ተሓጋጋዚት አሰናዳዊት ሽማግለ ሰሜን ኤሜሪካ(North America Supporting Preparatory Committee)

ተሓጋጋዚት አሰናዳዊት ሽማግለ ሰሜን ኤሜሪካ(North America Supporting Preparatory Committee)

ተሓጋጋዚት አሰናዳዊት ሽማግለ ሰሜን ኤሜሪካ፡ ብዝተዋህባ መምርሒ መሰረት፡ አብ መጀመርታ ግንቦት ስረሓ ከምዝጀመረት ድሕሪ ምግላጻ ተዳጋጋሚ አኼባታት አብ መንጎአ ብምግባር ናብ ህዝቢ ንምውራድ ትዳሎ አላ። ዝኸበርካ ህዝቢ ኤርትራ፡ ዝከበርኩም አባላት ባይቶ፡ ሎሚ ኩሉ ተቓዋማይ ሓይሊ፡ ጽላሉ አሓይሉ ነዚ ሎሚዶ ጽባሕ ክወድቕ ዝብል ዘሎ ስርዓት አሰመራ አብ ግብአተ መሬቱ ንምእታው፡ ህዝብና ካብ ገጢምዎ ዘሎ ጸበባ ንምንጋፉ፡ ኩሉ ሓይሊ ተቓውሞ ተጠርኒፉ ክቓለስ አገዳሲ እዋን እዩ። ካብዚ ብምንቃል፡ ተሓጋጋዚት አሰናዳዊት ሽማግለ፡ንካልአይ ሃገራዊ ጉባኤ መዳባታ ናብ ህዝቢ ብምውራድ፡ አገዳስን መድረኻውን ሓሳባት ህዝቢ ንምጥርናፍ ብክፉት ቀሪባ፡ ክግበር ዝግበኦ ቅድመ መደባት ተዳሉ አላ።

  1. ናይ መድያ ኮሚቴ፡ መዓልታዊ ምንቅስቓሳት ናብ ህዝቢ ምቕራብ፡
  2. ናይ ፋይናስ(ናይ ገንዘብ) ኮሚቲ

3. ካብ አሰናዳዊት ሽማግለ ዝመጸ ማለት ድራፍት ናይ መካትዒ ማለት( ሮድ ማፕ፡ ቻርተር፡ ሕገ ህንጻ; )ተዳልዩ ካብ አሰናዳዊት ሽማግለ ዝተላእከ፡ ናብ ህዝብን፡ አባላትን ብዝጥዕም አገባብ  ንኽትዕ ክቐርብን ዝጎደሎ ክምላእን  አብ ዝሓጸረ ግዜ ክዝርጋሕ ምኻኑ ነፍለጥ።
4. ንቀዳም ሰነ 6/2015, ሰዓት 8፡00 Berlin time;  12: 00 pm Pacific Time; 02:00 Mid-West time; 03:00 PM East time  አብ ፓልቶክ (PALTALK SEMERE 4 CHANGE) ተዓዲምና አሎና።  መደባት አሰናዳዊት ሽማግለ ንህዝቢ ብምግላጽ ዕውት ካልአይ ሃገራዊ ጉባኤ ንምግባር፡ ዘድሊ መብርህታት ንምግባር።
ዓወት ፡ ንካልአይ ሃገራዊ ጉባኤ                                                                                                                      ዓወት ንደላይ ፍትሕን ህዝብን ኤርትራ                                                                                                             ዝኽርን ሞገስን ንስውአትና

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *