ኣብ’ዚ ሒዝናዮ ዘለና ዓመተ 2016፡ ንሕና ኤርትራውያን ደለይቲ ለውጢ ብርክት ዝበሉ ኣጋጣሚታት ምኽንያት ብምግባር፡ ነንሕድሕድና ክንደሃሀን ኢህን ምሂን ክንበሃሃልን ተራኢና ኢና። ገላ ካብ’ዞም ኣጋጣሚታት ንጭውያ ዜጋታትና ኣብ ምድረ-በዳ ሰሃራ፣ ምጥሓልን ሞትን ኣብ ባሕሪ ሜዲትራኒያን፣ ከምኡ’ውን ብምኽንያት ጽንብል መበል 25 ዓመት ሃገራዊ ነጻነት። ብይን ናይ’ዚ ብዘይዕረፍቲ ከሳቕየናን ከድምየናን ጸኒሑ ዘሎ ዓማጺ ጉጅለ ንምስማዕን ደገፍና ንመሃብ’ውን ከምኡ። ከም ኤርትራውያን ደለይቲ ደሞክራስያዊ ለውጢ፡ ከም ሓሳረ መከራ ክቡር ህዝብና ዘገድሰና ዜጋታት መጠን፡ ክንዋሳእ ጸኒሕና ኣለና። ንዝተጨውዩ ዝተገርፉ፡ ኣካላቶም ዝሰንከሉ፡ ኮላሊቶም ዝተመዝሓቑ፡ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ዝጠሓሉ ኣሽሓት ወገናትና፡ ሓዘና ክንገልጸሎም፡ ክነብዓሎም፣ ኣብ መወዳእታ ከኣ ግዜ ክንዲ ዝወሰደ ይውሰድ ተቓሊስና ብሓባር ሕነ ክንፈድየሎም ምዃና ብተደጋጋሚ እናገለጽና መጺእና ኢና።
ኤርትራ ሃገርና ካብ መግዛእቲ ባዕዲ ነጻ ካብ እትኸውን ርብዒ ዘመን ዘቑጸረትሉ ዕለት ምዝካርና ንቡር’ዩ። ክንገብሮ ዘለና’ዩ። ስለምታይ’ሲ ዘይከምቲ መላኺ ጉጅለን ሰዓብቱን ዓይኖም ተዓፊኖም ዝኸድዎ ዘለው ድሕረይ ዳንዴር ኣይትብቆላ ዝዓይነቱ መንገዲ ጥፍኣት ዘይኮነ፡ ብልዙብ ፖለቲካዊ ኣጠማምታ፡ መሰረታውን ዘይመሰረታውን ዓቢን ንእሽቶን እናመዛዘና ስለ ንቃላስ መበል 25 ዓመት ነጻነት ብሓሳብን ብተግባርን ምዝካርና መርኣያ ረዚን ፖለቲካዊ ሚዛና’ዩ። እቲ ምንታይ’ሲ እቲ ልኡላውነት ኤርትራ ክውን ዝኾነሉ ቃልስን ዓወትን መርኣያ ጀግንነት ናይ’ቶም ክቡር ህይወቶም ዝወፈዩ፡ ዜጋታትና ስለዝኾነ። ምልካዊ ስርዓት ኢሳያስ ኣፈ-ወርቂ ሽሕ ግዜ እቲ ዓወት ናቱን ናይ በይኑን ኣምሲሉ ክገልጾ ይፈትን’ምበር፡ እቲ ዝተረኽበ ዓወት ናይ’ቲ ከቢድ ዋጋ ዝኸፈለሉ ተባዕ ግን ከኣ ዝተጠልመ ህዝቢ ኤርትራ’ዩ። ምልካዊ ስርዓት ኢሳያስ ካብ ዝደፈሮም ዓበይቲ ነገራት ሓደ ድማ፡ ንህዝባዊ ዓወት ሰሪቁ ናብ መግለጺ ክብረ ዝናኡን መኻዕበቲ ሃብቱን ከውዕሎ ምፍታኑ’ዩ።
ንደለይቲ ለውጢ ካብ ዘራኽቡናን ዘሕቡርናን ዘለው ሓደ ዓቢ ጉዳይ ከኣ፡ ምቛም መርማሪት ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራን ንሳ ዘቕረበቶ ውጽኢት ምርምራዊ መጽናዕታ ዝኾነ ጸብጻብ’ዩ። እታ ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝተምዘት መርማሪት ኮሚሽን ክልተ ግዜ መጽናዕታዊ ወፍሪ ኣካይዳ፡ ዝረኸበቶ ጭብጥታት ሰኒዳ ድማ ብወግዒ ናብ ኩሉ ዘርጊሓቶ። እቲ ንሳ ኣብ ኤርትራ ከም ዝፍጸም ዘረጋገጸቶ ጥሕሰት መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰላት፡ ንዓና ነቶም ረኸብቲ መከራ ሓድሽ ኣይኮነን። ካብ’ቲ ኣብ ልዕሊ ዜጋታትና ዝበጽሐን ዝበጽሕ ዘሎን ኢ-ሰብኣዊ ግፍዓታት፡ ግዳያት ኣዘራሪባ፡ ብጽሑፍ፡ ብስምልን ድምጽን ሰኒዳ ከተቕርቦ ምኽኣላ ደላዪ ሰላም ማሕበረ-ሰብ ዓለም ንወጽዓና ብግቡእ ክርዳእ ስለዝሕግዝ ከም ዓቢ ዓወት ክንወስዶ ይግባእ። ነዚ ኣወታዊ ጸብጻብ’ዚ ብምድጋፍ፡ ንባህርን ግብርን ስርዓት ህግደፍ ንምቅላዕን ንምኹናንን ቆጸሮ ሒዝና ሓደ ዓይነት ድምጺ ከነስምዕ ምኽኣልና’ውን ዓወት’ዩ።
ብመሰረት መርማሪት ኮሚሽን ዝበጽሓቶ መጽናዕቲ፡ ንሕና እቶም ግዳያት ዝሃብናዮ ምስክርነት፡ ስርዓት ህግደፍ ከም ስርዓት ገበነኛ ምዃኑ፡ ካብ’ቶም ዘውርቲ ናይ’ቲ ስርዓት ዝያዳ ኣብ ገበን ዝተቖማጥዑን ብገበን ዝሕተቱን መን መን ምዃኖም ተፈሊጡ፡ ብመሰረት ዝፈጸምዎ ገበን ኣብ ቤት ፍርዲ ክቐርቡ ከም ዘለዎም፡ ብኣኽበርቲ ሕጊ፡ ጠበቓታት፡ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት፡ ንሕና ግዳያት ንዝምልከቶ ኣካል ምትሕስሳብና፡ ስለዚ ከኣ ጉዳይና ሓደ መስመር ክሕዝ ምግባርና ብርግጽ ዓወት’ዩ።
ንጸብጻብ መርማሪ ኮሚሽን ልዕሊ 15 ሽሕ ሰላማዊ ሰልፈኛታት ኣብ ጎደናታት ጀኔብ ወጺኦም ብነጎድጓዳዊ ድምጾም ደጊፈሞ። እዚ ካሕዳይ ጉጅለ ግን ነቲ ጸብጻብ ሓሶት ኣብ ምድሪ ኤርትራ እሞ ድማ፡ በኣይ ብሓላዪ ህዝቡ ከምኡ ኣይተገብረን ኢሉ ቃል ክሕደቱ ሂብሉ። ብመግለጺ ጥራሕ ክሰግሮ ግን ትዕግስቲ ኣይረኸበን። ኣምለኽቱ ናብ ጎደናታት ጀኔቫ ክውሕዙ፡ መንግስትና ሰላማዊ፡ ሕጋዊ፡ ደሞክራስያዊ’ዩ እናበሉ ክዝምሩ ኣዚዙ። ኣምለኽቱ በቲ ንሱ ዝደለዮ ዓቐን ክመጽኡ ከምዘይኽእሉ ምስ ኣረጋገጸ ድማ፡ ካልኦት ኣብዘይ ጎዳዮም ዘሳስዩ ኣጫፈርቲ ተለቂሑ፡ ተኻሪዩ መርማሪት ኮሚሽን ስምዕኒ ዓለም ደግፈኒ ዝብል ምሕጽንታ ኣቕሪቡ። ነቲ ጉዳይ ብቐረባ ክከታተል ዝጸንሐ ተዓዛቢ ድማ ስሒቕዎን ክዒብዎን።
እሞ ዝኸበርኩም ደቂ-ሃገረይ እዚ ጉዳይ ናይትና’ዩ። ንዓና’ዩ ዝምልከት። እሞ ሕጂኸ እንታይ ንግበር? ንዓይ ኣብ ኢድና ዘሎ መድሓኒት’ዩ። ብተግባር ክንወፍረሉ እተደኣ ክኢልና ክንዕወተሉ ከም እንኽእል’ዩ ዝርደኣኒ። ቁጠዐና፡ ምረሻና ብዝሓየለን ብዝተዓጻጸፈን ክስጉም እተጌርናዮ መላኺ ስርዓት መጋበርያታቱን ኣበይ ከይበጽሑ ተሰዓርቲ’ዮም። በዚ ዓምን ለብ ዘመንን ኣብ ቅድሚ ማሕበረ-ሰብ ዓለም ዘካየድናዮ ድሙቕ ሰላማዊ ሰልፊ ስማዊ ስርዓት ተሃሪሙን ተደናጊጹን’ዩ። ውጹዓትን ደለይቲ ለውጥን ድማ ናይ ቃልሲ ኒያቶም ተበራቢሩን ዝያዳ ረስኒ ወሲኹን’ዩ። እንተኾነ እዚ ጉጅላዊ ስርዓት ካብ ኣትይዎ ዘሎ ረግረግ ብገለ ኣደናጊሩን ተደጊፉን ክውጽእ’ሞ መቃናይ ክረክብ ሓኾት ካብ ምባል ግን ዘዕረፈ ኣይኮነን። ልሳን መለኽቲ ክሳብ ናይ ዜሮ ሰዓት ጸርፍን ፈኸራን ከምዘይትገድፍ ተደጋጊሙ ተገሊጹ’ዩ። ጉጅለ ጠላማት ዝገብሮ ቀልባዕባዕ ከኣ ካብ’ዚ ባህሪ’ዚ ዝነቅል’ዩ። ንሕና ድማ ኣብደን ንበሎ። መመሊስና ንድሃኮ ንደርዕሞ። ግን ኣብ ልዕሊ ጸላኢ ነዕርፎ በትሪ ብውጥን ዝተመርሐ፡ ጻምእ ሰላም ደሞክራሲ ፍትሒ ዘንቀሎ ምዃኑ ብልክዕ ዝገልጽ ወፍርን ውህደትን ክኸውን ይግባእ።
ብኻልድ ኣማን ብሓልዮት ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ ዝፍኖ፡ ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ፡ 18-07-2016