ERITREAN NATIONAL SALVATION FRONT – HIDRI

ንህዝቡ ብምሽጋር ዝልለ ስርዓት ሎሚ 07 / ጥቅምቲ / 2016 እቲ ንዜገታቱ እልቢ ሽግራት ብምድርዳር ፍስሃ ዝስምዖ ስርዓት ህግደፍ፡ ዳርጋ ኣብ ሙሉእ ከተማታት ኣውራጃ ሰራየ ብፍላይ ዓድኳላን መንደፈራን ከም’ውን ኣብ ርእሰ መዲናታት ኤርትራ ዝኾነት ከተማ ኣስመራ ሓያል ግፋ ክገብር ከምዝወዓለ ምንጭታት ግሃድኤ-ሕድሪ ካብ ውሽጢ ኤርትራ ይሕብሩ ኣለዉ፡፡ ስርዓት ህግደፍ ንደረጃታት ትምህርቲ ገደብ ብምግባር ልዕሊ 17 ዓመት ዝዕድሚኦም ዜጋታትና ካብ 11 ክፍሊ ንታሕቲ ክመሃሩ ከምዘይፍቀደሎም ብመምርሒ ደረጃ ናብ ኩለን ኣብያተ ትምህረቲ ሃገርና ትእዛዝ ኣመሓላሊፉ ብምጽንሑ እቶም ዕድሚኦም ኣብ ክሊ እዚ ዝተጠቕሰ ዕድመ ዝጸንሑ መንእሰያት ቀንዲ ግዳያት ናይ እዚ ግፋ መዓልቲ ኮይኖም እኩዋ እንተወዓሉ፡ እቲ ግፋ ግን ብኣልማማን ብዘይ ምጽራይን ንኹሉ ዘጠቓለለ ምኹዋኑን እቶም ዝተገፈፉ ዜጋታትና ድማ፡ ካበየ መአዝኑ ናብ ዓድኣበይቶ ይጓረቱ ምህላዎምን ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ወሲኹ የነጽር፡፡

እዚ ከም እዚ ኢሉ እንከሎ፡ ስርዓት ህግደፍ ነቲ ኣብ መላእ ዓለምና ዋጋ-ዕዳግኡ ካብ ዘንቆልቁል ሓያሎ ዓመታት ዝገበረ ዋጋ ነዳዲ ኣብ እዚ ዝሓለፈ ሰሙን ዋግኡ ኣብ ኤርትራ’ውን ነኪዩ ምህላዉ እኩዋ እንተተገለጸ፡ እቲ ዋግኡ ጎዲሉ ክብሃል ዝተኣወጀሉ ቀረብ ነዳዲ ግን ካብ ማንም ግዜ ንላዕሊ ኣብ መመቓሪሒታቱ ( መዐደሊ ነዳዲ ) ዊሒዱ ብምህላዉ፡ ተጠቃሚኡ እቲ ስርዓት ዝግልገለለን ተሸከርከርትን ኣብ እተን ዋንነት ህገደፍ ዝኾና ኣውተቡሳት ሓራትን ጥራሕ ተሓጺሩ ተሪፉ ምህላዉ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ፡

፡ ኣብርእሲ እዚ ዝተጠቕሰ ዝበጽሓና ሓበሬታ ከምዘነጽሮ፡ ብፍላይ ኣሃዱታት ከቢድ ብረት 74ን 49ን እቲ ቅድሚ 10 ኣዋርሕ ተወሲኹ ዝተባህለ ደመወዝ ንምንታይ ኣብ ገለ ሚኒስትራት ጥራሕ ተግባራዊ ኮይኑ ኣባና ከይበጽሐ ጠፊኡ ዝብል ዓቢ ሕቶ ብምኽታሉ ናብ ህዝብን ካልኦት ኣሃዱታት እቲ ምክልኻልን ብምልባዕ ኣዛራቢ ዛዕባ ናይ እዚ ቅነ ኮይኑ ምህላዉ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ፡፡

ድሕነት ህዝብን ሃገርን ልዕሊ ኩሉ!!!

ዓወት ንሓፋሽ ብተግባር!!!

07 / ጥቅምቲ / 2016 ቤት ጽሕፈት ዜናን ባህልን ግሃድ- ሕድሪ

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *