መጸዋዕታ ንመሪሕነት ባይቶ  ግዱሳት መሰረታት ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጥ ሰሜን አሜሪካ፡ ንምዕዋት  ካልአይ ሃገራዊ ጉባኤ Concerned Eritreans in North America’s Call for ENCDC to Convene the 2nd Eritrean National Congress

11875101_418308115033840_2292710710752857506_o

ሃገርና ንምድሓን ኩሉ ሓይልና አንጻር ባርባርዊ ስርዓት ህግደፍ ነቕንዕ ዝብል ጭርሖ ብምልዓል፡መሰረታት ባይቶ ሰሜን አሜሪካ ተሪርና ንቃለስ ንብል። ሕጂ’ውን ንድሕነት ህዝብናን፡ ሃገርናን ንምድሓን ዝተጠርነፈ ሓይልና ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ አብ አድማዒ ስራሕ ንምእታው መሰረታት ንሂሩ ክብገስ አለዎ ንብል።

ድሕሪ ህጹጽ ኣኼባ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ፡ባይቶ ነብሱ ሰሪዑ፡ሰክረታሪያ ባይቶ 3፡ ፈጻሚት ኣካል 6፣ከምእውን አሰናዳኢት ሽማግለ 6 ብምስራዕ ንምድላው ካልኣይ ሃገራዊ ጉባኤ ብሓድሽ መልክዕ ቀሪጹወን። ዕማማተን ኣሰንዩ ድማ ንስራሕ ኣዋፊሩወን። (ጥብቆ ህጹጽ አኬባ ዝወሰኖ አብ ታሕቲ ተመልከት፡)

እንተኾነ ግን ዘራጊ እንከሎ ጽሩይ ማይ አይስተ ኮይኑ ነገሩ፡  ፈጻሚት ሽማግለ 6 ዝአባላታ አብ ክልተ ተመቂላ፡ ከምኡውን ምስ  ኣሰናዳኢት ሽማግለን ምስሕሓብ ፈጢራ ጥራሕ ዘይኮነ ክሳብ ሕጊ ምጥሓስ በጺሓ። ኣብ ዝኾነ ማሕበር ወይ ምንቅስቓስ ዘይምርድዳእ ክፍጠር ንቡር እዃ እንተኾነ፡ ሕጋዊ መስርሕ ተከቲልካ ንምፍትሑ አገባብ ምግባር ግን ምርጫ ዘይብሉ መንገዲ  እዩ ።  እንተ ኰነ ግን ገለ አባላት ፈጻሚት ኣቦ መንበር ዝመርሖም ጉጅለ ግን ዕላምኡ ብግቡእ ክሳብ ሕጂ ብዘይበጻሕናዮ ጉዳይ፡ነቲ ፍልልያት ክንዲ ናብቲ ሕጋዊ ቦታኡ፡ማለት ናብ ባይቶ ሰክረታርያ ወሲዶም ምፍታሕ፡ኣብ ወብሳይታት ወጺእካ ንዝገበርካዮ ሕጋዊ ግህሰታት ንምሽፋን፡ ዘለፋን ሓደገኛ ቃላትን ብዝተሓወሶ ንሃገራዊ ሓድነትና ክበታትን ብዝኽእል መንገዲ ገርካ ምቕራብ። ሓጺሩኒ እንተበልኩስ ተደቢሩ ይስዕስዕ ኮይኑ ነገሩ፡ ተመሊሶም ሕጂ’ውን 5 ፖለቲካዊ ውድባት ኮይኖም፡እቲ ግጉይ መንገዶም ቀጺሎሞ፡ ተወሳኺ  ጽሑፋት ናብ ህዝቢ ዘርጊሖም። ጨጉራፍ ሃሪማ ተእዊ ከምዝበሃል፡ ባዕላቶም አፍረስቲ ሕጊ፡ ተመሊሶም መእወይቲ፡ እዚ ዓቅሞምን ሕልሞምን ዘጋልጽ ስለ ዝኾነ፡ አብ ሃለውለዋቶም አቲና ግዜና ከነጥፍእ አይንደልን።

ከም ኣካል ናይ ህዝቢ መጠን ንሕና’ውን ማዕረ ማዕረኡ ፡ቓል ብቓል ነቲ ግጉይ መስርሖምን ኣረዳድኣኦም ኣብ ሕግታት  ባይቶ ክንምልስ እንኽእል’ውን እንተኾና፡ከም ኣካይድኦም ካብ ምኻድ ተቖጢብና ነቲ ሕጋዊ መስርሕ ናይ ባይቶ ክንሰምዕ መሪጽና ኣሎና። ስለዚ ሕጋዊ ውሳነ ክትግበር ንሰክረታርያ ባይቶ ምጽባይ ምርጫ አገባብ ቃልስና እዩ። ንሕና መሰረታት ባይቶ ሰሜን አሜሪካ ሕጋዊ አሰራርሓ አብ ተግባር ክውዕል አለዎ ኢና ንብል።

ዘይሕጋዊ መንገዲ ተኸቲልካ ምኻድ፡ ሓደው ፡ ሕቡእ ኣጀንዳ ኣሎካ፡ ወይ ድማ ውልቓዊ ዝና ልዕሊ ሃገር ሪኢካ ምኻድ ዝተመርጸ ይመስል።  ነዚ ድኹም ምርጫ ተቢዕና ክንቃለሶ ምዃንና ነረጋግጽ።

ሓድነትና ንዘለኣለም ክነብር ኢዩ!

ብጀጋኑና ዝጀመረ ታሪኽ ሰውራና ሓበና ኢዩ፡

ዝኽርን ሞገስን ንጀጋኑ ስው አትና!

08/13/2015

___________________________________________________________________________________________________________________

Attachment (ጥብቆ)

ጥብቆ ሕጋጋት ህንጽ ሕጊ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ

ስዒቡ ተዘርዚሩ ዘሎ ዓንቀጻት፡ ኣብ ሕገ ህንጻ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ

ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ዓንቀጽ 72  መሰረት ዝተግበረ ለውጢ ኢዩ።

 

ቅርጻን ዕማማትን መሪሕነታት ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስውያዊ ለውጢ

1ይ ዓንቀጽመሪሕነት ባይቶ

ሀ) ቅርጻን ኣቃውማን

  1. ኣቦ መንበር ባይቶ
  2. ምክትል ኣቦ መንበር ባይቶ
  3. ጸሓፊ

ሓደ ካብኣቶም ኣብ ማእከላይ መደበር ኤሃባደለ ክርከብ ይግባእ።

ለ) ዕማማት ኣቦ መንበር ባይቶ፡

  1. ኣኼባታት ባይቶ ይጽውዕን፣ ህጽጹን ስሩዕን ኣኼባታት ይመርሕን።
  2. ብስም ባይቶ ዝወጽእ ውዑላትን ስምምዓትን ውሳኔታትን ይፍርም። ዕላዊ ኣፈኛ ባይቶ ኢዩ።
  3. ዕድመ ስልጣን ኣቦ መንበር ክሳብ ግዜ 2ይ ሃገራዊ ጉባኤ ይኸውን።
  4. ገለ ክፋል ካብ ዕማማቱ፡ ንምክትሉ ክውክል ይኽእል።
  5. ጸብጻባት ስራሕ ፈጻሚ ቤት ጽሕፈትን ጠቕላላ ተቝጻጻርን ይቕብል።ሐ) ዕማም ምክትል ኣቦ መንበር፡
    1. ኣብ ዘይምህላው ኣቦ መንበር ዕማማቱ የካየድ።
    2. ብኣቦ መንበር ዝወሃቦ ዕማማት ይፍጸም።

    መ) ዕማማት ጸሓፊ፡

    1. ብመምርሒ ኣቦ መንበር ንዛዕባታት ወግዓዊ ኣኼባታት ባይቶ ምድላውን ዛዕባታት ኣኼባ ተዳሊዪ 2. ናብ ኣባላት ብኡኹል ግዜ ምብጽሑ ምርግጋጽ።
    2. ብመምሪሒ ኣቦ መንበር፡ ቍጸራ ዕላዊ ኣኼባታት ምሕባርን፡ ኣኼባ ከይጀመረ ከሎ፡ ንኩሎም

    ኣባላት ጻውዒት ምብጽሑን ብዝወሓደ ቅድሚ ሰለስተ መዓልቲ ወይ 72 ሰዓታት ምርግጋጽ።

    4 መዝገብ ዕላዊ ኣኼባታት ብሰንሰለትን ብበይኑን ክምዝግብን ክዕቅብን ይግባእ።

    1. ብስም ባይቶ ንዝወጽእ ውሳኔታትን መምርሒታትን ሓቲሙ የዳሉ።
    2. ቦታ ኣኼባ ምድላውን ንዕኡ ኣድላዪ ዝኾነ ምቅርራብ ምግባርን።
    3. ኩሉ ሰነዳት ባይቶ ምዕቃብ።
    4. ዕላዊ ደብዳቤታት ኣቦ መንበር ባይቶ ይልእክን ይቕበልን።
    5. ኩሉ መዛግብን ዝለኣኽ ጽሑፋትን ብክልቲኡ ዕላዊ ቋንቋትን (ትግርኛን ዓርብኛን) ይኸውን፡ ኣብ ሓደ ግዜ ድማ ይላኣኽ።

    ዓንቀጽ (2)፡

    ቅርጻን ዕማምን ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ

    ሀ) ኣቃውማ፡ ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ብ7 ኣባላት ባይቶ ይቐውም። እሱም ከኣ እዞም ዝስዕቡ ኢዮም፡

    1. ኣቦ መንበር
    2. ምክትል ኣቦ መንበርን ሓላፊ ወጻኢ ዝምድናታት
    3. ጸሓፊ
    4. ሓላፊ ቤ/ጽ ምምሕዳራውን ፋይናንሳውን ጉዳያት
    5. ሓላፊ ቤ/ጽ ህዝባውን ማሕበራውን ጉዳያት
    6. ሓላፊ ቤ/ጽ ዜናን ሓበሬታን
    7. ሓላፊ ቤ/ጽ ጸጥታዊ ጉዳያትለ) ቤት ጽሕፈታት ፈጻሚ፡  ንኣክውና ባይቶ ብዘንጸባርቕ ብኣባላት ባይቶ ዝቝመ  ናይ ስራሕ ሽማግለታት ከቕውም ይቐውም።ሐ) ኣባል ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ኣብ መደበር ሃገራዊ ባይቶ ብምህላው ምሉእ ግዜይኡ ነቲ ዕማም ዘወፈየን።መ) ጉዳይ ደቂ ኣንስትዮን መንእስያትን ስደተኛታትን ኣብ ትሕቲ ቤት ጽሕፈት ህዝባውን ማሕበራውን ጉዳያት ይኸውን።ዓንቀጽ (3)፡ ዕማማት ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት
      1. ካልኣይ ሃገራዊ ጉባኤ ኣብ ግዜይኡ ንምካያድ ዝግበር ምድላዋት ንምዕዋት ኩሉ ዓቕምታት ምትኳር።
      2. ዕማማት ምስንዳእ ሃገራዊ ጉባኤ ብግቡእ ንምስልሳል ዘድሊ ሓገዛት ንምርካብ ምንጣፍ።
      3. ደገፍ ናይ ንጡፋት ከም ተማሃሮ፡ መንእሰያት ምሁራት፡ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ጎድኒ ሓይልታት ዲሞክራስያዊ ለውጢ ንምድንፋዕ ጻዕርታት ምክያድ።
      4. ህዝቢ ኤርትራ ካብ ምልካዊ ስርዓት ሓራ ንምውጻእ ንዘካይዶ ዘሎ ቃልሲ ዝድግፉ ፈተውቲ ሓይልታት ሰላምን ፍትሕን፡ ሞራልውን ገንዘባውን ፖለቲካውን ደገፋት ንምርካብ ምጽዓር።
      5. ምስ ሕንጻ ሕግን ፖለቲካዊ ቻርተርን ሃገራዊ ባይቶ ብዘይጻረር፡ ኣዳላዪ መምርሒታትን ስጉምትታትን ውሳኔታትን ከውጽእ መሰል ይህልዎ።
      6. ውሕሉልን ኣድማዕን ምልዕዓል ብምክያድ ህዝቢ ምውዳብ።
      7. ጸብጻባት ዝተፈላለየ ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ይካታዕን ይግምግን፡ ኣገዳሲ ውሳኔታት የመሓላልፍን።
      8. ከም ኣድላይነቱ፡ መግለጺታን ኣዋጃትን የውጽእ።
      9. ስራሓት ኣሰናዳኢት ሽማግለ ይከታተልን፡ ጸብጻባታ ይቕበልን፡ ንመሪሕነት ባይቶ ንኣፍልጦን ምክትታልን ይሕብር።

      ዓንቀጽ (4)፡ ትልምታት ኣወሳስዳ ውሳኔታት፡ 

      1. ባይቶ፡ ስጉምታውን ፖለቲካዊ ውሳኔታት ብኣብዘሓ ድምጺ 2/3 ኣባላት ባይቶ ይውሰድ። እቲ ዝተወስደ ውሳኔ ብዕለቱን ዝወጽሉ ግዝየን ኣብ መዝገብ ኣኼባታት ይሰፍር።
      2. ፖለቲካዊ ውሳኔታት ብኣብዘሓ ድምጺ 2/3 ባይቶ ይውሰድ።
      3. ስጉምቲ ውሳኔታትን ብተራ ብዝሒ 51% ይውሰድ።

      ዓንቀጽ (5)ኣሰናዳኢት ሽማግለ ብ7 ኣባላት ትቐውም።

      1. ንምድላው ዕማም ካልኣይ ሃገራዊ ጉባኤ ካብ 6 ወርሒ ግዜ ዘይሓልፍ ንምስልሳል ትስከም ኣሰናዳኢት ሽማግለ ትቐውም። ምንዋሕ ምስ ዝድሊ ካብ 2 ንልዕሊ ዘይሓልፍ ይኸውን።
      2. ባይቶ ካብ ኣባላቱ ወጻኢ ዝኾኑ 25% ዘይውሕድ ኣብ መስርሕ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ዝኣምኑ ዝተፈላለየ ዓቕምታትን ብቕዓትን ዘለዎም ክፍልታት ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ኣሰናዳኢት ሽማግለ የሳትፍ።
      3. ኣሰናዳኢት ሽማግለ ኣብ ትሕቲ ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ዝመሓደር ኣካል ኢዩ። ኣብ መንጎ ክልቲኡ ናይ ስራሕ ምትእታት ብዘይብሉ ይኸውን። መሪሕነት ባይቶ ነቲ ብኣስናዳኢት ሽማግለ ዝዳሎ ሰነዳት ክርኢ መሰል ይህልዎ።
      4. ኣሰናዳኢት ሽማግለ ንከይዲ ስርሓቱን ዝርዝር መደባት ዕማማታን ሓላፍነታታን ዘነጽር ፍሉይ ውሽጣዊ መምርሒ ተውጽእ። እዚ ከኣ ብባይቶ ይጸድቕ።
      5. ንምቛም ተሓጋገዝቲ ሽማግለታት ኣብ ዞባታት ብዝምልከት ብ2/3 ድምጺ ናይ ኣሰናዳኢት ሽማግለ ይኸውን።

      ዓንቀጽ (6)፡ባህርያት ዝምድና ኣብ መንጎ ሓጋግን ፈጻምን መሪሕነታት ባይቶ፡

      ኣብ መንጎ መሪሕነት ባይቶን ፈጻሚ ቤት ጽሕፈትን ዕማማት ሃገራዊ ባይቶ ብዓወት ንምስልሳል፡ ንኣብ ምትሕግጋዝን ሕድሕዳዊ ምድግጋፍን ዝተሰረተ ዝምድና ኮይኑ፡ ንዝመጽእ ሃገራዊ ጉባኤ ብምዕዋት ንህዝቢ ኣብ ጎድንኻ ኣሰሊፍካን፡ ዓቕምታቱ ኣብ ሓደ ጸሚድካን ምልካዊ ስርዓትን ንምውዳቕ ዝዓለመ ኢዩ።

      ክልቲኡ መሪሕነታት ኣብ’ዚ ሰንደ ሰፊሩ ዘሎ ዕማማት ተቐይዱ ብምስራሕ፡ ኣብ ናይ ንንሕድሕዱ ስራሓት ኢድ ካብ ምእታው ምቝጣብ።

      ዓንቀጽ (7)፡ ሓፈሻዊ ሕግታት፡

      ኣብ’ዚ ጥብቆ ሕጋጋት ብንጹር ንዘይሰፈረ ጉዳያት፡ በዚ ስዒቡ ተጠቒሱ ዘሎ ሕግታት ይግዛእ፡-

      ኣብ ኤርትራ ህጹጽ ፖለቲካዊ ምቅይያራት ምስ ዘጋጥም መሪሕነት ባይቶ ህጹጽ ኣኼባ ይጽውዕ።

      1/3  ኣባላት ባይቶ ህጹጽ ኣኼባ ክጠልብ መሰል ይህልዎ። ሕጋዊ ምልኣተ ኣኼባ ባይቶ ብመሰረት ዓንቀጽ 58 ሕጊ ሕንጻ ኤሃበደለ ይትግበር።

      ኣብ’ዚ ሰነድ’ዚ ዘይጠቕሰ ምስ ዝህሉ መወኪስኡ ኣብ ሕገ ህንጻ ባይቶ።

      እዚ ሰነድ’ዚ ካብ ዝጸደቐሉ ዕለት ኣትሒዙ ክሳብ ምክያዳ ካልኣይ ሃገራዊ ጉባኤ ኣብ ተግባር ይውዕል።

       

      ህጹጽ ኣኼባ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲምክራስያዊ ለውጢ

      19 ታሕሳስ 2014

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *