ነዛ ብዛዕባ ባንደራ ኤርትራ ኣየነይቲ እያ? ኢላ ወይዘሪት/ወይዘሮ ሰላማዊት ፍስሃየ ንዝሓተተቶ ክቡር ኣቶ ባይረ ሰረቐ: ኣብ ሕቶ ሰላማዊት ፍስሃየ ርእይቶ ኣዚዩ ትኽክልን ሃናጽን መግለጺ እዩ ሂቡ ብዙሕ ከኣ አመስግኖ:: ብዓንደርእሱ ከምቲ ኣቶ ባይረ ዝበሎ ቅዋም ዘይብሉ መንግስቲ ካብኡ እትጽበዮ የለን ::
ባንደራ ኤርትራ ኣየነይቲ እያ ብዝብል ኣርእስቲ ብ2011 ኣብ መርበብ ሓበረታ ዝዘርጋሕኩዋ እዛ ሰማያዊት ዝምድራ ብፈደረሺን ግዜ ከመይ እላ ከምእተመርጸት እትሕብር ኮፒ ገረ ኣቐሚጠያ
ስለ ዝነበርኩ እልእካ ኣለኹ ትሕዝቶኣ ነቲ እዋንቲ እትምልከት እያሞ ገጋ እንተሊዩዋ ሓቡሩኒ::
ባንደራ ኤርትራ ኣየነይቲ እያ
እዚ ኣብ ወብሳይድ መስከረም ነት ብዛዕባ ባንደራ ኤርትራ ወጺኡ ዘሎ ነቲ ክካየድ ዝጸንሐ ጉባኤ ናብ ኤሪትራዊ ዋዕላ ዘሰጋግር ዓቢ ታሪኻዊ ዕማም ዝፈጸምዎ ኣብ ክንዲ ምሙጋስን ምትብባዕን
ብዛዕባ እታ ንሳቶም ባንደራ ኤርትራና ዝብልዋ ንምንታይ ኣብ ኣደራሽ ጉባአ ኣይተሰቕለትን ኢሎም እሾኽ ክዘርኡ ይርከቡ:: ብመሰረቱ እታ ባንደራ ትሰቐል ኣይትሰቐል ወላውን እጽዲቕም: ወግዓዊት
ባንደራ ክሳብ መዓልቲ ነጻነት ክሳብ ሕጂ እታ ሰማያዊ ዝምድራ ኣይትሰቐል ዝግድስ ኣይኮነን: እቲ ክረአ ዝግባእ እቲ ዝሰርሕዎን እተዓወቱሉን ስራሕ እዩ:: ወዮ ድእ ሽፍታ መንግስቲ ህግደፍ ጠላም ኮይኑምበር ተጋድሎ ሓርነት ይኹኑ ህዝባዊ ግንባር ክሳብ መዓልቲ ናጽነት ንኣኣ ሒዞም እዮም ተቓሊሶም ኣብ መዓልቲ ነጻነትውን ህዝቢ ኣብ ኣስመራ ነዛ ሰማያዊት ባንደራ ሒዙ እዩ ታሕጓሱ ዝገለጸ:: ሕግደፍ ግን ከይወዓሉ ከይሓደሩ ብኢደውናነኦም ነታ ኣርማ ውድቦም ዝነበረት ንእሽቶ ጽገና ገሮም (ብዓንደርእሱ ብህዝቢ እተመርጸ ባይቶ ስለ ዘየሎ) ሽፍታ መንግስቲ ኢሳያስን ኮራኹሩን ነዛ ሕጂ ባንደራና ዝብሉዋ ኣጽዲቖም :: ሓጋጊ ኣካልን ፈጻሚ ኣክልን ፈራዲ ኣካኣልን ዘይብሉ መንግስቲ ከጽድቕ ኣይክእልን:: ሃገራዊ ባንደራ ብህዝቢ ወይ ህዝቢ ዝመረጾም ባይቶ እዩ ዝቐርብ: ባይቶ ከኣ የጽድቕ::እዚ ስለ ዝኾነ ኩልና ተሓአ ይኹን ህዝባዊ ግንባር ነዛ ሰማያዊት ዝምድራ ኣብ ማእከላ ጨናፍር ኣውሊዕ ዘለዋ ሒዙ እዩ ተቓሊሱ:እንተኾነ ብዙሓት ኣባላት ህዝባዊ ግንባር ብዝያዳ እቲ ሽፍታ መንግስቲ ነዛ ሰምያዊት ዝምድራ ሕቡራት መንግስታት ዝተኾቡልና እንደኣላ ይብሉ::
እዚ ግን ታሪኽካ ዘይምፍላጥ እዩ: ፈደረሺን ክጅምር ከሎ ገለ ውልቀሰባትን ኣባላት ባይቶን ካብ ዘቐረብዎ ስእልታት ክልተ ናብ ባይቶ ኤርትራ ቀሪበን: ንሳተን ከኣ ኣባል ባይቶ ኣቦና መሓመድ ኣኪቶ ክልተ ዘንባባ ስርናይን ሾውዓተ ከዋኽብትን ዘለዋ ስእሊ ኣቕሪቦም : እዝማች ድሒሮም ደግያት በየነ ዛህላይ እዛ ሰማያዊት ዝምድራ ኣብ ምእከላ ቀጠልያ ኣውሊዕ ዘለዋ ኣቕሪቦም: ባይቶ ከኣ ነዛ ካልኣይቲ ኣጽዲቖም: ወግዓዊት ባንደራ ንህዝባዊ ግንባር ካሳብ ሎሚ ከኣ ንተቓወምቲ ውድባት ኮይና ኣላ::
ንምርግጋጽ ብክቡር ኣቶ ኣለምሰገድ ተስፋይ ፈደረሽን ኤሪትራ ምስ ኢትዮጵያ ዘርእስቱ ሰነ 2005 ዝጸሓፉዎ ኣንብብ:: እዚ ሽፍታ መንግስቲ ተሓግሒጉ ምስ ተጓሕፈ ከኣ ቁዋም ዘለዎ ደሞክራሲያዊ መንግስቲ ምስ ተሃንጸ ኣብ ምንታይ ይፍጸም እግዚኣብሔር ዕድመ ይሃበና ሽዑ ንርእዮ::
ፍስሓጽዮን ደስታ ካብ ብረመን ጀርመን::