ውሽጣዊ ኩነታት ኤርትራ ኣብ’ዚ መድረኽ’ዚ መንግስቲ ኣሎ ክትብል ኣብ ዘይትደፍረሉ ደረጃ ከም ዝርከብ ተገሊጹ።

ውሽጣዊ ኩነታት ኤርትራ ኣብ’ዚ መድረኽ’ዚ፡ ካብ’ቲ ብግዳም ዝረአን ዝስማዕን ብዝተዓጻጸፈ መንግስቲ ኣሎ ክትብል ኣብ ዘይተኽለሉ ደረጃ ዝበጽሐ፡ ከከም ሓይልኻን ሽጣራኻን ትኸደሉ ሃዋህው ልዕልና ሒዙ ከም ዘሎ፡ ምንጭታት ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ ካብ ኣስመራ ሓቢሮም። እተን መንግስታዊ ኣብያተ ጽሕፈታት ዝበሃላ፡ መብዛሕቲአን ሰዓታተን ኣኽቢረን ከም ዘይኽፈታ፡ ደንጒየን ምስተኸፍታ’ውን ኣገልግሎት ክህብ ዝኽእል ናይ ስራሕ መንፈስን ሞራልን ዘለዎ ሰራሕተኛ ከም ዘይብለን፡ ሰብ ጉዳይ ብተደጋጋሚ ጥርዓኖም ዝስምዕ ስኢኖም ገንዘቦምን ግዜኦምን ወዲኦም እናንጸርጸሩ ዝምለስሉ፡ ጽልምትምት ዝበለ ኩነታት ነጊሱ ምህላውን ኣረጋጊጾም።

እቶም ላዕለዎት ሓላፈቲ ዝበሃሉ ወሰንቲ ኣካላት ናይ’ቲ ስርዓት፡ ኤርትራዊ ኣጀንዳ ዝበሃል ጠቕሊሎም ብመደብ ዝገደፍዎ ከም ዝመስሉ፡ ምሉእ ግዜኦም ልኡላዊ መሬት ኤርትራ ንባዕዲ ኣሕሊፎ ብምሃብ ኣብ ዝረኽብዎ ገንዘብ ተጸሚዶም ከም ዝርከቡን ግልጺ ጌሮም።

ኣብ እስራኤል ከተማ ቴልኣቪቭ፣ ኤርትራውያን ኣብ ዝነብርዎ ህንጻ ብዘጋጠመ ባርዕ ሓዊ፣

ኣብ ሰብን ንብረትን ጉድኣት ኣውሪዱ።

ኣብ እስራኤል ከተማ ቴልኣቪቭ ኣብ መንበሪ ኤርትራውያን ብዘጋጠመ ባርዕ ሓዊ ሓደ ኤርትራዊ መንእሰይ ብኸቢድ ክቖስል እንከሎ፡ ካልእ ኤርትራዊ ድማ መጠናዊ ጉድኣት ከም ዝበጽሖ፡ እቲ ህንጻ በቲ ባርዕ ብምፍራሱ ኣብኡ ዝጸንሐ ገንዘብን ንብረት ከም ዝዓነወ፡ ካብ ምንጭታታ ንዝረኸበቶ ሓበሬታ መሰረት ብምግባር ሬድዮ ኤረና ብ9 ሕዳር 2015 ገሊጻ።

እቲ ሓደጋ ብ5 ሕዳር 2015 ኣብ ሰዓታት ለይቲ ከም ዘጋጠመ፡ ምኽንያቱ ግን ካብ ግምታት ዝሓለፈ ብፖሊስን ክኢላታትን ከምዘይተረጋገጸን ኣረዲኣ።

ብካልእ ዜና፡ ዋሕዚ ስደተኛታት ንምዕጋት ሓቢርካ ንምስራሕ ዘኽእል መደባት ንምስራዕ ዝዕላምኡ፡ ኣስታት 50 መራሕቲ ሃገራት ከም ዝሳተፍዎ ዝተገልጸ፡ ብ11 ን 12 ን ሕዳር 2015 ኣብ ሃገረ ማልጣ ኣብ ዝካየድ መራሕቲ ሕብረት ኤውሮጳን ኣፍሪቃን ዝሳተፍዎ ኣኼባ፡ ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ኣፈ-ወርቂ ዕድመ ‘ኳ እንተተ ገብረሉ ንሱ ግን ከም ዘይሳተፍ ገሊጹ ትብል ረድዮ ኤረና ኣብ ብ9 ሕዳር 2015 ዝዘርገሓቶ ዜና።

ኣባል ሃገራት ሕብረት ኤውሮጳ፡ ብስምምዖም መሰረት ስደተኛታት ብኮታ ተኸፋፊሎም ይወስዱ

ኣለው።

ምድሪ ኤውሮጳ ብሓፈሻ፡ ስደተኛታት ዝሰጋገሩለን ሃገራት ጣልያን፡ ግሪኽን ቱርክን ከኣ ብፍላይ፡ ካብ ዓቕሚ ንላዕሊ ዝኾነ ናይ ስደተኛታት ዕልቕልቕ ገጢምዎን፡ ከመይ ንቀበሎም ነተኣናግዶም ኣብ ዝብል ቀጻሊ ኣብ ዝርርብ ተጸሚዶም ዝጸንሑ መራሕቲ ሃገራት ሕብረት ኤውሮጳ፡ ነቶም ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቁጸሩ ስደተኛታት ብደረጃ ብዝሒ ህዝብናን ቁጠባዊ ናይ ምስካም ዓቕምናን ብኮታ ተኻፊልና ነጣይሶም ኣብ ዝብል ስምምዕ ምብጻሖም ዝዝከር ኮይኑ፡ በቲ ስምምዕ መሰረት ሃገራት ድሮ ከም ፈላሚ ስጉምቲ ብጽሒተን ክወስዳ ጀሚረን ከም ዘለዋ፡ ማዕከናት ዜና ሓቢረን።

ስዊድን ካብ ጽባሕ እቲ ስምምዕ ጀሚራ ኣብ ጣልያን ዝነበሩ ኤርትራውያን ናብ ሃገራ ወሲዳ ተጣይስ ከም ዘላ ዝጠቐሳ እተን ማዕከናት ዜና፡ ስጳኛ ድማ እነሆ፡ ባሕሪ ሜዲራኒያን ሰጊሩ ናብ ምድሪ ኤውሮጳ ዝኣተው 1400 ሶርያውያንን ኤርትራውያንን ከተጣይስ ተዳልያ ከም ዘላ፡ ንሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት እታ ሃገር ብምጥቃስ ጸብጺበን።

ፈነወ ረድዮ ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ፡ 11-11-2015

gereger.com

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *