ዓለምና ናበይ ገጻ፡ 3ይ ጽሑፍ፣ ብ’ገብረእግዚኣብሀር “ወዲ ባሻይ”፡ ጥቅምቲ 31/2015።

World-Map-12

ኣብዚ ዞና’ዚ ጠንቅታትን ሳዕቤናትን ኲናት ብኣሃዝ ዘርዚርካ ምቕማጡ ብዙሕ ጻዕሪ ዝሓትትን ኣዝዩ ከቢድን እዩ።  እዚ ዞናዚ ካብ ዘርከብናሉ ክሳብ ሎሚ፡ ብውግእ ሕድ-ሕዳትን ዞባዊ ግርጭታትን ንሓንቲ ሰዓትውን ትኹን ቅሳነትን ርግኣትን ተራኣይሉን ተወርዩሉን ኣይፈልጥን። ስለ ምንታይ እዩ ዝብል ሕቶ ምልዓሉ ኣይተርፍን፣ ስለ ምንታይ ኣብ’ዚ ዞና’ዚ ዘንት-እለት ኲናት ዝብል ሕቶ ንምምላስ እተፈላለየ መልስታት ክወሃቦ ይከኣል። ምናልባት መብዛሕትኦም ሰባት ብሃይማኖታዊ መልክዕ ክገልጹዎ ይፍትኑ ይኾኑ። ብወገነይ ግን ብኻልእ መልክዕ’የ ክገልጾ ዝደሊ። ሃይማኖታዊ ትሕዝቶ የብሉን ኢልካ’ኳ ምድምዳሙ እኹል ተዘይኮነ፡ ካልእ ውሽጣውን ነባራውን ጸገማት ኣብ ቦትኡ ኣሎ! እቲ ቀንዲ ግን እስትራተጅካዊ ረብሓታት ዘምጸኦ ውድድራትን ምትዕብልላትን እዩ ምባል ዝሓሸ ክብደት ይህቦ ዝብል ዕግበት ኣሎኒ። ንዚ መረዳእታታት ዝሕግዘና ድማ! እዚ ዞናታት’ዚ ቅድሚ ሃይማኖታት ክርስትናን እስልምናን፡ ዞና ኲናትን ምትህልላቕን ኮይኑ ከም ዝጸንሐ መጻሕፍቲ ቕዱስ (ብሕልፊ ብሉይ ኪዳን) ኣጸቢቑ ይምህረና እዩ። ነዊሕ ከይከድና ግን ካብ 1960ታት ንደሓር ካብቲ ጉልዕ ዝበለ ኣብነታት ምጥቃስ ንሓበሬታ ክጠቅም ይኽእል ዝብል እምነት ኣሎኒ። ንሳቶም ኸኣ!

1 ውግኣት 1967-73 እስራኤልን ኣዕራብን (ብፍላይ እስራኤል-ግብጽን)

 

2 ኣስታት 8ተ ዓመታት ዝወሰደ ውግእ ኢራንን ዒራቕን ዝጠፍአ ኣሸሓት ህይወትን ብሚልያርድታት ዝትመን ንብረት ተገንዚብና።

 

3 ውግእ ሕድ-ሕድ ሊባኖስ ካብ 1980ታይ ንደሓር ካብ ገነት ናብ ገሃንም ዝቐየረ።

 

4 ሓድነት መንግስታት ሰንዓን ዓደንን፡ ቀጺሉ ውግኣት ሰንዓን ዓደንን፡ <<ስዒቡ እተኸስተ ውግእ ሕድ-ሕድ የመን<< ከምኡ’ውን እዋናዊ ሓይልታት ሑቲን ብስም መንግስቲ ዝፍለጥን።

 

5 ወራር ሰዳም ሑሰይን ናብ ኩወይትን ዝሰዓበ መጠነ ሰፊሕ ውግእ ብጉቡእ ተኸታቲልናዮ ኢና። ሎሚ ድማ ኣብ ሞንጎ   መንግስት ዒራቕን እስላማዊ ጥሩፍነትን (ሓይታት ዳዕሽ)።

 

6 ከምኡውን መዕረፊ ዘይብሉ ውግኣት እስራኤል-ሕዝበ’ላህን፡ (እስራኤልን ሊባኖስን)።

 

7 ከምኡውን ውግኣት እስራኤልን ፍሊስጠማውያንን (እስራኤል-ሓማስን)።

 

8 ድሕሪ ዝሑል ኲናት እተኸስተ ውግኣት ሃገራት ባልካን (ምስራቕ ኤውሮጳ)።

 

9 ንኣስታት 40 ዓመታት ዝቕጽል ዘሎን ብመጠኑ ንፓኪስታን እውን ዝጸሉ ውግእ ኣፍጋኒስታን፡

 

10 ንውድቀት ዲክታቶርያዊ ስርዓት መዓሙር ቀዛፊ ዘኸተለ ውግእ ሊብያን ወዘተረፈ…።

 

ካብ’ዞም ከም ኣብነታት ተጠቒሶም ዘለዉ፡ ውግኣት ኣፍጋኒስታን፡ ውግኣት ከሊጅ ማለት ወራር ሰዳም ኣብ ልዕሊ ኩወይት፡ ውግኣት ሃገራት ባልካን ከምኡውን ውግእ ሊብያን ብዝዓበየ መልክዑ ብቐጥታ ምስ ሙሉእ ዕጥቅን ስንቁን ተሰንዩ ብሃገራት ምዕራብ እዩ ተዛዚሙ። ሩስያ  ኣብ 80ታት ዝነበራ ናይ ኣፍጋኒስታት ኢድ ምትእትታውን ክመኡውን ኣብ 90ታት እተረኣየ መጠነኛ ናይ ሃገራት ባልካን ጎናዊ ዝንባሌታትን ሎሚ ድማ ኣብ ኡክሬይንን እንትዘይ ኮይኑ፡ ከምዚ ኣብ ሶርያ ትገብሮ ዘላ ርኡይ ኢድ ኣእታውነት፡ ክሳብ ሎሚ ክብደት ዘለዎ ተሳትፎ ኣይጸንሓን ክበሃል ይከኣል። ነዚ እተጠቕሰ ኢድ ኣእታውነት ሩስያ ኣብ ሶርያ፡ ብኣንጻሩ ዝጻረር ኢድ ኣእታውነት ክኸሰት ከሎ ሃገራት ምዕራብ (ሓይልታት ናቶ) ዘይ’ክጻወረኦ ስለ ዝኽእላ ኣብ ሞንጎ ሩስያን ምዕራባውያንን ውግኣት ከኸትል ከም ዝኽእል ቅድመ ግምት ምሃብ ቅቡል ይኸውን። በቲ ካልእ መዳዩ ድማ ሩስያ ዘይትቋደሰሉ ሽሻየ-ማይ ዓለምና ምዕራባውያን ነንሕድሕደን ክመናጠላሉ ክኾነለን ኣይኽእልን። ሩስያ እምበኣር ቀዳምነት እስትራተጅካዊ ረብሓታታ ከምዘገድሳ ምርድኡ ዘጸግመና ኣይመስለንን።

 

ሳዕቤናት ውግእ ዝምህረና እንተሎ በተ-መዘክራትን ከተማታት ሶርያን ምዕዛቡ ጥራይ ኣብነታዊ ዝኾነ ትምህርቲ ክንቀስም ንኽእል። ከም ታሪኽ ድማ ቀዳማይ ኲናት ዓለም 1914-1918፡ ካልኣይ ኲናት ዓለም 1938-1945 ብዓብዩ ይምህረና። ድሕሪ ህልቂት ሚልዮናት ሰባትን ሰፍ ዘይብል ክሳራታትን፡ ዓለምና ካብ ርሱን ናብ ዝሑል ኲናት እያ እተሰጋገረት። ካብ 1945-52 ምጡን ፖለቲካዊ ፍተሓትን ኣንጸባራቓዊ ነጻነት ይረአ እምበር ሕቶ ምሉእ ነጻነታትን ሓርነታትን ሓያሎ ሃጓፋት እዮም ተወዚፎም ተሪፎም። ካብ ዞና ቀርኒ ኣፍሪቃ ኤርትራ ከም ሓንቲ ኣብነት ክትጥቀስ ከላ ኣብ’ዚ ሎሚ ወዲ ሰብ ከም ገንሸል ዝሕረደሉ ከባቢታት ሰሜናዊ ማእከላይ ምስራቕ ድማ ሕቶ ኩርዲስታን ተጓዕጺጹ እዩ ተሪፉ። ኣብ ሰሜናዊ ማእከላይ ምስራቕ ኩርዲስታን ዝሓየለን ዝሰፍሐ ግዝኣት ዝሓዘን ክንሱ ንስትራተጅካዊ ረብሓታት ተባሂሉ ኣብ ኣርባዕተ ሃገራት ማለት ኣብ ቱርክን ሶርያን ዒራቕን ኢራንን ክጎዛዘ ተገይሩ። ይኹንምበር ህዝቢ ኩርዲስታን ንሕቶ መሰል ርእሰ ውሳኔ ኣቋሪጹን ዕጥቁ ፈቲሑን ኣይፈልጥን። ብሕልፊ ኣብ ሰሜን ዒራቕ ዝነብር ህዝቢ ኩርዲስታን ብመንግስቲ ሰዳም ሑሰይን ብመርዚ ክጭረስ ከሎ ዓለም ኢዳ ኣጣሚራ እያ እተዓዘበት። ሎሚ ኣብ ማእከላይ ምስራቕ ተኸሲቱ ዘሎ ምትህልላቕ፡ ህዝቢ ኩርዲስታን ነብሱ ንኽከላኸል ካብ ኩሉ እዋናት ንላዕሊ ኣብ ኲናት ተጸሚዱ ይርከብ። ብቐጥታ ድማ ኣንጻር እስላማዊ መንግስቲ እዩ ዝዋጋእ ዘሎ። ኣብዚ ጽሑፍዚ ኩርዲስታን ክጥቀሰሉ እተደልየ ህዝቢ ኩርዲስታን ኣካል ውግእን-ወረ ውግእን ዞና ሰሜናዊ ማእከላይ ምስራቕ ብምዃኑ እዩ።

 

እቲ ዝኸፍአን ዝያዳ ዝሓላልኾን ኣብዚ ፖለቲካዊ ጸወታታት’ዚ ብቐጥታን ተዘዋዋርን ኢራንን ስዑድ-ዓረብን ኣብ ነውጺ ማእከላይ ምስራቕ ተወጢመን ኣብ ዓንቀር ጠበንጃ ባሩድ-ባሩድ እናሸተታ ይርከባ። ነዚ ዘብርህ እንተሎ ድማ! ኢራን ኣንጻር እስላማዊ መንግስቲ ኣብ ጎድኒ ክልተ መንግስታት ዘለዉ ሶርያን ዒራቕን ወጊና ትርከብ። ስዑድያ ኸኣ ኣብ ጎድኒቶም ኣንጻር መንግስታት ዒራቕን ሶርያን ዝዋግኡ ዘለዉ ሓይልታት እስላማዊ መንግስቲ ወጊና ትርከብ። ምናልባት ኩነታት ሰሜናዊ ማእከላይ ምስራቕ እናበኣሰ እንተኸይዱ ኣብ ሞንጎ ኢራንን ስዑድን ቃዕታ መን ቀደሙ ክኸውን ይኽእል’ዩ። ንሱ ጥራይ ኣይኮነን!! ኢራን ኣብ ጎኒ ሩስያ ክትከውን ከላ፣ ስዑድያ ድማ ኣብ ጎኒ አመሪካ ብምዃን ናይ ዓለምና ጎብለላት ዝኾና ዓበይቲ ሃገራት ብምጉዝጓዘን ነቲ ስግኣት መሊሱ የራጉዶ’ዩ። ጫትን ቀቢላዊ ስምዒታትን ዝሕማሞም የመናውያን ኣብ ክልተ ተጻራሪ ድፍኢታት  ተደሪኾም ታሪኻዊት ሃገሮምን ሓድነት ህዝቦምን ኣብ ምዝራግ ቀዳማይ ስረሓቶም ተተሓሒዞሞ ይርከቡ።

 

ብሓፈሽኡ ግን ኣብ’ዚ ዞና’ዚ ኲናትን ዕንወትን ኣቋሪጹ ከምዘይፈልጥን ሕሉፍን ወቕታዊ ታሪኻትን ዘረጋግጾ ሓቅታት’ዩ።። ኣብ ማእከላይ ምስራቕ ውድድር ሽዓን ሱኒ’ን ሪእና’ሎና። ኲናትን ወረ ኲናትን ዘይፍለዮ ማእከላይ ምስራቕ፡ ብዘይካተን ብኣቦ ጎይላነት ስዑዲ-ዓረብ ተኾብኲባን ኣብ ድርኩዂት አመሪካ ክጠርዓ ዘርፍዳ ሃገራት ከሊጅ፡ ብሓፈሽኡ ሃገራት ዓረብ ኣብ ማእከላይ ምስራቕ ከምቲ ኣብዚ ጽሑፍ ተጠቒሱ ዝጸንሐ ሃገራት ኣዕራብ ኣብ ነንሕድሕደን ሰላምን ሕድሕዳዊ ምክብባርን ከም ታሪኽ ዓሲሉ ኣይፈልጥን። ታሪኽን ተመኩሮን ከም ዘረደኣና ሃገራት ማእከላይ ምስራቕ ብሕጂ’ውን ኣብ ሰላምን ሕድሕዳዊ ምክብባርን ክኣትዋ ማለት ኣይሕሰብን። እዚ ገዚፍ ሳዕቤናት’ዚ ኣብ ልዕሊ’ቲ ውድድር ዕዳጋ ዘይቲን ጸኒሓዊ ጽልእታትን፡ ካልእ ተወሳኺ ድርኺት ድማ ጸኒሑዎ እዩ። ንሱ’ውን ዓለምና ኣብ ክልተ ደንበ ተኸፊላትሉ ኣብ ዝነበረት እዋናት ምስ እስትራተጅካውን ወታደራውን ረብሓታት እተኣሳሰረ ፖአቲካዊ ፍልልይን ቂምን ጽልእን ሳዕሪሩ ጸኒሑ’ዩ።

 

እምበኣር ናይዚ ውህሉል ኲናትን ወረ-ኲናትን ነባሪ ሃገራት ዓረብን እስትራተጅካዊ ረብሓታት ምዕራባውያንን ተደማሚሩ ንምርስሳን 3ይ ውግእ ዓለም ባብ ዘይኸፍተሉ ምኽንያታት የለን እብል።

 

 

ምስ ሰራዊት ድሕነት ንቕድሚት!

ክሳብ ዝቕጽል ተመሳሳሊ ጽሑፋት ሰናይ ቅነ!!

 

 

 

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *