ዝሰሓተ ይምከርካ ዝረኣየ ይንገርካ እቲ ሓቂ – ብፍስሓጽዮን ደስታ ብርመን፡ ጀርመን 29.10.15 ጉዕዞና ምስ በዓልቲ በተይ ናብ ኢትዮጵያ ዕለት 28.10.15 ካብ ብረመን ፍራንክፎርት ናብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣዲስ ኣበባ ድሕሪ ምብጻሕ ቀጥታ ናብ ባህርዳርን ላሊበላን ኣኽሱምን ብታሪኽ እቲ ኩርዓት ናይ ህዝቢ ኣፍሪቃ ዝኾነ ታሪኻዊ ቦታታት ብስፍሕ ዝበለ መግለጺታት ድሕሪ ምርኣይ ንመቐለ ኣምራሕና:: ኣብ መቐለ ብጻይና ካለብ ተቐበለና: ኣብ መቐለ ኣብ ካልኣይ መዓልቲ: ናይ ወተሃደራዊ ሓላፊ ምስ ምኽትሉ ንጽባሒቱ ንኣዲስ ኣበባ ክኸዱ ኣብ መቐለ ተራኺብና: ነዊሕ ምምይያጥ ስፍሕ ዝበለ ብዛዕባ ሰራዊት ህድሪ ገበርና:: ኣብ ሳልሳይ መዓልቲ ብ ኣውቶቡስ (ንዝገበርልካ ወይ ግበረሉ ወይ ንገረሉ እንድዩ) ተባዕ ብጻይ ካለብ ሒዙና ንዓድግራት ከድና::
ኣብ ዓዲግራት ነቶም ብታህዋኽ ብዓይነይ ክርእዮም ተሀንጥየ ዝነበርኩ: ሽሕካ ኣብ ቀረባ ጊዜ ብጾት ፍረወይኒ ባይረን ሚካኤል ኣጎስቲኖስን ከምኡውን ሁቡብ ደራፋይ ዘርእሰናይ (ተዛረብ) ብ ኣካል ናብ ሰራዊት ሕድሪ በጺሖም ብኣዚዩ ግርም ዝኾነ ኣገላልጻ ኣብ ወብሳይድታትን ፓልቶክን ገለጾሞ እንተኾኑ፡ ባዕለይ ናብ ሰራዊት ሕድሪ ከይደ ክረጋግጾ ይሕሸኒ ብምባል ትኽ ኢልና ካብ መቐለ ናብ ቤት ጽሕፈት ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኢርትራ – ሕድሪ ዓዲግራት በጻሕና: 4 ናይ ሰራዊት ኣካየዲት ኣካልን ኣርባዕተ ካብ ሰራዊት ማለት ካብ ግንባር ክሊ ዓሳን ግንባር ዓይጋን ንሕክምና ዝመጹ ብዓቢ ታሕጓስን ብሩህ ገጽን ምስ ብረቶም ተቐበሉና::

ድሕሪ ብዙሕ ዕላልን ምርድዳእን ንጽባሒቱ ናይ ንጉሆ ሰዓት 8:00 ናብ ሰራዊት ሕድሪ ክንብገስ ምኻና ሓቢሮሙኒ ናብ ሆተልና ከድና:: ከም ቆጾሮና ምስ ክልተ ንሕክምና ዝመጹ ናብ መዓስከሮም ዝምለሱን: ኣዚዩ ብትዕግስቱን ስነስርዓቱን ኣገባብ ኣዘራርብኡን ዝመሰጠኒ ናይ ግንባራት ስለያ ሓላፊ ኣሰኒዩና ጉዕዞና ናብ ግንባር ክሊ ዓሳን ግንባር ዓይጋን ብጻይ ካለብ ዝመርሓ ቶዮታ ላንድ ክሩዘር ገርና ጀመርና:: እቲ ርሕቀት 2 ሰዓት ኣቢሉ ወሲዱልና:: ዕጡቓት ኩሉ ዓይነት መሳርያ ዝሕዙ ናይ ሰራዊት ልብሶም ዝለበሱ መንእሰያት ብዝሖምውን ካብ ዝገመትኩዎ ንላዕሊ ኮይኑ ምስ ረኣኹዎ ኣዚየ ተመሲጠ: ናይ ሓደ ሰዓት ኣቢሉ ዝወሰደ ኣኸባ ድሕሪ ምክያድ ለበዋታቶም ተቐቢለ ተመሳጋጊና ጉዓዞና ናብ ግንብር ዓይጋ ቀጸልና ኣብኡውን ካብ ኣብ ግንባር ክሊ ዓሳ ተመሳሳሊ ቁጽሪ ዘለዎም ምስ ምሉእ ዕጥቆም ጸንሑኒ ድሕሪ ምስ ብሩህ ገጽን ታሕጓስን ድሕሪ ምፍላጥ ኣኸባ ኣካይድና: ዝገረመኒ እንተሎ ኣብ ሞንጎኦም 4 ተጋደልቲ ካብ 50 ክሳብ 60 ዝኸውን ዝዕድመኦ ምስ ረኣኹ ህዝብና ክሳብ ክንደይ ተዓጢቑ ክቃለስ ወሲኑ ከም ዘሎ ክርዳእ ኪኢለ:: ጻማኦም የርእዮም:: ኣማስያና ከኣ ንዓዲግራት ተመሊስና::
1. ክቡራት መእሰያት ኤርትራ ወጻኢ ካብ ኤርትራ ዘለኹም ድሕሪ ክንደይ ጭንቅን መከራን ኣብ ሱዳንን ምድረበዳን ሊብያን ባሕርን ኣብ ጉዕዞኹም ክንደይ ብጾትኩም ቀቢርኩም መጺእኩም ኣብ ክንዲ ነዚ ደም ኤሪትራውያን ዝሰቲ ዘሎ ውልቀ መላኺ ብጀካ ንህዝብና ንምብራስ ካልእ ዘይሓስብ ኣብ ናይ ህግደፍ ጛይላ ክትስዕስዑን መንግስትና እንዳበልኩም ክተዳኽሩ ትውዕሉ ዘለኹም እንተኾነ ኣብተን ሰራዊት ዘለወን ውድባት ተወዲብኩም ግቡእኩም እንተትፍጹሙ ካንደይ መኽረዓኩም: እንተ ሓመቕኩም ከኣ ኢድኩምን ኣፍኩም ኣኪብኩም ሱቕ እንተትብሉ ምሐሸኩም:: በጃኻትኩም ልቢ ግበሩ::
2. ኣቱም ካልኦ መንእሰያት ንቃለስ ኣሎና እንዳበልኩም ብማይ ቀጠነ እንዳተፈላለኹም ናይ ቃልሲ ሸውሃትኩም ተባኽኑ ዘለኹም በጃኻትኩም ሕድገት እናገበርኩም ቃልስኹም ቀጽሉ:: ድሕነት ሃገር ንስኻትኩም ኢኹም እሞ: ነዚ ዲያብሎስ ኤርትራ ሓግሒግኩም ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ክትጉሕፉዎተጠርነፉ: ከምቶም ተበለጽቲ ንኢሳያስ ዘገልግሉ ዝነበሩ ሕልፍ ግፍዖም ንኽሽፍኑ ጽገንዊ መንግስቲ ክተኽሉ ሂርጊድ ዝብሉ ዘለው ከይትኾኑ ብረት ሒዝኩም ንህግደፍ መክትዎ ::
3. ኣቱም ተባዓት መንእሰያት ብረት ሒዝኩም ትቃለሱ ዘለኹም ከኣ እግዚኣብሔር ሓይሊ ይሃብኩም ንሱ ይሓልኹም ዕድመን ጥዕናን ይሃብኩም ጻማ ቃልስኹም የርእኹም::
ምስ ሰራዊት ሕድሪ ንቕድሚት ኣባል ግንባር ሃግራዊ ድሕነት ኤርትራ –
ሕድሪ ፍስሓጽዮን ደስታ