ኣብ ኮሎራዶ፡ ኣብ ቅድመ መረጻ ዝተዓወተት ሜላት ኪሮስ መን’ያ?

https://www.bbc.com/tigrinya/articles/c621575mr91o

2 ሓምለ 2026

ንባብ: 4 ደቓይቕ

. . . ወትሩ ንግሆ፡ እንዳ ሻሂ ክኸፍት ከለኹ፡ ጸሓይ ብራቕ ኮሎራዶ’የ ዝርኢ። ጐረባብተይ ሓቦን ተስፋን ሰኒቘም ውዕሎኦም ከመይ ከም ዝጅምሩ ይርእዮም።

ሕጂ ግን፡ እታ እትበርቕ ጸሓይ’ውን ምርኣይ ኣጸጋሚ ኰይኑ፤ ናብራ ኣመና ከቢሩ፡ እቲ ቍጠባ ኣብ ሓያል ቅልውላው ወዲቝ ኣሎ . . .

ጓል 29 ዓመት ትውልደ-ኢትዮጵያዊት ኣመሪካዊት ፖለቲከኛ ሜላት ኣስፋወሰን ኪሮስ፡ ቅድሚ 11 ኣዋርሕ፡ ኣባል ቤት ምኽሪ ንምዃን ጐስጓስ ክትጅምር እንከላ ብቪድዮ ኣብ ዘሕለፈቶ መልእኽቲ፡ ካብ ዝበለቶ’ዩ።

ድምጺ መንእሰያት ይስማዕ የሎን ኢላ እትኣምን ሜላት፡ ኣብታ ግዝኣት ዘሎ ቤት ምኽሪ “ንዓና ኣይውክልን፡” እያ ትብል።

ብኣንጻሩ፡ ንዝሓለፉ ኣዋርሕ ከተካይዶ ኣብ ዝጸንሐት ጐስጓሳት ወኪላት ዲሞክራት ነቶም ብገንዘብ ዝምውሉዎምን ናይ ትካላት ሎቢስትን ዝውክሉ፡ ዝኣተውዎ መብጽዓታት ንምፍጻም ዝደኸሙ’ዮም ዝብል ተሪር ነቐፌታታት ከተቕርብ ጸኒሓ።

ብደሞክራስያውያን ሶሻሊስት ኣመሪካ (DSA) ዝድገፍ ጕዕዞ ሜላት፡ ኣብቲ ብ1 ሓምለ 2028 ግዝኣት ኮሎራዶ ኣብ ኮንግረስ ኣመሪካ ንምውካል ኣብ ዝተኻየደ ከባቢያዊ ቅድመ መረጻ ድማ ተዓዊታ ኣላ።

እዚ ብሰሉስ ዝተኻየደ ውድድር ንነዊሕ ዓመታት ዘገልገለት ዲያና ደጌት ክትስዓር ዝገበረ ኰይኑ፡ ሰልፊ ደሞክራቲክ ሶሻሊስት ኣብ ቀረባ ግዜያት ካብ ዘመዝገቦም ዓወታት ኣመሪካ ሓደ ምዃኑ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ይገልጻ።

በዚ መሰረት፡ ሜላት ወግዓዊት ሕጽይቲ እቲ ሰልፊ ኰይና፡ ኣብ ቀጻሊ ምስ ሕጹያት ሪፐብሊካን ክትወዳደር እያ፤ ኣብዚ ውድድር እንተስዒራ ድማ ኣባል ባይቶ ክትኸውን እያ። ንምዃኑ እዛ ድምጺ እዚ ወለዶ ኣመሪካ ዝዀነት ትውልደ ኢትዮጵያዊት መን’ያ?

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *