ደምዳሚ መግለጺ 3ይ ስሩዕ ኣኼባ  ፈጻሚ ኣካል ግሃድኤ-ሕድሪ

                                         logohdri11-2_crop_crop                      

                                       

                                     ERITREAN NATIONAL SALVATION FRONT – HIDRI

                                                                ደምዳሚ መግለጺ 3ይ ስሩዕ ኣኼባ

                                                                    ፈጻሚ ኣካል ግሃድኤ-ሕድሪ

ፈጻሚ ኣካል ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ – ሕድሪ (ግሃድኤ-ሕድሪ) ሳልሳይ ስሩዕ ኣኼብኡ ካብ ዕለት 22-23- ነሓሰ 2015 ኣካይዱ፡፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ዛዕባታት ብዕቱብን ብዕምቆትን ዘትዩ፡፡ ኣብዚ ንክልተ መዓልታት ዝተኻየደ ኣኼባኡ ብሕድሕድ ቤት ጽሕፈታቱ ዝቐረቡ ጸብጻባት መዚኑ፡፡ እዚ ከኣ ናይ ነፍስ-ወከፍ ቤት ጽሕፈታቱ መደባት ኣብዞም ዝሓለፉ ሰለስተ ኣዋርሕ ክትግበሩ ተወጢኖም ዝነበሩ መደባትን ኣፈጻጽማኦምን ኣመልኪቱ ኣወንታን ኣሉታን ብዕምቆት መዚኑን ገምጊሙን፡፡ ነቶም ዝተተግበሩ መደባት በምንኣድ ንዘይተተግበሩ ከኣ ብንጥፈት ኣብ መጻኢ ሰለስተ ኣዋርሕ ንክትግበሩ ውሳኔታት ኣሕሊፉ፡፡  ኮምኡ’ውን ንጉዳይ መንእሰያት ተሳትፍኦም ኣብ ቃልሲ ንምዕባይ፡ ብፍላይ ከኣ ንደቂ-ኣንስትዮ ዝምልከት ብውሳኔ ጉባኤን ማእከላይ ባይቶን መሰረት ቀዳምነት ብምስራዕ ከቃልስ ምኳኑ ፈጻሚ ኣካል ግሃድኤ -ሕድሪ ኣረጋጊጹ፡፡

ሃገራዊ ኩነታት ብዝምልከት ብሰንኪ ጨፍላቕን ገባትን ስርዓት ህግደፍ ዝፍጸም ዘሎ ውሽጣዊ ገደብ ዘይብሉ ሕሰም፡ ህዝብና ምጽዋር ስኢኑ ዝፈትዋ ሃገሩ ራሕሪሑ ናብ ስደት ብምውሓዝ ኣብ ፈቐዶ በረኻታትን ባሕርታትን ይጠፍእ ከምዘሎ ዓለም ብዓለሙ ዝዕዘቦ ዘሎ ሓቂ ኢዩ፡፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን እንተኾነውን  ስርዓት ህግደፍ ከም ኣመሉ ኣብ ናይ ቀቢጸ ተስፋ መድረኽ ስለዝበጽሐ ከም መቐጸልታ እቲ ንህዝቢ ኤርትራ ብግፍዕን ራዕድን ናይ ምጭቋን ሜልኡ ሎሚውን  ብዝኸፍአ መልክዑ ይቕጽሎ ብምህላዉ ብምስትብሃል ፈጻሚ ኣካል ግሃድኤ-ሕድሪ ኣብ መላእ ሃገራት ዓለም ዘለዉ ኤርትራውያን ተወዲቦም ጸረ እዚ ጨፍላቕን ኣዕናውን ስርዓት’ዚ ክቃለሱ ደጋጊሙ ይጽውዕ፡፡

ኣብዚ ዓመትዚ ንኤርትራ ብዘምልከት ናይ ሰብኣዊ መሰል መርማሪት ሽማግለ ናብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ዝቐረበ ገበናዊ ጸብጻብ መሰረት፡ ኣብ ልዕሊ ስርዓት ህግደፍ ዝተወስደ ተሪር መርገጽ እንዳ ኣሞገሰ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ስደት ዘጓንፎ ዘሎ መሰናኽላት ዘላቒ ፍትሑ ስርዓት ህግደፍ ምልጋስ ይኹን እምበር ክሳብ ሽዕኡ ግን ማሕበረ-ሰብ ዓለም ናብ ህዝቢ ኤርትራ ቆላሕታ ክገብርን ጸገሙ ኣብ ምፍታሕ ድማ ተርኡ ክጻወትን ፈጻሚ ኣካል ግሃድኤ-ሕድሪ ይምሕጸን፡፡

ከምኡውን ኣዕናውን ነጻልን ኩነታት ወጻኢ ፖሊሲ ስርዓት ህግደፍ  ኣብ ከባብያውን ኣህጉራውን ጉዳያት ጣልቃ ብምእታው ዝፈጥሮ ዘሎ ቀጻሊ ዘይርጉእ ኩነታት ሓደገኛ ምኳኑ ድሕሪ ምንጻር ኣብዚ እዋንዚ ናይግርጭት ተዋሳኣይ ኮይኑ ናብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ከሰጋግሮ ኣኽእሎ ከምዘሎ ብምስትብሃል ኣኼባ ፈጻሚ ኣካል ግሃድኤ-ሕድሪ ንተግባራት ስርዓት ህግደፍ ብትሪ ኮኒኑ፡፡

ፈጻሚ ኣካል ግሃድኤ-ሕድሪ፡ ደምበ ተቓውሞ ብዝምልከት፡ ጨፍላቕን ገባትን ስርዓት ህግደፍ ብምእላይ ደሞክራስያዊት ኤርትራ ንምምስራት ምስ ኩሎም ጸረ-ስርዓት ህግደፍ ዝተሰለፉ ሃገራውያን ሓይልታት ኤርትራ ኣብ ሕድሕድ ምክብባር መሰረት ዝገበረ ዘተ ምክያድ፡ ሕጂውን ውድቀትን ስዕረትን ስርዓት ህግደፍ ዝረጋገጽ ብስሙር ቃልሲ ናይ ተቓለስቲ ሓይልታትን ደገፍ ህዝብን ምኳኑ ብምእማን፡ ኣብ ፖለቲካዊ ፕሮግራሙ መሰረት ብምግባር ብጥቡቕ ብሓባር ክሰርሕን ክሳብ’ውን ንስምረት ዝኸይድ መድረኽ ንምፍጣር ድሉው ምኳኑ የረጋግጽ፡፡

ፈጻሚ ኣካል ግሃድኤ -ሕድሪ ናይ መጻኢ ሰለስተ ኣዋርሕ መደባቱ ብንጹር ሓንጺጹ ናብ ግብራዊ ዕዮታቱ ክዋፈር ምኳኑ ብምንጻር ኣባላትናን ደገፍትናን ንዝገብርዎ ዘለዉ ሓገዛት እንዳ – ኣሞገሰ ደገፎም ቀጻሊ ንክኸውን ኣዘኻኺሩ፡፡

ኣብ መደመደምታ ፈጻሚ ኣካል ግሃድኤ-ሕድሪ፡ መንግስትን ህዝብን ኢትዮጵያ ንደሞክራስያውን  ፍትሓውን ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ንምዕዋት  ዝገብርዎ ዘለዉ  ሓገዛት ዕዙዝ ምስጋንኡ እንዳገለጸ ፍትሓዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ቅልጡፍ ፍታሕ ንክረክብ ዝያዳ ሓገዞም ከበርክቱልና ይሓትት። ከምኡውን መንግስትን ህዝብን ኢትዮጵያ ንሃገሮም ገዲፎም ናብ ስደት ንዝውሕዙ ዘለዉ  ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ ብሰንኪ ገባቲ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ዕሸል ዕድሚኦም ዕድላት ትምህርቲ ተሓሪምዎም ዓዶም ዝገደፉ መንእሰያትና፡ ኣብ ዩኒቨርሲታት ኢትዮጵያ ንክማሃሩ ጥጡሕ ዕድል ብምኽፋቱ ምስጋንኡ ይገልጽ፡፡ በዚ ኣጋጣሚ መንግስትን ህዝብን ኢትዮጵያ ኣብ ዞባና ሰላምን ቅሳነትን ሰፊኑ ናይ ህንጸት ጉዕዞ ብምሓዝ ንዝኸድዎ ዘለዉ መገዲ ልምዓት ብምንኣድ፡ ኣብ ዝለዓለ ምዕባለን ብልጽግናን ንክበጽሑ ፈጻሚ ኣካል ግሃድኤ-ሕድሪ ሰናይ ምንዮቱ ብምግላጽ ሳልሳይ ስሩዕ ኣኼብኡ ዛዚሙ፡፡

ድሕነት ህዝብን ሃገርን ልዕሊ ኩሉ!!

 

ዓወት ንሓፋሽ ብተግባር!!

ፈጻሚ ኣካል

ግሃድኤ – ሕድሪ

ነሓሰ 23-2015

 

 

 

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *