ህዝብን ሃገርን ንምድሓን ኣብ ትሕቲ ዝጸንከረ እዋን ንጥለብ ኣለና᎓ ስለምንታይሲ ብሰንኪ ኣዚዩ ጨቛኒ ምሕደራ ስርዓተ ህግደፍ᎓ ህዝቢ ንሰደራቤታዊ መሓዉራቱ በቲኹ ናብ እግሩ ዝመረሖ ይስደድ ብኡ መለክዒ ከኣ ኣሎ ዝበሃል ሕሰም ብትህበ’ዶ ትቅበል ይሳቐ ብምህላዉ፡ ሃገር ድማ ብሰንኪ ገባቲ ምሕደራ ስርዓተ ህግደፍ ኣብ ትሕቲ ሙሉእ ምልክን ምዝመዛን ወዲቓ ኣብዘላትሉ እዋን᎓ ከመይ ስሕበት ቃልሲ ብዘተኣማምን መገዲ ዛጊት ኣይሰራሕናን᎓᎓ ስለምንታይ ናይ ውሽጥን ናይ ደገን ማለት (ዲያሰፖራ) መረረ ወጽዓና ሩኡይ ውህደት ወሊዱ ምስ ህሉው ተግባራዊ ናይ ግንባር ክንፍና ተወሃሂዱ ናብ ሓደ ዝጭበጥ ህዝባዊ ኣሳላስሎ ክዘልል ዘይከኣለ ዝብል ሕቶ᎓ ናይ ነብሲ ወከፍና ኮይኑ መለሱ ድማ᎓ ካብ ገገዛእ ነብስና ክንሃድም እንተዘይደሊናስ ሓንቲ ኢያ ክትከውን ትኽእል ንሳድማ ኣኣብቲ ዘለናዮ ኮይና ከክንደታ ንኽእላ ንረብሓ ህዝባዊ ቃልሲ ንገብር ብዘይ ምህላውና ምዃኑ ሕልናና ዝምስክሮ ሓቂ’ዩ᎓᎓
ማዕረ እዚ ኣጓኒፉና ዘሎ ሕስረት እዃ ኣይኹነ እንበር ሙሉእ ግዜኦምን ጉልበቶምን ኪንኡ ድማ ክብርቲ ሂወቶም ዝውፍዩ ዜጋታት የብልናን ማለት ግን ኣይኮነን᎓᎓ ኣለዉና በራዉር ደቂ ህዝቢ ሕሰም ህዝብና ዝቕረፍ ካብ ቦታ ስደት ናብ ቦታ ስደት ብምንጣር ዘይኮነስ ጸኒዕና ብምቅላስ ጥራሕ ምዃኑ ዘስተብሃሉ᎓ ኣለዉና ዘመነ ቃልሲ ሓርነትና ጽምእን ጥሜትን ዕርቃንን ሰገጥ ከየበሎም ክብርቲ ሂወቶም ክዉፍዩ ተልእኾ ዉጹዓት ክትግቡሩ ድሉዋት ዝኾኑ ደቂ ህዝቢ ኣለዉና᎓᎓
ኣለዉና ብርግጽ᎓ ሙሉእ ንእስነቶም ንቃልሲ ወፍዮም ክንሶም ጉቡእኩም ግበሩ ደቂ ሎሚ ከይበሉ እዃድኣ ንቡዙሕ ማሕለኻታትን ሽርሕታትን ህግደፍ ብንቅሓት ብምግጣም መላግቦ ቃልሲ ዝኾኑና ሰለም ዘየብሉ ናይቃለሲ ወለድን መሪሕን ኣለዉና ክብሪ ይኹኖም᎓᎓ ስለ ዝኾነ ከኣ ኢዩ መሰረታት ኣባላት ዞና ኣውሮፓን ከምኡ ውን መሪሕነት ማእከላይ ባይቶ ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ–ሕድሪ መሪሕ ታርኦም ብዝግባእ ብምክትታል ድሕሪ ዝቐነይዎ ጽዑቕ ዓመታዊ ገምጋም ኣኼብኦምን᎓ ብዕለት 04 ታሕሳስ 2015 ናብ ግንባር ሰራዊት ሕግሪ ብምጉዓዝ ኣብ ሓደ መኣዲ ብምቕራብ ስሕበት ቃልሲ ንምዃን መድረኻዊ ቃልስና ከመይ ዝበሉ ኣብ ኩሉ መዳይ ዉፉያት ክንከውን ይግባእ ብምባል᎓ ሞራል ሕድሕድ ክወሃሃቡን ንንጥፈታቶም ዝምልከት ሕድሕድ ሪኢቶታት ክቀባበሉ ዝወዓሉ᎓᎓
ድሕነት ህዝብን ሃገርን ልዕሊ ኩሉ!!
ዓወት ንሓፋሽ ብተግባር!!
ቤት ጽሕፈት ዜናን ባህልን ግሃድኤ–ሕድሪ
ታሕሳስ 04/ 2015





