ህግደፍ ውሽጣዊ ቅልውላዉ ብግዳማዊ ድራማታት ንምሽፋን ሕሱር ፕሮፖጋንዳ የካይድ ኣሎ ስርዓት ህግደፍ ብቁጠባ፣ ፖለቲካ፣ ማሕበራዊ መዳይ ባይታ ከም ዝዘበጠ ዓለም ብዓለማ ዝፈለጠቶ ክንሱ ከም ኣመሉ ነቲ ኣጋጢሙዎ ዘሎ ውሽጣዊ ቅልውላዉ ብግዳማዊ ድራማታት ብምሽፋን ህዝቢ ንምድንጋር ይፍትን ከም ዘሎ ተፈሊጡ፡፡
ስርዓት ህግደፍ ኣብዚ ሕጂ እዋን መንግስቲ ኣሜሪካ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ትሕግዛ ስለ ዘላ፡ ኣብ ልዕለና ኩናት ክትከፍት ትዳሎ ኣላ ኢሉ ህዝቢ ንምድንጋር ይፍትን ከም ዘሎ ተፈሊጡ፡፡
እቲ ዝመጸና ዜና ከም ዝሓበሮ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንኩናት ትዳሎ ኣላ፣ ኣብ ኣፍ ደገና እንተዘይመጺኦሙና ንሕና ኩናት ኣይንከፍትን፣ እንተመጺኦም ግን ርእስና ክንከላከል ክንግደድ ክብል በዓሉ ዝፈጠሮም ውሽጣዊ ቅልውላዉ ብግዳማዊ ድራማታት ንምሽፋንን ንህዝቢ ማእዝኑ ንምስሓት ሰፊሕ ፕሮፖጋንዳ የካይድ ከም ዘሎ ተፈሊጡ፡፡
ካብዚ ብምብጋስ ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ውሽጢ ሰራዊት ታኽሊጥን ናይ ቦታ ምቅይያራት የካይድ ከም ዘሎ ተፈሊጡ፡፡ ቀንዲ ናይዚ ስጉምቲ ኣብ ሰራዊት እምነት ኣጉዲሉ ህድማ ንከየጋጥም ንምግታእ ምኻኑ እቲ ዝመጸና ዜና ሓቢሩ፡፡ ምስዚ ብምትእስሳር ኩለን ቁሸታት ኩናማ ካብ ነፍስ ወከፈን 30 ሰባት ሚሊሻ ዝዓጥቁ ንከዋጽኡ የገዲዱዎም ከም ዘሎ ተፈሊጡ፡፡
ዲክታቶሪያዊ ስርዓት ህግደፍ፡ ዕድሜ ከይገደቦ ንመላእ ሕብረተሰብና ብሓይሊ ሚሊሻ ኣብ ልዕሊ ምዕጣቁ ገዛ ገዛ እንዳዘረ ብረት ከም ዝዓደሎም ዝዝከር እዩ፡፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ዳርጋ ብረት ዘይዓጠቀ ክፋል ሕብረተሰብና የለን እንተተባህለ ዝተጋነነ ኣይከውንን፡፡ ብካልእ ዜና፡ ዲክታቶሪያዊ ስርዓት ህግደፍ ብዝክተሎ ዘሎ ዝምቡዕ ቁጠባዊ ፖለሲ፡ ኣብ ኤርትራ ናይ ነዳዲ ሕጽረት ከም ዘኸተለ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን መብዛሕቲኤን ኣብያተ ጽሕፈታት ብሕጽረት ነዳዲ ካብን ናብን ተንቀሳቒሶም ክሰርሑ ከም ዘይከኣሉን ዓቢ ብኩራት ኣብ ስራሕ ከም ዘጋጠመ ተፈሊጡ፡፡
በዚ መሰረት ኣብ ከባቢ ምጽዋዕ ዝርከባ ትካላት መንግስቲ በዚ ዝተጠቕሰ ሕጽረት ነዳዲ ካብን ናብን ክንቀሳቐሱ ከም ዘይከኣሉ ምንጪታትና ሓቢሮም፡፡ ኣብዚ እዋን ቁጠባ ሃገር ባይታ ዘቢጡ ነታ ሃገር ቁልቁል ክደፍኣ እንከሎ ብኣንጻሩ ናህሪ ዕዳጋ ሰማይ ከም ዝደየበ ተፈሊጡ፡፡ በዚ መሰረት፡
– 1. ስርናይ ንኩንታል 2,070.00
2. ጣፍ ንኩንታል 3,040.00
3. ማሸላ ንኩንታል 2,050.00
4. ሽኮር ንኩንታል 3,800.00 ንቅጥዓ 1,900.00
5. በግዕ 3,500.00
6. ኣጣል 2,500.00
7. ብዕራይ 60,000.00-80,000.00
8. ግመል 90,000.00-100,000.00 ኣቢሉ ከም ዝሽየጥ ምንጪታትና ካብ ውሽጢ ኤርትራ ሓቢሮም፡፡
togorba.org