ውድባዊ ዕማም ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ-ሕድሪ ኣኼባ ኣባላት ጨናፍር ኤውሮጳ 18 ሓምለ 2016!!
ዲሞክራስያዊ መስረሓት 4ይ ኣኼባ ባይቶን ውሳኔታቱን ውድብና ካልእ ስእሊን ኩሕሊን ንምቕባእ ብዙሕ ክበሃል ቀንዩ። ደድሕሪ ህቦብላ ክጋልብ ዘይመረጸ ውድብ፡ ንዝቐነየ ፍረ-ኣልቦ ህውተታ ኣቓልቦ ከይሃቦ እዩ ዝቐነየ። እንተኾነ ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ-ሕድሪ ንዝኽተሎ ህዝባዊ ጠመተ ቀዳምነት ብምሃብ መብርሂ ክህብ ግዴትኡ እዩ። እነሆ ድማ ንሕና ኣባላት ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ-ሕድሪ ጨናፍር ኤውሮጳ ኣብ ውጽኢትን ውሳኔታትን 4ይ ስሩዕ ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ ዘሎና መርገጽ ንህዝብናን ፈታውን ብንጹር ነቕርብ።
ኣባላት ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ-ሕድሪ ብመሰረት 4ይ ስሩዕ ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ- ሕድሪ እተወሰነ ናይ ስረሓትን ምቅይያራትን መደብ ኣመራረሓን ብጉቡእ ምእንቲ ክንካተዓሉ መደብ ሒዝና ኢና ሰንቢትና። ብመሰረት እተታሕዘ መደብ ድማ ሰፊሕ መሰረታት ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ-ሕድሪ ጨናፍር ኤውሮጳ፡ እነሆ 15 ሓምለ 2015 ሰፊሕ ሰሚናር ኣሰላሲልና። ምዕቡልን ድኹምን ጎድንታት ውድቡ ዘይከታተል ኣባል ውድብ ኣይንበር እምበር ስርዒታዊ መስንኡ ንምትሓዝ ኣብ ኣኼባ ባይቶን ውሳኔታቱን ዝነበሩ ኣባላት ባይቶ ብኣካል እተሳተፉዎን ተወሳኺ መብርሂ ክህልዎን ንዝነበረና ልዑል ጠመተ፡ ድሕሪ ሰፋሕቲ ክትዓትን ምርድዳኣትን ክውን ብምዃኑ ነቲ ውድብ ከሓይሎን ከማዕብሎን እተወስደ ፖለቲካዊ ውሳኔታት ብዕግበት ከም ተቐበልናዮ ንፈታውን ደላይ መሰረታዊ ለውጥን በዚ ኣጋጣሚ ክነረጋግጸሉን ከነበስሮን ንፈቱ።
እዚ ጽሑፍዚ ንፈታውን ደላይ መሰረታዊ ለውጥን ፖለቲካዊ ሓበረታ ንምስናቕ እንተዘይኮይኑ ውድብና ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ-ሕድሪ ፍልልያትን ጸገምን ስለዝጸንሖ ኣይኮነን። ምናልባት ሓደ ሓደ ጸረ ዲሞክራስያዊ መስራሓት ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ-ሕድሪ ብዝዋስኡ ኣካላት፡ ጉጉይ ሓበረታ ኣይተናፈሰን ክበሃል ኣይከኣልን ይኸውን። እንተኾነ ከይቦቖለ ዝሃጉግ ንፉስ ቡቝሊ ካብ ምዃን ንላዕሊ ካልእ ዝጭበጥ ትርጉም ኣይነበሮን። ውድብና ማለት! ውድብ ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ-ሕድሪ ተካእን ኣሳታፍን መንእሰይ ወለዶ ከም ምዃኑ ኣብ ባይታ ዘሎ ሓቂ ስለ ዘረጋግጾ ነዚ ተካኢ መስርሓትና ንኸይዓቢ ንምቑጻዩ ናይ ተቓወምቲ ተቓውሞ ከም ዝፈታተንዎ ሕርሕራይ ጌርና ንርዳእ ኢና። እዚ ድማ መሓየሊና እምበር መዳኸሚና ከም ዘይኮነ ተጻባእትናውን ይስሕቱዎ እዮም ኣይንብልን። እምበኣር ብፍላይ´ቶም ጸረ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ህግደፍ ምዕጣቕ ገዲፎም ኩሉ ዓቕምታቶም ጸረ ዲሞክራስያዊ መስርሓት ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ-ሕድሪን ዲሞክራስያዊ ቃልሲ ደንበ ተቓውሞ ሓይልታት ኤርትራ ታ,ተ ኣብ ምባል ዝነብሩ ሓደ ሓደ ውድባትን ሚድያታቶምን በዚ ናይ ሎምቅነ ዲሞክራስያዊ መስርሕ ውድብና ተማሂሮም ክኾኑ ዓብዪ ተስፋ ነንብር። በዚ ኣጋጣሚ ድማ ኩሉ ዓቕምታቶም ኣንጻር ገባቲ ስርዓት ክጽመዱ መጸዋዕታና ንልግሰሎም፡
ድሕነት ህዝብን ሃገርን ልዕሊ ኩሉ!
ዝኽርን ክብርን ንስውኣትና!
ዓወት ንሓፋሽ ብተግባር! ክፍሊ ዜናን ባህልን ግሃድኤ-ሕድሪ ኤውሮጳ 18 ሓምለ 2016!!