ህግደፍ ብድሕሪ እቲ አብ ዓዲ ቐይሕ ዝገጠሞ ሓያል ናይ ህዝቢ ብፍላይ ናይ ተምሃሮ ተቓውሞ፤ አብ መላእ ሃገር አብ ኩለን ናይ ካልኣይ ደረጃ አብያተ ቤት ትምህርትን ኮሌጃትን ብመንገዲ አዘዝቲ ፓሊስ ጎስጓስ የካይድ አሎ።
እቲ ጎስጓስ ንተምሃሮ ምርዓድ ኢዩ። እቲ መንግስቲ አብ ልምዓት ከምዘሎን፤ ነዚ ንምዕንቃፍ ናይ ደገ ተጻብኦታት ስለዘለና መጋበርያ ከይትኾኑ፤ አብ ከምዚ ዝኣመሰለ ነገር ምስታፍ ንድሕነቶም ሓደገኛ ምኻኑ ብስም ጎስጓስ ናይ ምፍርራሕ ዘመተ የካይድ አሎ። ስርዓት ህግደፍ ነቲ እና ሓየለ ዝመጽእ ዘሎ ህዝባዊ ተቓውሞ ፤ ብቐንዱ ተምሃሮን መንእሰያትን አብ ምምጻእ ለውጢ አብ ኤርትራ አብ ቀዳማይ መስመር ክስርዑ ከምዝኽእሉ ስለዝፈልጥ፤ ብኣጋ ነብሱ ናይ ምክልኻል ጎስጓስ የካይድ አሎ። ስጋብ ሕጅ አብ አቑርደት፤ ኮለጅ ሃመልማሎ፤ ኮሌጅ ዓዲ ቐይሕ፡ ፎርቶ ሳዋ፤ ባረንቱ ጎስጓስ አካይዱ አሎ። ነቲ አብ ኮሌጃት ዝካየድ ጉስጓስ ዘካይድ ዘሎ ኮረኔል መሓሪ ጸጋይ አዛዚ ፖሊሰ ኤርትራ ምኻኩ ክፍለጥ ተኻኢሉ አሎ።
ግዱሳት ካብ ኤርትራ
