ስርዓት ኢሳያስ ቃሕ ዝበሎ ስጉምቲ ክወስድ ዝገትኦ ሓይሊ ወይ ዝኽልክሎ ሕጊ ስለዘየለን ዛጊት ነዚ ዘሎ ኣረሜናዊ መንግስቲ ዝብድህ ዝተወደበ ህዝባዊ ተቃውም ስለዘይተመስረተን፡ ስርዓት ኢሳያስ ዘይፈርስ እምባ ኣምሲልዎ ኣሎ።ብርግጽ ስለያዊ፡ ፖለቲካውን ዲፕሎማስያውን ኣወዳድባ ስርዓት ህግደፍ ኣነኣኢስካ ምርኣይ፡ ንኽውንነት ምኽሓድ’ዩ። ስርዓት ኢሳያስ ዕድመ ስልጣኑ ንምንዋሕን ተጻባእቱ ንምድቋስን ቢልዮናት ገንዘብ’ዩ ዝስልዕ። ኣብ ርእሲኡ፡ ስርዓት ኢሳያስ ሓቅታት ኣብ ምጥምዛዝን ካብ ከውንነት ምህዳምን ልዑል ብልጫ ኣለዎ። ንኣብነት፡ ወድባት ተጣበቅቲ ሰብኣዊ መሰላትን ገለ መንግስታትን ንስርዓት ኢሳያስ ንኣጥፊእካ ጥፋእን ዘይሓላፍነትውን ተግባራቱን ፖሊሲታቱን ኣብ ዝነቅፍሉ እዋን፡ “ካብ ሓቂ ዝራሓቀን ምስሊ ኤርትራ ንምኽፋእን ካብ ዓለም ንምንጻልን ዝተፈብረኸ ሓሶት’ዩ፡ ኣብ ኤርትራ ንዝካየድ ዘሎ ኩለንተናዊ መደባት ልምዓት ንምትዕንቃፍን ብጸላእትናን ሓሳዳትን ዝተጠጅአ ተንኮል’ዩ፡ ኤርትራ ብሰላም ዞባናን ዓለምን ዝያዳ ኩሉ ትግደስ’’ ዝብላ ንገርሂ ሰብ ኣታለልቲ ንዝፈልጥ ግን ኣሰልቸውቲ ሓረጋት’ዩ ብተደጋጋሚ ዘኮማስዕ። እቲ ሓቅን ኣብ ኤርትራ ብህግደፍ ዝፍጸም ዘሎ ኣደራዕን ግን ብኣንጻር’ቲ ስርዓት ኢሳያስ ዝዝርግሖ ሓሶታትን ብድዐታትን ምዃን ሓሊፉ፡ ህዝቢ ኤርትራ ጥራይ’ዩ መስካርን መዛንን ክኸውን ዝግብኦ።
ሓደ ካብቲ ኣብዚ ኣዋን’ዚ ኣብ ታሪኽ ኤርትራ ቅድሚ ሎሚ ኣጋጢሙ ዘይፈልጥ ንኽትሰምዖ ዘዘግንን ተርእዮ፡ ዘይወለንታዊ ፍልሰት ኤርትራውያን ናብ ወጻኢ ሃገራትን ዘጋጥሞም ዘሎ ስቃይን’ዩ። ምስሉይ መግለጺታት ስርዓት ኢሳያስ ብዘየገድስ፡ ቀንዲ ምኽንያት ስደትን ሕሰምን ኤርትራውያን፡ ኣብ ሃገሮም ብሰላም ክሰርሑን ከመሃሩን ስለዘይክኣሉን ቁራስ እንጌራ ስለዝሓረሞምን’ዮም። ውሕስነት ህይወት ዘይብሉ ጠንቂ ስደት ኤርትራውያንን ኣብ ዝኣተውዎ ሃገራትን መዓስከር ሰደተኛታትን፡ መባእታዊ ሰብኣዊ መሰሎም ተጋሂሱ ግዳይ ሞት፡ ማእሰርቲ፡ ጥሜትን ሕማምን ምዃኖምን ድማ ቀዳማይ ተሓታቲ ስርዓት ኢሳያስ እምበር ተቀበልቲ ወይ ኣእንገድቲ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣይኮናን። ንምንታይ’ሲ እንተዘይትንውንወኒ መን መጽደፈኒ’ዩ እቲ ሓቂ። መንእሰያትና፡ ኣብ ኤርትራ ኣብ ክንዲ መኣዲ ትምህርቲ ግዱድ ዕስክርና፡ ኣብ ክንዲ ገንዘብ ዝኽፈሎ ስራሕ፡ ገደብ ግዜ ዘይብሉ ናጻ ጉልበቶም ምሻጥ፡ ወጽዓዖም ኣብ ዝሓትሉ ድማ ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ምድጓን ምስበዝሐን ብሩህ መጻኢ ስለዝጸልመቶም’ዮም ሃጽ ኢሎም እግሮም ናብ ዝመርሖም ዝጠፍኡ ዘለዉ። ስለዚ ተማሃሮ ካብ ኣብያተ ትምህርቶም ኣጓናዲብካ፡ ሓረስቶትን ሸቃሎን ካብ ስርሖም መንጢልካ ኣብ በረኻ ምስፋርን ስድራቤታት ምብትታንን ኣይፋል ንዝበሉ ድማ እናገረፍካን እናሓየርካን፡ በየናይ መዐቀኒን መዝገበ ቃላትን’ዩ ከም ልምዓታዊ መደባት ዝቁጸር? እቶም ብካድራት ህግደፍ ተመልሚሎም ግንዖታት ተገይርሎም ካብ ወጻኢ ናብ ኤርትራ ብምእታው፡ “ኤርትራ ማእከል ሰላምን ልምዓትን” ኢሎም ንኤርትራ ቅጽል ስም ዝህብዋ የዋሃትን ምስ ኣእዛኖም ዝጸመሙን በጻሕቲ ኤርትራ’ኸ፡ ብዘይካ’ቲ ኣብ ዝበለጸ ሆቴላትን መዘናግዒ ቦታታትን ዑደት ምፍጻሞምን ብሕርያ ዝተቀረቡ መማቅርቲ ቃለ- መጠይቅ ምክያዶምን፡ ንጹሃት ዜጋታት ተኣሲሮሙሉ ኣብ ዘለዉ ቦታታት፡ ጠዋሪ ስኢኖም ዝዘኽትሙ ወለድን ህጻናትን ብጥሜት፡ ስእነትን ኣገልግሎት ሕክምና፡መብራህቲ፡ መጓዓዝያን ማይን ዝሳቀዩ ስድራቤታት ከምዘለዉ ተዘዋዊሮም ተራ ሰባት ሓቲቶን ተዓዚቦምንዶ? ዶስ ኤርትራዊ ብኽብሪ ሃለኽቲ ኣቁሑን ሕጽረት ማሕበራዊ ኣገልግሎትን እናተሳቀየ እንከሎ ንሕሱር ፖለቲካዊ ዕላማትትን ሃወርያታትካ ንምምልማልን፡ ጮማን ዊስክን ስለዝተቀረበልካ ኣብ ከብዲ ጽጉብ ጥሙይ የለን’ዩ ነገሩ?
ህግደፍ፡ “ብኢትዮጵያ ዝተታሕዘ መሬትና ስለዘይተመልሰን ዶብና ስለዘይተሓንጸጸን” ዝብል ዝኣረገ ምስምስ ዕድመ ስልጣኑ ንምንዋሕን ንውሽጣዊ ድኻማቱ ኣበሳታቱን ንምጉልባብ ካብ ዝጥቀመሉ ካልእ ዕባራ ምኽንያት’ዩ። እቲ ሓቂ ብሰበብ ዶብ ስለዘይተሓንጸጸን ዝተጎብጠ መሬት ስለዘይተመልሰን፡ መሰል ኤርትራዊ ምርጋጽን ምልካዊ ስርዓት ምቅጻልን’ዩ። ፍትሒ ይንገስ ንዝበሉ ዜጋታት ብዘይፍርዲ ምምቛሕን ትሕቲ መሬት ምስፋርን፡ ቅዋም ዘይምንዳፍን ህዝባዊ ምርጫ ዘይምክያድን ክሳብ መኣስ? ኩሉ ከምዘይስሕቶ ዘለናዮ ዓለም ምስጥቅማ እምበር ብስለ ዲሞክራሲ ፍጹም ሓቅታት ዝብሃል የለን። ንልኡላውነትካን ክብርኻን ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ከየእተኻ፡ ብኣህጉራዊ ሕግታት ክትምእዘዝ ምስ ካልኦት ሓቢርካ ክትሰርሕ፡ ረብሓ ህዝብኻ ከተኻዕብትን ዓቅምኻ ክትፈልጥን ግን ናይ ለባማት ኣሰራርሓ ኢዩ። እቶም “ስርዓት ኢሳያስ ጉድለት የብሉን ዓለም ዘርያትና” ኢልኩም ነዚ ክውንነት’ዚ ትኽሕዱን ህዝቢ ኤርትራ ካብ ዓለም ንኽንጸል ብተዘዋዋሪ ትሰርሑን ዘለኹም ዜጋታት፡ ህግደፍ ህዝቢ ኤርትራ ንኽረግጽ ኣጆኻ ትብልዎ ከምዘለኹም ትግንዘብዎዶ? ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ስርዓት ኢሳያስ ምስ ጎረባብቲ ሃገራትን ዓለምን ከም ጭርናዕ ካብ ምትዃብ ሓሊፉ፡ ዘይሕጋዊ ኣሰራርሓ ካብ ምዝውታርን (ንኣብነት፡ ምስ ዝተፈንፈኑ ስርዓታት ምምሕዛውን፡ ናይ ጸላኢአይ ጸላኢ ፈታዊየን ዝዓይነቱ ኣጠማምታ ንጹር ዕላማ ዘይብሎም ናይ ጎረባብትና ሃገራት ተቃወምቲ ወድባት ምሕጋዝን)፡ መትከላውን ኣብ ሓባራዊ ረብሓ ዝተሞርኮሰ ቁጠባውን ፖለቲካውን ዝምድና የብሉን።
ብዝተፈላለየ ጉዳያት ምፍልላይ ገበን ኣይኮነን። እቲ ካብ ኩሉ ዝኸፍአ ስንፍና ግን፡ ነዚ ብግሁድን ብስውርን ንህዝቢ ኤርትራ ኣብ ጸልማት ኣእትዩ ዘሳቂ ዘሎ ስርዓት ኢሳያስ ምድጋፍ ወይ ድማ ቀንዲ ተዋሳኢ ምዃን፡ ሓቂ ምጥምዛዝን ድርብ ገበን ከም ምፍጻም’ዩ ዝቑጸር። ኣብዚ ከም ጸሓይ ቀትሪ ብሩህ ዝኾነ እኩይ ተግባራትን ኣዕናዊ ሜላታትን ስርዓት ህግደፍ ሓቢርና ዘይምስራሕና ድማ ንስርዓት ኢሳያስ ዕድመ ይሃብካ ኢልካ ምምራቕ’ዩ።
ጽላል – ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ