ብመዲካል ቦርድ ኣብ ወጻኢ ክሕከሙ ዝተፈቕደሎም 85 ናይ ወሊድ ጸገም ዘለዎም ሰብ ኪዳን ብምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ተኣጊዶም ከምዘለዉ ተፈሊጡ። By assenna on April 2, 2015

Hospital_orota

ኣብ ኣስመራ ‘ኦሮታ ሪፈራል ሆስፒታል’ ዝርከቡ ብ ‘መዲካል ቦርድ’ ኣብ ወጻኢ ክሕከሙ ከምዘለዎም ዝተኣምነሎም ናይ ወሊድ ጸገም ዘለዎም 85 መጻምድትን ሰብ ኪዳንን፣ ንወጻኢ ከይዶም ከይሕከሙ ብሚኒስተር ጥዕና ስርዓት ኢሳይያስ ኣምና ኑርሕሸን ተኣጊዶም ከምዘለዉ ምንጭታት ኣሰና ሓቢሮም።

እቶም ንልዕሊ ሓደ ዓመት ፍቓድ ተኸልኪሎም ዘለዉ ናይ ውላድ ጸገም ዘለዎም ዜጋታት፣ ብሚንስትሪ ምክልኻል ተፈቒዱሎም፣ ብዓቢኡ ድማ ከም ብዓል ዶክተር ዓብዱ፣ ዶክተር ትብለጽ፣ ዶክተር ክብርኣብ፣ ዶክተር ተስፋስላሰ ዝኣመሰሉ ሰብ ሞያ ሓካይም ማህጸንን ወሊድን ጸገሞም ተኣሚኑሉ ክንሱ፣ ሚንስተር ጥዕና ኢሳይያስ ኣምና ኑር ሕሸን ስለዘይኣመነቶም እዮም ሰንፈላል ኮይኖም ግዚኦም ዘባኽኑ ዘለዉ።

ይኹንምበር፣ ናይ ውላድ ድሌትን ሕክምናዊ ኣገልግሎትን መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰል ዜጋታት ‘ኳ እንተኾን፣ እቶም ሞያዊ ውሳኒኦም በቲ ስርዓት ዝተነጽገ ላዕለዎት ዶክተራት ‘ውን በቲ ርህራሀ ዘይብሉ ስጉምቲ ናይቲ ምልካዊ ስርዓት ተማእዚዞም ስቕ ኢሎም ስርሖም ይቕጽሉ ኣለዉ።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *