ክብል ተሰሚዑ።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *