ግዝያዊ ምምሕዳር፡ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ናብ ትግራይ ክኣቱ ከም ዘይተሰማምዐ ገሊፁ

https://www.bbc.com/tigrinya/articles/ckg1n7qd0xzo


ምንጪ ስእሊ,Getty Images

21 ለካቲት 2026, 14:09 EAT

ንባብ: 3 ደቓይቕ

ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ፡ ‘ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ናብ ትግራይ ክኣትው ካብ መንግስቲ ፈደራል ትእዛዝ ከም ዝወረደ ዝገልፁ ሓበሬታት ትኽክል ከም ዘይኰኑ ገሊፁ።

ቤት ፅሕፈት ፕረዚደንት እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ሎሚ መዓልቲ ብመንገዲ ፈይስቡክ ኣብ ዝዘርግሖ መግለፂ፡ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ፡ “ኣብ ካምፕታት ሰሜን እዝ ንክሰፍር ከም ዝተሰማምዐ” ተገይሩ ሓበሬታ ይዝርጋሕ ከም ዘሎ ብምጥቃስ፡ እቲ ሓበሬታ “ፍፁም ሓሶት’ዩ፡” ኢሉ።

ኣብ መንጎ መንግስቲ ፈደራልን ህወሓትን ተባሊሑ ዘሎ ወጥሪ ናብ ካልእ ዙር ኵናት ከየምርሕ ሻቕሎት ኣብ ዝሰፈነሉ እዋን እዩ፡ እቲ ቤት ፅሕፈት ነዚ መግለፂ ኣውፂኡ ዘሎ።

ኣብዚ ቅነ፡ መንግስቲ ፈደራል ሰራዊት ምክልኻል ናብ ትግራይ ንኽኣቱ ንግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ከም ዘፍለጠ ዝገልፁ ሓበሬታት ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ተዘርጊሖም ኣለዉ።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *