ካድራት ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ— ሕድሪ ዞባ እስራኤል ኣብ ከተማ ኣሽከሎን ምስ ህዝቢ ርክብ
ብምከያድ ኣብ ዝተፈላለዩ ጉዳያት ዘትዮም።

እቲ ብዕለት 13 ሕዳር 2015 ኣብ ሰዓታት ድሕሪ ቀትሪ ዝተኻየደ ርክብ፣ ኣብ እዋናዊ ጉዳያት ህዝብን ሃገርን፣ ህልው ኩነታት ስርዓት ህግደፍ፣ ሓጺር ሌላ ምስ ግሃድኤ ሕድርን ዕላማታቱን መትከላቱን ከም መበገሲ
ኣርእስቲ ብምልዓል ርእይቶን ሓሳባትን ድሌታትን ህዝቢ ንምስማዕ ዝዓለመ ምንባሩ ተገሊጹ፣ መንእሰይ ኤርትራ ወጽዓ ህዝቡ ንምቕንጣጥ ኣብ ዝግበር ቃልሲ ቀላሲ እምበር ተዓዛቢ ክኸውን ከምዘይግባእን፣ ኣብ ቃልሲ ምእንቲ ህዝባዊ ሓርነት ነፍስ-ወከፍ ኤርትራዊ ዝዓቕሙ ከበርክት ዜግነታዊ ግዴታ ከምዘለዎን ኣብ’ቲ ኣጋጣሚ ተገሊጹ።
ኣብ’ቲ ዝተኻየደ ርክብ ካብ ተሳተፍቲ ብርክት ዝበለ ሕቶታት ርእይቶታት፣ ነቐፌታታት፣ ለበዋታትን ቀሪቡ። እቲ ርክብ መቐጸልታ ናይ‘ቲ ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ዝግበር ህዝባዊ ርክብ ምዃኑን እቲ መደብ ብድሕር
ሕጂ‘ውን ብዝሰፈሐ ክቕጽል ምዃኑን ካብቶም ነቲ ርክብ ዝመርሑ ካድራት ዝረኸብናዮ ሓበሬታ
ወሲኹ የመልክት።
ድሕነት ህዝብን ሃገርን ልዕሊ ኩሉ!!
ዓወት ንሓፋሽ ብተግባር!!
ክፍሊ ዜናን ባህልን ግሃድኤ-ሕድሪ ዞባ እስራኤል
14 ሕዳር 2015 ተል-ኣቪቭ።