ኣባላት ውድባት ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ- ሕድሪን ስምረት ምንቅስቃስ ንድሕነት ሃገርን ኣብ ስቱትጋርድ (ኮንቨርስትሃይም)

ናይ እዘን 2 ምሓዙት ውድባት ኣባላት ነበርቲ ስቱትጋርድን ከባቢኣን፡ ብቀዳም ዕለት 16 07 2016 ተራኺቦም ብሕባር ብህልዊ ክነታት ሃገሮም ብምምይያጥን (ግሪል) ብምግባር ክዛነጉዑን ምውዓሎም ካብቲ ቦታ ዝመጸና ሓበሬታ የነጽር።
እዞም ናይ እዚ 2 ምሓዙት ውድባት ኣባላት ዘካየድዎ ርክብ፡ ቤተሰቦም (ፋሚሊኦም) ሒዞም ዝመጹ ምንባሮም ካብ ኣባልነት ውድባት ሓሊፉ ቤተ-ሰብነታዊ ፍቅሪ ዘካተተ ምንባሩ፡ እዚ ከኣ መርኣያ ጽኑዕ ሓድነታዊ ጉዕዞ እዩ፡ ክብል ውሃብ ዜና ወሲኹ ሓቢሩ፡፡
ብጀካ እቶም ኣባላት እዚ 2 ምሓዙት ውድባት ዝኾኑ ተቐማጦ ስቱትጋርድን ከባቢኣን፡ ብኣጋጣሚ ካብ ካናዳ ዝተጸንበሮም ክቡር ኤርትራዊ ንዝነበረ ሃዉሁ ብምኽሩን መሳጢ መደረኡን ዝያዳ ኣማዕሪጉዎ ምውዓሉ ካብቲ ቦታ ዝተላእከልና ሓበሬታ ብተወሳኺ የብርህ።
“ብዘይ ውደባ ክዕወት ዝኽእል ቓልሲ የለን – ንወደብ ሓድነትና ነትርር“ “ኩለን ውድባት ምስ ዝቐራረበኤን ወድባት ሓድነተን ከትርራ ንጽውዕ“ ብምባል ለበዋኦም የመሓላልፉ።
ድሕነት ህዝብን ሃገርን ልዕሊ ኩሉ!
ዝኽርን ክብርን ንስውኣትና!
ዓወት ንሓፋሽ ብተግባር!
ክፍሊ ዜናን ባህልን ግሃድኤ-ሕድሪ ኤውሮጳ