ኣብ ሰምየን ኣመሪካ ክካየድ ዝተሐስበ ኣኼባ ብሐላፊ ፖለቲካዊ ጉዳያት ህግደፍ ብ8 ጥቅምቲ ኣብ ኣርሊንግተን ቨርጂንያ ኣብ (Double Tree )ሆትየል ኣይተዓወቱን። የማነ ገብረኣብ ማንኪ ብናይ ኣርሊንግተን ፖሊስ ኣብ ቀይዲ ክምዛኣተወ ተሓቢሩ።ብድሕሪ ምውሳዶም ግን ኣበይ ከምዘሎ ዝተረጋገጸ ሐበሬታ የለን።ምንጭታት ከምዝሐበሩዎ ኣብ ሰምየን ኣመሪካን ካናዳን ዝቅመጡ ተቃወምቲ ናይ የማነ ገብረኣብ ምምጻእ ብትሪ ትቃውሞኦም ንዝምልከቶ ኣካል ሆምላንድ ሰኩሪቲ (U.S. Department of Homeland Security) DHS ወዘተ. ምረቶም ብጹሑፍን ብተለፎን ምድዋልን ከምዝገለጹ ይንገር።ህግደፋውያን በዚ ተረኪቡ ዘሎ ስዕርቶም ኣብዝኮነ ዜና ከምዘየቃልሑ ይፍለጥ።
