ትግራይ፡ ደበና ሓድሽ ኲናት ኣንፀላልዩዎ ዘሎ ሻቕሎት

https://www.bbc.com/tigrinya/articles/c9wnglj0lreo

21 ለካቲት 2026, 11:13 EAT

ንባብ: 5 ደቓይቕ

ኣብታ ገና ካብ በሰላታት ኲናት ዘይሓወየት ክልል ትግራይ ሕጂ’ውን ሓድሽ ስግኣት ኲናት ኣንፀላልዩዋ፡ ነበርታ ኣብ ሻቕሎት ጥሒሎም ይርከቡ።

ቅድመ ክልተ ሰሙን ኣብ ፀለምቲ ተራእዩ ዝነበረ ግጭት፡ ጠጠው’ኳ እንተ በለ፡ ኣብዚ እዋን ኣብቲ ክልል ሰፊሕ ህዝባዊ ሻቕሎት ተፈጢሩ ከም ዘሎ ቢቢሲ ትግርኛ ካብቲ ከባቢ ዝረኸቦ ሓበሬታ የመልክት።

መንቀሊ እቲ ስግኣት እንታይ’ዩ?

ምስቲ ኣብ ከባቢ ፀለምቲ፡ ኣብ መንጎ ሰራዊት ኢትዮጵያን ዕጡቓት ትግራይን ዝተፈጥረ ግጭት፡ ብዝዛመድ፡ ተቛሪፁ ዝነበረ በረራ ካብን ናብን – ትግራይ፡ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ፡ ድሕሪ ሒደት መዓልታት ናብ ንቡር ምምላሱ ዝዝከር እዩ፣ ብመጠኑ እንተዀነ’ውን እቲ ተባሊሑ ዝነበረ ወጥሪ ዝሒሉ ተራእዩ።

ብፍላይ ምስ ገንዘብን ዕዳጋን ተዛሚዱ ግን፡ ባንኪታት እኹል ገንዘባዊ [ካሽ] ምንቅስቓስ ዘይምህላዉ ኣብ ዕዳጋ ሰፊሕ ቅልውላው ፈጢሩ ከም ዝርከብ ቢቢሲ ዘዘራረቦም ነበርቲ ይገልፁ።

እቲ እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ወተሃደራዊ ወጥሪ፡ ኣብ መንጎ ሓይልታት ፈደራልን ዕጡቓት ትግራይን ዳግማይ ግጭት ከይፍጠር ስግኣት ኰይኑ ከም ዘሎ ነበርቲ ዝተፈላለዩ ከተማታት ትግራይ ይገልጹ።

ኣብ ክልል ትግራይ ኣብ ሓደ ዓለምለኻዊ ትካል ዝሰርሕ፡ ኣብ መቐለ ዝነብር ውልቀሰብ፡ በቲ ኣብ ዝቃነ ዘሎ ኲናትን ወረ ኲናትን፡ እቲ ትካል ስራሕ ዳርጋ ጠጠው ኣቢሉ ከም ዘሎ ይዛረብ።

“ናብ ወረዳታት ተታሒዙ ዝነበረ ውጥን ጠጠው ኢሉ ኣሎ፤ መሳርሕትና ዝነበሩ ደቂ ካልእ ዓዲ- ካብ ትግራይ ወፃኢ ዝመፅኡ’ውን ስግኣት ጸጥታ ከም ዘሎ ስለ ዝተረጋገፀ፡ ካብ ትግራይ ወፂኦም ናብ ከባቢኦም ክኸዱ ናብ ኣዲስ አበባ ተፋንዮም ኣለዉ፡” ኢሉ።

“ብሓፈሻ ኣብ ትግራይ፡ ሎሚ ፅባሕ ኲናት ክጅመር እዩ ዝብል ስግኣት ኣሎ፤ እቲ ምድላዋት’ውን ከምኡ እዩ ዝመስል፤ ካብ ወረዳታት እንሰምዖ ከምኡ እዩ ዘሎ፤ ደስ ዘይብል መንፈስ እዩ ዘሎ፡” ክብል ወሲኹ።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *