ሐጸርቲ ዜናታት ኩነታት ኢትዮጵያ

ኣብ ደቡብ ኢትዮጵያ ዞባ ወላይታ ትማሊ ሶኑይ ብዝዘነበ ብርቱዕ ዝናብን ዕልቕልቕን ብዝተፈጠረ ምፍራስ መሬት ህጻናት ዝርከብዎም ብውሕዱ 13 ሰባት ሞይቶም።ልዕሊ 300 ሰባት ካብቲ ከባቢ “ከም ጥንቃቐን ካልእ ዓቢ ምፍራስ መሬት ክህሉ ዝኽእል ትጽቢትን” ከምዝተገደፉ ዋና ኣመሓዳሪ ዞባ ወላይታ ሳሙኤል ፎላ ገሊጹ።ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝተቐትለ ናይ ኦሮሞ ተቓዋሚ ፖለቲከኛ ባተ ኡርገሳን ምስ ኡርገሳ ዝተኣሳሰሩ ካልኦት 11 […]

ኩነታት ሱዳን ናብ ዝኸፈኤ ይከይድ ኣሎ

ሓላፊ ዕጡቕ ሓይልታት ሱዳን ዓብደል ፋታሕ ኣልቡርሃን፡ ዋና ቤት ጽሕፈቱ ካብ ፖርት ሱዳን ናብ ኦምዱርማን ከግዕዝ መደብ ከምዘለዎን፡ ካብኡ ድማ ወተሃደራዊ ስርሒታት ክመርሕ ምዃኑን ይግለጽ።ብመሰረት መግለጺ ተሓጋጋዚ ኣዛዚ ሰራዊት ሳፍ ያሲር ኣል-ዓታ፡ ረብሓ ኣልቡርሃን ብቐንዱ ነታ ሃገር ካብ ምምራሕ፡ ምስ ሓይልታት ቅልጡፍ ደገፍ (RSF) ኣብ ምቅላስ’ዩ።ብርቱዕ ዝናብን ውሕጅን ኣብ ክልል ሩባ ናይል ከተማ ኣቡ ሓመድ […]

ክልል ኣምሓራ ዝንቀሳቐሱ ዘለዉ ዕጡቓት ፋኖ በዓል መን እዮም?

ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣብ መንጎ መንግስትን ዕጡቓት ፋኖን ግጭት ካብ ዝጅምር ሓደ ዓመት ገይሩ ኣሎ። መንግስቲ ፈደራል ሓይልታት ፋኖ ንምቍጽጻር ን10 ኣዋርሕ ዝጸንሕ ኣዋጅ ህጹጽ እዋን ኣዊጁ ሰራዊት ኣዋፊሩ። ሓይልታት ፋኖ ኣብ ብዙሕ ከባቢታት እቲ ክልል ውዳበኦም ኣስፊሖም ናይ ገዛእ ርእሶም ኣወዳድባ ብምግባር ምስ ሓይልታት መንግስቲ ከቢድ ወተሃደራዊ ግጭታት የካይዱ ኣለዉ። ብሰንኪ’ዚ ኣብ ልዕሊ ነበርቲ […]

ቦርድ ኤምኤፍ ንኢትዮጵያ ናይ ኣርባዕተ ዓመት 3.4 ቢልዮን ዶላር ኣሜሪካ ዝተናውሐ ምድላው ልቓሕ ኣጽዲቑ IMF approve US$3.4 billion approves Four-Year Extended Credit

“ኢትዮጵያ ተኸታታሊ ዓበይቲ ስንባደታት፡ ልዑል ዋጋታት ንብረት፡ ትሑት ኣህጉራዊ ዕቑር ሃብቲ፡ ከምኡ’ውን ዘላቒ ዘይኮነ ዕዳ ኣብ ዝረኣየሉ ዘሎ እዋን፡ ርኡይ ቁጠባዊ ጸቕጢ ኣጋጢምዋ ጸኒሑ’ዩ። ከም መልሲ ናይዚ ድማ እቶም ሰበስልጣን ብECF-arrangement ዝድገፍ ኩለመዳያዊ መደብ ጽገና ጀሚሮም ኣለዉ። ማክሮ-ቁጠባዊ ዘይምዕሩይነት ኣብ ምፍታሕ፣ ዘላቕነት ግዳማዊ ዕዳ ኣብ ምምላስን ድልዱል፣ ንኹሉ ዝሓቁፍን ዘላቒን ቁጠባ ንምድንፋዕ ሰፊሕ ጽገናታት ኣብ […]

45 ስደተኛታት ዝሓዘት ጃልባ ኣብ ገማግም ባሕሪ የመን ከምዝተገልበጠት UNHCR ኣፍሊጡ

መግላጺ ፡ ብውሕዱ 45 ስደተኛታት ዝሓዘት ጃልባ ትማሊ ረቡዕ ምሸት ኣብ ገማግም ባሕሪ ታይዝ የመን ከምዝተገልበጠትን፡ ካብ ሞት ዝደሓኑ ኣርባዕተ ሰባት ጥራይ ከምዘለዉን ኣብ የመን ዝርከብ ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ሓቢሩ።እታ ጃልባ ብሰንኪ ብርቱዕ ንፋስን ልዕሊ ዓቐን ጽዕነትን ከምዝተገልበጠት እቲ ​​ትካል ወሲኹ ሓቢሩ። ምስ ዓለም ለኸ ትካል ስደተኛታት ብምትሕብባር ነቶም ብህይወት ዝተረፉ ንምሕጋዝን ሓለዋ ንምሃብን […]

ከቢድ ሓዘን ኣብ ኢትዮጵያ ጎፋ ድሕሪ ሓደ ሰሙን ዋና ዝሰኣነ ህዝቢ

ሰንበት ምሸትን ሰኑይ ንግሆን ካብ 22–23 ሓምለ 2024 ኣብ ዞባ ጎፋ ደቡብ ኢትዮጵያ ክልተ ምፍራስ መሬት ብውሕዱ 229 ሰባት ሞይቶም፣ ብዙሓት ረድኤት ዝህቡ ሰባት ሓዊሱ። እቲ ምፍራስ መሬት፡ ኣብቲ ርሑቕን ኣኽራናትን ዞባ ንመዓልታት ክዘንብ ዝጸንሐ ብርቱዕ ዝናብ ዝተበገሰ እዩ። እቲ ቀዳማይ ምፍራስ መሬት ኣባይቲ ኣፍሪሱ ንሰባት ጸረገ፣ ድሕሪኡ ካልኣይ ምፍራስ መሬት ነቶም ክሕግዙ ዝተኣከቡ ቀበሮም […]

ትግርኛ

ሽወደን ፈስቲቫል ኤርትራውያን ክኽሰት ንዝኽእል ሸብሮ ንምክልኻል ፓሊስ ተወሳኺ ሐይሊ ኣዚዙ ሽወደን ካብ 25 ክሳብ 28 ሓምለ ኣብ ዝካየድ ፈስቲቫል ኤርትራውያን ክኽሰት ንዝኽእል ባእስን ዕግርግርን ንምክልኻል ናይ ትሪኮላታ ሓጹርን ካልእ ነገራት ሓዊስካ ተዳልዩ ከም ዘሎ ገሊጹ። ኣብ ጃርቫ ኣብ ዝርከብ መደበር ፖሊስ ውን ን50 ሰባት ዝኸውን ግዝያዊ ማእሰርቲ ተዳልዩ ከም ዘሎ ወሃቢ ቃል ፖሊስ ኦላ […]