ቀንዲ ዋኒን ወተሃደራዊ መዓስከር ሳዋ ኣብ’ዚ ወቕቲ፡ ዜጋታት ከይሃድሙ ብጅሆ ሒዝካ ምሕላው ምዃኑ ተገሊጹ። ካብ መፈለምታኡ፡ ሕጋውን ህዝባውን ደገፈይታ ዘይነበሮ፡ ኣብ ልዕሊ ዜጋታት ኣካላውን ስነ- ኣእምሮኣውን ገበናት ዝፍጸመሉ ወተሃደራዊ መዓስከር ሳዋ፡ ካብ’ቲ ዝሓለፈ ብዝኸፈአ ኣብ’ዚ ወቕቲ’ዚ፡ እቶም ብስመ ትምህርቲ ካብ ሕቚፊ ወለዶም ብኣስገዳድ ናብ’ቲ መዓስከር ተጓሪቶም ብጅሆ ተታሒዞም ዘለው፡ ህጻናት ዝርከብዎም መንእሰያት፡ ናብ ሱዳን ከይሃድሙ ምሕላው ምዃኑ ሓደ ስሙ ክግለጽ ዘይደለየ ናይ ዓይኒ ምስክር ሓቢሩ ክብሉ ምንጭታት ካብ ሱዳን ሓቢሮም።
ብሰንኪ’ቲ ስርዓት ፈጢርዎ ዘሎ ጽልምትምት፡ ተማሂሩ ክሓልፈሉ ተስፋ ዝገብር ተመሃራይ ዳርጋ የለን ክበሃል ከም ዝከኣል፡ ናብ ወተሃደራዊ መዓስከር ሳዋ ምውራድ ድማ፡ እቲ ስርዓት ከም ዝብሎ ናብ ትምህርቲ ዘይኮነስ፡ ናብ ቤት ማእሰርቲ ምዃኑ ስለ ዝርዳእ፡ ምሉእ ሃሙን ቀልቡን ካብ ሃገር ምውጻእ’ዩ። በዚ ስምዒታት’ዚ ዝተሰከፉ ኣመሓደርትን ሓለውትን ናይ’ቲ መዓስከር ድማ፡ ቀንዲ ዋኒኖም እቶም ብጅሆ ሒዘሞም ዘለው ዜጋታት ከይሃድሙ፡ ሓለዋ ብምጽዓቕ ትርጉም ኣብ ዘይብሉ ከቢድ ጉልበታዊ ዕዮ ክጽመዱ ብምግባር ምቁጽጻር ኮይኑ ኣሉ ከም ዝበለን ኣረዲኦም።
ኣብ ወተሃደራዊ መዓስከር ሳዋ ዝኣትው ዜጋታት ብዘይድሌቶም ጥራሕ ዘይኮነ፡ መብዛሕቲኦም ትሕቲ ዕድመ ምዃኖም፡ በቶም ኣመሓደርቲ ጾታዊ ዓመጽ ዝፍጸመሉ ቦታ ምዃኑ፡ ባርባራዊ ዕዮን ስቅያታዊ መግረፍትን ሳሕቲ ዘይኮነ ከም ዕለታዊ ስራሕ ዝካየደሉ መዓስከር ከም ዝኾነን ክግለጽ ምጽንሑ ዝዝከር’ዩ።
ሕብረት ኤውሮጳ ዋሕዚ ስደተኛታት ንምግታእ፡ ብዝብል ጉልባብ
ምስ መለኽቲ ስርዓታት ከም ዝደጋገፍ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ሓቢሮም።
ኣብ ኤውሮጳ ዝነጥፉ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት፡ ኤውሮጳ ሕብረት፡ ናብ’ቲ ኣህጉር ዝኣትው ዘለው ስደተኛታት ንምግታእ ብዝብል ጉልባብ፡ ከም ስርዓት ኤርትራ ምስ ዝኣመሰሉ ብገበን ዝሓተቱ መለኽቲ ስርዓታት ከም ዝተሓባበር ብምግላጽ፡ ነቲ ተግባር ከቋርጾ ኣጥቢቖም ከም ዝተማሕጸኑ ማዕከናት ዜና ብ24 ሓምለ 2014 ካብ ኤውሮጳ ኣቃሊሐን።
ሕብረት ኤውሮጳ ጠንቂ ስደት ኤርትራያን መን ምዃኑ ሕርሕራይ ጌሩ እናፈለጠ፡ ዋሕዚ ናይ’ቶም ህይወቶም ከድሕኑ በሪሮም ዝመጽእዎ ዘለው መሳኪን ንምግታእ፡ ንመላኺ ስርዓት ኣስመራ ብስመ ልምዓታዊ ሓገዝ ክህቦ መዲብዎ ዝነበረ ብኣማኢት ሚሊዮናት ዝግምት ገንዘብ፡ ካብ ኩሉ ኩርነዓት ብዙሕ ኩነነ ከም ዘውረድሉ ብምጥቃስ፡ እቲ ሕብረት ነዚ ከም’ዚ ዝበለ ዘይቅቡል ኣካይዳ መሊኡ ከም ዘይገደፎ፡ ሕጂ’ውን ምስ ስርዓት ኣስመራን ካልኦት ኣብ’ቲ ዞባ ዝርከቡ መለኽቲ መንግስታትን ተሓባቢሩ ክሰርሕ ዘርእዮ ዘሎ ንጥፈታት፡ ካብ ወቐሳን ተሓታትነትን ዘየድሕኖ ምዃኑን ብምግላጽ፡ የግዳስ ነቶም ድሕሪ ብዙሕ ድኻምን ስቅያትን ኣብ’ታ ኣህጉር ዝኣትው ዘለው ስደተኛታት ብግቡእ ተቐቢሉ ከጣይሶም ይግባእ ክብሉ የተሓሳስቡ ኣለው።
2 ኣገልግሎት ኤሌትሪክ ኣብ ኤርትራ ቅድሚ 10 ዓመት ካብ ዝነበሮ ዓቕሚ
ብ50 ምኢታዊ ከም ዘንቆልቆል ተፈሊጡ።
ኣገልግሎት ኤሌትሪክ ኣብ ኤርትራ፡ ቅድሚ 10 ዓመት ካብ ዝነበሮ ዓቕሚ ኣስታት ብ50 ምኢታዊት ከም ዝቐነሰ፡ ሓደ ኣብ ክፍሊ ምህንድስና ሰራሕተኛ በዓል መዚ ኤሌትሪክ ዝነበረ ዜጋ ሓቢሩ ክትብል ረዲዮ ኤረና ሓቢራ። ኣብ ሓያሎ ከተማታትን ገጠራትን ኤርትራ ሓይሊ ኤሌትሪክ ንምስፋሕ ኣዕኑድ ክትከል ገመዳት ድማ ክዝርጋሕን’ኳ እንተጸንሐ፡ እኹሉ ሓይሊ ከምንጩ ዝኽእል ዓቕሚ ግን የለን። ስለዚ ከኣ ኣብ’ታ ሃገር ሕጽረት ኤሌትሪክ ቅድሚ 10 ዓመት ካብ ዝነበረ ዓቕሚ ብፍርቂ ቀኒሱ ህዝቢ ኣብ ሕማቕ ኩነታት ኣሎ ከም ዝበለን ብ24 ሓምለ 2015 ኣረዲኣ።
ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ
27-07-2015