መንነት ከም መጣልዒ– ኬነት ካውንዳ ኣብ 1924 ኣብ ኩብዋ ሰሜን ሮደዥያ ተወሊዱ:: ኣብ 1949 ጸረ-መግዛእቲ እንግሊዝ ኣብ ዝተገብረ ቃልሲ መሪሕ ተራ ነበሮ:: ኬነት ካውንዳ ኣብ 1950 ዋና ጸሓፊ ናይ’ቲ ንናጽነት ዝተቃለሰ ኣፍሪቃዊ ሃገራዊ ባይቶ ኮይኑ ንዛምቢያ ናብ ናጽነት ዘብቅዐ’ዩ:: ንሱ ዛምብያ ኣብ 1964 ናጽነታ ምስ ረኸበት ነቲ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝካየድ ዝነበረ ጸረዓሌታዊ ቃልሲን ኣብ ዚምባብወ ዝተጎሃሃረ ቃልሲን ብሞራልን ንዋትን ደጊፉ:: ንዓሌታዊ ስርዓታት ዚምባብወን ደቡብ ኣፍሪቃን ንምድኻም ብዋጋ ቁጠባ ሃገሩ እገዳ ከም ዝገበረ ኣብ ታሪኽ ሰፊሩ’ሎ::
ኬነት ካውንዳ ተወዳዳሪ ኣብ ዘይነበሮ ሓደ ሰልፋዊ ስርዓት ንዛምብያ ካብ 1964- 1991 መሪሑ:: ኣብ 1991 ኬነት ካውንዳ ብዝኽተሎ ዝነበረ ሓደ ሰልፋዊ ስርዓትን ምልካዊ ኣካይዳን ኣብ 1991 ኣብ ዝተገብረ ብዝሐ ሰልፋዊ ምርጫ ብፍረደሪክ ቺሉባ ተሳዒሩ:: ፍረደሪክ ቺሉባ ነዚ ዳርጋ ንፍርቂ ዘመን ንዛምብያ ዝተቓለሰን ዝመርሐን ኣብ ዝቕጽል ዓመታት ኣብ ዝግበር ምርጫ ስግኣት ከይፈጥረሉ ከርሕቖ ወዲ ማላዊ’ዩ ብምባል ካብ’ታ ሃገር ከባርሮ ፈቲኑ:: ኣብ 1999 ንሓጺር ጊዜ ካብ ናይ ዛምብያ ዜግነት ኣጊድዎ::ቺሉባ ኣብ ስልጣን ኣብ ዝነበረሉ 10 ዓመታት ንቅዋም’ታ ሃገር ቀይሩ ንሳልሳይ ጊዜ ክመርሕ ፈቲኑ ወዲቑ:: ቺሉባ ካብ’ቶም ኣፍሪቃ ዘፍረየቶም ብልሽዋት መራሕቲ ኮይኑ: ኣብ ዘበነ ስልጣኑ ብዝኾመሮ ሚልዮናት ዶላርን ንብረትን ተኸሲሱ ኣብ ፍርዲ ከይቀረበ ሞት ኣርኪባቶ::ቺሉባ ንዛምብያ ዝሃቦ ኣገልግሎት ምስ ኬነት ካውንዳ ዝዳረግ ኣይነበረን: እንተኾነ ንድሑር ስምዒታት ህዝቢ መዝሚዙ ውልቃዊ ረብሓኡ ከኻዕብት ዝፈተነ መራሒ ተባሂሉ ይዝከር::
ኣብ ኤርትራ እውን እቲ ብዓዲን ብዓውዲን ዝግበር ጸወታ ብደረጃኡን ሕብሩን ደኣ ይፈላለ’ምበር መባኹዕቲ ስልጣን ህግደፍ ከምዝኾነስ ንሪኦ ኣሎና::
ኣብ ኣስመራ ኣብ ዝተገብረ ኣኼባ ህዝቢ ሓንቲ ኣደ ተንሲኣ” ኤርትራዊ ዘይኮነ ካብ’ዚ ኣኼባ ይውጻእ” ክትብል መደረት:: ኣብ’ቲ ኣኼባ ዝነበራ ሓንቲ ኢትዮጵያዊት ተንሲአን ኣብ ቃልሲ ንናጽነት ኤርትራ ወደን ተሰሊፉ ነበረ’ሞ: ንሰን ድማ ”ውላዳ ኣብ ገድሊ ዘየሰለፈት ካብ’ዚ ኣኼባ ትውጻእ” ብምባል መለሳ::መራሕ እቲ ኣኼባ መልሲ ናይተን ኢትዮጵያዊት ተረዲእዎ ኣኼባኡ ቀጸለ::
ንባይቶ ዞባ ማእከል ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ ኣስመራ ኣብ ዝተኻየደ ምርጫ ዝተሳተፈ ሓደ ኣብ ኤርትራ ተወሊዱ ዝዓበየን ንቓልሲ ኤርትራ ዘበርከተን ብትውልዱ ኢትዮጵያዊ’ዩ ብምባል ክሓምይዎን ካብ’ቲ ምርጫ ከጎናድብወ ከምዝደልዩን ወረ በጽሖ:: ንሱ ድማ ” ምጽራይ ዜግነት ካብ ጀመርኩምስ ካብ ላዕሊ ጀምሩ’ሞ ኣበይ ከምእትበጽሑ ክንርእዮ” ብምባል ተዋዘየ::
እቲ ኢሳያስ ብዶብ ኣመኽንዩ ምስ ኢትዮጵያ ዝወልዖ ኩናት: ኣብ መንጎ ህዝብታት ክልቲኡ ጎረባብቲ ሃገራት በሰላ ገዲፉ’ዩ:: ስርዓታት ክልቲአን ሃገራት ድማ ንፖለቲካዊ ሕሳባቶም ነቲ ተራ ህዝቢ ግዳይ ዝገበረ ግናይ ስጉምቲ ወሲዶም:: ኣብ ኤርትራ ብዝተፈልየ ግን ህግደፍ ድኻሙ ክኽውልን ኣብ ወተሃደራዊ መዳይ ዝወረዶ ስዕረት ክጉልብብን በቲ ናይ ሓሶት ወረ ዝዝርግሕ መሳርሒ ምልኪ: ንገለ ኣብ ቃልሲ ኤርትራ ብመራሕቲ ሰራዊት ዘገልገሉ ተጋሩ ምስ ወያነ ተሓባበርቲ ኔይሮም ዝብል ወረ ፈንዩ::
መንነት ብተግባር እምበር ብትውልዲ ዝምዘነሉ ጊዜ ከምዘብቅዐ: እቶም መንነት ከጻርዩ ድቃስ ስኢኖም ዝሓድሩ ዘለው ይፈልጥዎ’ዮም::ካብ ኤርትራ ተሰዲዶም ኣብ ኣሜሪካ: ኤውሮጳ: ኣውስትራልያ ሰፊሮም ዜግነትት ናይ’ተን ሃገራት ወሲዶም ኣለው:: ዓደቦኦም ኣይኮነን ዓደዺኦም:: በቲ እተን ሃገራት ብቃልሰን ዘጣጥሓሎም ቅዋምን ሕግን ተጠቒሞም ይመሃሩን ይነብሩን ኣለው::
ኤርትራ ብኣንጻሩ ብሰንኪ ህግደፍ ንዜጋታታ እሾኽ ኮይና: ኤርትራዊ ትሕቲ እንስሳ ዝተቖጽረሉ ጊዜ ኣርኪብና:: ፓስፖርት ኤርትራ እቲ ዝሓሰረ ኮይኑ:: ኣብ ክወየት እቶም ብዱን ዝተባህሉ ዜግነት ዘይነበሮም ሰባት ብገንዘብ ገዚኦም ይጥቀሙሉ ከምዝነበሩ ንፈልጥ ኢና::
ህግደፍ ዝሕብሕቦም ደምህት: ግንቦት 7: ኣርበኞችን ካልኦትን ብደምን ኣዕጽምትን ኤርትራ ናጻ ኣብ ዝኾነት ኤርትራ ይዕንድሩን ዜጋታት የከላብቱን ኣለው::
ኣንጻር ሰንሰለታዊ መግዛእቲ ብዝተኻየደ ቃልሲ ኤርትራ ንሕበን እምበር ንምልኪ ብምድጋፍ ዘመክሕ ኤርትራዊ መንነት የብልናን::
ኤርትራውያን ንፍትሒ ዘካይድዎ ቃልሲ ዝጉዕጽጽ ምልካዊ ሰብ ህንዳዊ ይኹን ኤርትራዊ ጸረ ኤርትራን ህዝባን’ዩ:: ብኣንጻሩ ንስለ ፍትሒ ኣብ ጎድኒ ውጹዕ ዝስለፍ ዘበለ ጻዕዳ ይኹን ጸሊም ፈታው ህዝቢ ኤርትራ’ዩ::
ዓሻ ጽቡቕ ኣሎ ዘመድ ዓሻ ከፊእዎ’ሎ:: ኤርትራዊያን ኣብ ናይ ሞትን ሕየትን እዋን ዘላ ሃገሮም መዕለቢኣ ጠፊእዎም ላዕልን ታሕትን ይብሉ ኣለው:: እቶም ድሕሪ ናጽነት ዝተወልዱን/ ዝተወልዳን ንብሩህ መጻኢኦም ዘጸልመተ ምልኪ ንምምካት እወ ንፍትሒ እምቢ ንምልኪ ብምባል ብነድሪ ተበጊሶም:: ናይ’ዚ ብመንእሰያት ዝካየድ ጸረ-ምልኪ ቃልሲ ኣብ ጀነቭ: ኢትዮጵያን እስራኤልን ተንጸባሪቑ:: ኣብ ደምበ ምልኪን ምስ ምልኪ ረብሓ ዘለዎም ወገናት ድማ ነቲ ምዕባለ ኣንፈቱ ንምስሓት ሓባል በል’ያ ከይትቕድመኪ: ነቲ ሰልፊ ዝመርሖ ኢትዮጵያዊ ብምባል ሓቀኛ መልክዖም ኣርእዮምና:: ኤርትራ ንፍትሒ ዝቃለስ ሰብ’ምበር: ንፍትሒ ዝጉዕጽጽ ኤርትራዊ ኣየድልያን’ዩ::
ደጎል ድራር