ምስጋና ምሉኣት ስድራቤት

 

ምስጋና

ገዲም ተጋዳላይ ተስፋማርያም ወልደማርያም ክፍሉ፡ ብ 27 መጋቢት (March 27) 2015 ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ግዝኣት ጆርጅያ-ኣትላንታ ድሕሪ ምዕራፉ፡ ብ 08 ሚያዝያ (April 08) 2015 ኣብ ዓዲ-ኳላ፡ ስድራቤቱ፡ ቤተሰቡን ፈተውቱን ኣብ ዝተረኸብዎ ሓመድ ኣዳም ለቢሱ።

ስውእ ተስፋማርያም ወልደማርያም፡ ንዝሓደሮ ሕማም ሕክምናዊ ምክትታል ኣብ ዝገብረሉ ዝነበረ እዋን፡ ብኣካል ካብ ርሑቕን ቀረባን ብምምጻእ፡ ከምኡ’ውን ስልኪ ብምድዋል ሞራላዊ ደገፍ ንዝገበርክሙሉን፡ ምስ ዓረፈ ድማ፡ ሓዘን ኣብ ዝተገብረሉ ቦታ ብኣካል ብምምልላስ፡ ስልኪ ብምድዋል፡ ኢመይል ብምልኣኽን ኣብ ናይ ኤርትራውያን መርበብ ሓበሬታ ብምጽሓፍን፡ ዘጸናናዕኩሙናን ተኻፈልቲ ሓዘንና ንዝኾንኩሙን ብሙሉእኩም ሕሰም ኣይትርከቡ እናበልና ልባዊ ምስጋናና ነቕርብ። ብተወሳኺ፡ ኣብ ናይ መፋነዊ ናይ ቀብሪ ስነ-ስርዓት (Funeral Ceremony) ብኣካል ተረኺብኩም ሬሳ ወላዲናን ሓውናን ዘፋነኹም ነበርቲ ኣትላንታን ከባቢኣን፡ ከምኡ’ውን ካብ ካልኦት ግዝኣታት ናይ ኣመሪካ ዝመጻእኩም፡ መቓልስቱ፡ መማህርቱ፡ መታዓብይቱን ፈተውቱን፡ ንተስፋማርያም ክብሪ ብምሃብኩምን ንዓና ድማ ተኻፈልቲ ሓዘንና ስለዝኾንኩምን ደጊምና ልባዊ ምስጋናና እናቕረብና ሕሰም ኣይትርከቡ ንብል። ኣብ ሓመድ ድበ ናይ ተስፋማርያም ወልደማርያም ክፍሉ ዝተረኽብኩም ብምሉእኩም ምስጋናና እናቕረብና፡ ሕሰም ኣይትርከቡ እንዳበልና ሓዘንና ከምጽዓጸና ብኣኽብሮት ክንገልጽ ንፈቱ።

ምሉኣት ስድራቤት

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *