ኣዒንትና ብደም ዝተዓለሱ ሰባት ብቓረዛ ተጸይሮም ክወጽኡን:ኣብ ልዕሊ ዝዓነወ ኣባይቲ ሰባት ዘወን ክብሉን ዘሰክሕ ምርኢት ካብ ዝከታተላ ሰሙን ኮይኑ:: እታ ብፕረዚደንት ኦባማ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ትእምርቲ ሰላማዊ ምስግጋር ናብ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ዝተባህለላ ሃገረ የመን: ኣብ ከቢድ ወተሃደራውን ፖለቲካውን ወጥሪ ተኣሊኻ: ዓውደ ኩናት ዞባውያን ሓይልታት ኮይና::
100 ነፈርቲ ኩናት ስዑዲ ዓረብ ኣብ ልዕሊ እቶም ሓይሊ ደሊቦም ዝግስግሱ ዘለው ብኢራን ከምዝድገፉ ዝንገረሎም ሑቲ ሽዓ ከቢድ ደብዳብ የካይዳ ኣለዋ::ኣብቲ ድሮ ዞባውን ዓለማውን ጽልዋታት ኣሕዲሩ ዘሎ ኩናት : ስዑዲን ምስርን ኣጋር ሰራዊተን ንምውፋር ዘትየን::መራሕቲ ስዑዲ ንሓይልታት ሑቲ ከየዳኸሙ ከምዘይለቁ ምግላጾምን እቲ መደብ ኣብዚ ቐረባ መዓልታት ክትግብረኦ ትጽቢት ከምዘለዎን ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ የመን ርያድ ያሲን ገሊጹ::
ስርሒት ወሳኒ ማዕበል-እቲ ኣብ ልዕሊ ሑቲ ዝካየድ ልፍንታዊ መጥቃዕቲ ስዑዲ ዓረብ.ምስሪ:ቐጠር:ክወየት:ባሕረይን:ሕቡራት ኢማራት:ሱዳን:ሞሮኮ:ጆርዳን ኣብ ሻርማልሸኽ ግብጺ ኣብ ዘካየድኦ ኣኼባ ዝተሃንደሰ ኮይኑ :ፓኪስታን እውን ከምእትጽንበሮ ገሊጻ:: ኣሜሪካ ዒላማታት ንምውቃዕ ሓበሬታ ብምምጣው ትሳተፍ ከምዘላ ጸብጻባት የመልክቱ::ነፈርቲ ኩናት ንሰማያት የመን ብሒተን ኣብ ልዕሊ ጸረ ነፈርቲን መኽዘን ኣጽዋርን ሑቲ ከቢድ ዕንወት ከምዘውረዳን:ኣብ መዓስከር ዑቕባት 40 ሰባት ከምዝቐተላን 250 ከምዘቑሰላን ማዕከናት ዜና ሓቢረን::ማዕረ እዚ ወተሃደራዊ መጥቃዕቲ: ኣኼባ ሻርማልሸኽ ሓይልታት ሑቲ ካብ ትካላት መንግስቲ ብህጹጽ ክወጽኡን ኣጽዋሮም ነቶም ”ሕጋውያን ሰበስልጣን” ከረክቡን ጸዊዖም::
መራኽብ ኩናት ምስሪ ንወደብ ዚንጅባር ምስ ዓደን ኣብ ዘራኽባ መስመር ከምዝደብደባ ሓደ በዓል ስልጣን ምንቅስቓስ ደቡብ የመን ሓቢሩ::እቲ መጥቃዕቲ ነቲ ብምብራቕ ናብ ዓደን ዘእቱ ኣገዳሲ መስመር ንምብታኽን ንግስጋሰ ሑቲ ንምግታእን ዝዓለመ ከምዝኾነ እቲ ምንጪ ጠቒሱ: ነቲ ካብ መትረብ ስወጽ ናብ መጻብቦ ባብ ኤል መንደብ ዝሓልፍ ማያዊ መራኸቢታት ንምሕላው መራኽብ ኩናት ምስሪ ዝሓለፈ ዓርቢ ከምዘንሳፈፋ ሓቢሩ::ሑቲ; ነፋሪት ኩናት ሱዳን ወቒዖም ብምውዳቕ ኣብራሪኣ ከምዝማረኹ ንዝፈነውዎ ሓበሬታ ተኣማኒ ንምግባሩ ብስእሊ ኣሰንዮም ዘርጊሖም::
ሑቲ ሽዓ-እንተደኣ ሓይልታት ልፍንቲ ብኣጋር ኣትየን ካብ ሑቲ ዘጋጥሞም ግብረ መልሲ ከቢድ ከምዝኸውን ወተሃደራውያን ክኢላታት የጠንቅቑ:: ሑቲ ብኩናት ዝላደዩ ደባይ ተዋጋእቲ ኢዮም:: ኣኽራናዊ ቅርጻ መሬት የመን ንረብሓኦም ከምዝውዕልን መቓብር ወረርቲ ከምዝገብርዎን ብምግላጽ:መራሕቲ ሑቲ እቲ እሳት ንስዑድያ ከምዝልብልባ ብርእሰ ቅትለት ዝካየድ መጥቃዕቲ ከምዝፍንው ይፍክሩ ኣለው::
ድሕረ ባይታ- ሑቲ ካብ ፖለቲካዊን:ቁጠባውን መሳርዓት የመን ተገሊሎም ዝጸንሑ ኣብ ሰሜን የመን ዝነብሩ ክፋል ሽዓ ኢዮም::እቲ ን 33 ዓመት ነታ ሃገር ዝመርሐ ፕረዚደንት ዓሊ ዓብደላ ሳልሕ ኣብ 2011 ብህዝባዊ ናዕቢ ምስ ተኣልየ: ቦታኡ ብፕረዚደንት ዓብዱረቦ መንሱር ሃዲ ተተኪኡ:: ዓሊ ዓብደላ ሳልሕ ብብልሽውና ዘቆማጥዖ ቁጠባዊ ትካላትን ወተሃደራዊ መሳርዓትን ሱር ሰዲዱ ብምጽንሑ ፕረዚደንት ሃዲ ብኣጋ ክኣልዮ ዓቕሚ ብምስኣኑ: ሽዓ ሑቲ ኣንጻር ብልሽውና ብምብጋስ ንዝተነፍገ መሰሎም ኣብ ዝገበርዎ ምንቅስቓስ ብዙሓት ሰዓብቲ ኣጥረዩ::
ኣብ ውሽጢ ሰራዊትን ስለያን ዝነበሮ ጽልዋ ተጠቒሙ ዓሊ ዓብደላ ሳልሕ ብዝገበረሎም ምትሕብባር ድማ ኣብ መስከረም 2014 ሰፊሕን ቅልጡፍን ወተሃደራዊ ገስጋስ ኣካይዶም ንርእሰ ከተማ ሰንዓ ተቖጻጸሩ::ፕረዚደንት ሃዲ ንተግባራት ዓሊ ዓብደላ ሳልሕ ”ጸላእትና ሕነ ክፈድዩ ብውሽጢ የዳኽሙና ኣለው” ብምባል ገሊጽዎ ምንባሩ ይዝከር::እቲ ብጽድያ ዓረብ ዝተሰምየ ምንቅስቓስ ንለውጢ ድማ ናብ ዘይተደልየ ኣንፈት ማለት ግርጭት ኣብ መንጎ እቶም ብዙሓት ሱናን ውሑዳን ሽዓ ሑቲ ኮነ ::ሽዓ ሑቲ ንፕረሲደንት መንሱር ሃዲ ኣብ ማሕዩር ኣእትዮም: ኣንጻሮም ንዝተኻየደ ናዕቢ ብሓይሊ ንምምካን ኣብ ዝፈተኑሉ ዓሰርተታት ሰባት ተጎዲኦም እቲ ፕረዚደንት ድማ ናብ ደቡብ የመን ሃዲሙ::ዓደን እውን ካብ ሑቲ ከምዘይተድሕኖ ምስ ኣረጋገጸ ድሕሪ ክልተ ዓመት ሰንኮፍ ስልጣን ቅድሚ ሓደ ወርሒ ናብ ርያድ ሃደመ::
ኢራን- ሑቲ ምስ ኢራን ኪዳን ገይሮም ካብታ ሃገር ኣጽዋር :ብመንገዲ ሂዝቡላህ ናይ ሊባኖን ድማ ወተሃደራዊ ስልጠና ከምዝወሃቦም ስለያ ሃገራት ምዕራብ ይገልጹ:: ንሰንዓ ምስ ተቖጻጸሩ ውድቀት ንእስራኤልን ኣሜሪካን ብምጭራሕ ዘከየድዎ ሰላማዊ ሰልፊ ንመርገጺኦም ዘነጽር ኣብ ርእሲ ምንባሩ: ኢራን ንምትእትታው ስዑድያ ብትሪ ምኹናና ጽልዋኣ ከይትንከፍ ስግኣት ከምዝሓደራ ዘረጋግጽዩ::ሓለቓ ስታፍ ሰራዊት ኢራን መጀር ጀነራል ሰይድ ሓሳን ፊሮዛባዲ ንዝምድንኦም ኣብ ምግላጽ”ጸሎት ጥራይ ነብጽሓሎም” ንዝበሎ ኣማኻሪ ኣህጉራዊ ጉዳያት ንላዕለዋይ መራሒ ኣያቶላ ዓሊ ኽመይኒ: ዓሊ ኣኽባር ቫላይቲ ”ከምቲ ኣብ ሊባኖን ሂዝቡላህ ንግብረ ሽበራ ዝደምሰሰ ኣንሳሩ ኣላህ ድማ ኣብ የመን ተመሳሳሊ ግደ ክህልዎ ተስፋ ንገብር”ኢሉ::
ኢራን ኣቐዲማ ኣብ ሶርያ:ዒራቕን ሊባኖንን:ሕጂ ድማ ኣብ ኣፍደገ ገዝአን ንእትገብሮ ምንቅስቓስ ብፍላይ ንስዑድያን ምስርን ከቢድ ፈተነ ኢዩ::እቲ ጸገም ግን ካብዚ ናይ ሱናን ሽዓን: ኢራንን ስዑድያን ዝዓመቖ ኢዩ::
እቲ ኣሜሪካ ዝዓበየ ስግኣት ግብረ ሽበራ እትብሎ ኣልቃዒዳ ኣብ ወሽመጥ ዓረብ ኣብ የመን ሰፊሕ ምንቅስቓስ ኣለዎ::እስላማዊ ሃገር ዒራቕን ሶርያ(ISIS) እውን ነዚ ዕግርግር ክጥቀመሉ ከምዝኽእል ድሮ ኣብ ሰንዓ ኣብ ልዕሊ ክልተ ኣብያተ መሳጊድ ብዝወሰዶ ሂወት 140 ሰባት ዝቐዘፈ መጥቃዕቲ ተራእዩ::ኣብ ደቡብ የመን እውን ካብ ማእከላይ መንግስት ንምፍላይ ዝንቀሳቐስ ውድብ ኣሎ::ኣብቲ ውድብ ገለ ወገን ፈደራላዊ ምምሕዳር ክጠልብ ከሎ ዝተረፈ ወገን ድማ ንምፍላይ ዝቃለስ ኢዩ::
ሓደ ዲፕሎማት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ነዚ ናይ የመን ኩነታት ብኸምዚ ገሊጽዎ ”ሓድሕድ ውግእ ኣሎ:ዞባዊ ውግእ ምስኡ” ቀጺሉ ንሱ ” ብዙሕ ንመጋርያ ዝተቐረበ ኣጉናድ: እቲ ይነድድ: ይነድድ ንነዊሕ ጊዜ ዝቕጽል መጋርያ” ኢሉ::
ንሓበሬታ- ባብ ኤል መንደብ ካብ ህንዳዊ ውቅያኖስ ናብ ማእከላይ ባሕሪ ዘሰጋግር ዝሓጸረ መስመር ባሕሪ ኢዩ::
ኣብ መዓልቲ ኣስታት 3.8 ሚልዮን በራሚል ነዳዲ ዝጸዓና ብገምጋም 55 መራኽብ በዚ መጻብቦ ይሓልፋ::
ኣብ ዓመት ኣስታት 20ሽሕ መራኽብ የስግር::
ቅድሚ መትረብ ስወጽ ምኽፋቱ ካብ እስያ ናብ ኢውሮፓ ዝግበር ዝነበረ ብደቡብ ኣፍሪቃ ነበረ ::ድሕሪ ምኽፋት መትረብ ስወጽ ብ1869 ግን እቲ ካብ ኤውሮጳ ናብ እስያ ዝግበር ነዊሕ ጉዕዞ ብባብ ኢል መንደብ ብምብታኽ ብፍርቂ ነክዩ::
ንኣብነት ካብ ክወየት ናብ ሊቨርፑል(እንግሊዝ)ብደቡብ ኣፍሪቃ 13,500ማይል ዝነበረ: ብቀይሕ ባሕሪ መጻብቦ ባብኤል መንደብ ናብ 7,000ማይል ተበቲኹ::
ደጎል ድራር