ሓይሊ ባሕሪ ኢማራት ኣብ ግዝኣት ማያት ኤርትራ፡
ብ “ስትራት ፎር” ትካል ኣህጉራዊ ስለያ 29 ጥቅምቲ 2015
ትርጉም ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ፡ ትንታኔ፡- “ስትራት ፎር” ትካል ኣህጉራዊ ስለያ፡ ኣብ’ቲ ዓሰብ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ደቡባዊ ወደብ ኤርትራ፡ ሓይሊ ባሕሪ ኢማራት ኣትዩን ዓስኪሩን ከም ዝርከብ ከረጋግጽ ክኢሉ ኣሎ። እዚ ሓቂ’ዚ ብርግጽ ሓደ ነገር የመልክት። ኣብ’ቲ ኣብ የመን ዝካየድ ዘሎ ኲናት፡ ኤርትራ በቲ ምስ ስዑዲያ ዝምራሕ ኪዳን ተጸንቢራ ምህላዋ። ብሳታላይት ዝተቐርጸ ኣሳእል ከም ዘርኣዮ፡ ኣብ ወደብ ዓሰብ ሰለስተ “ላንዲንግ ክራፍት” ዝዓይነተን ናይ ኲናት ጃላቡ ተጸጊዐን ምህላወን’ዩ። ክኢላታትን ተመራመርትን ኲናት ባሕሪ ከም ዘረጋገጽዎ፡ እዘን ከም’ዚ ዝበላ ናይ ኲናት ጃላቡ፡ ብሓይሊ ባሕሪ ሃገረ ኤርትራ ዝውነና ዘምዃነን’ዩ።
ነዚ ብ16 መስከረም 2015 ብሳታላይት ዘልዓልናዮ ስእሊ ድሕሪ ምዕዛቦም ኣብ “ኦል ሶርስ” ተባሂሉ ዝጽዋዕ ኣህጉራዊ ትካል ስለያ ባሕሪ ዝነጥፉ መሻርኽትና፡ እዘን ኣብ’ዚ እዋን ኣብ ኤርትራዊት ወደብ ዓሰብ ኣትየን ዘላዋ “ላንዲንግ ክራፍት” ብዝሐን ሰለስተ፡ ዋንነተን ከኣ ናይ ኢማራት ዓረብ ምዃነን የረጋግጹ። ቅድም ክብል ብርክት ዝበሉ ምንጭታት፡ ኤርትራ ነዚ ብስዑዲያ ዝምራሕ ኪዳን ደገፍ ትህብ ምህላዋ ክጽብጽቡ ተሰሚዖም’ዮም። ሕጂ ግን ኤርትራ ካብ’ዚ ሓሊፉ ግዝኣታዊ ማያታን ወደባታን ንከም’ዚ ዝበለ ኣገልግሎት ተውዕሎ ምህላዋ፡ ካብ’ዚ ሓሊፉ ኣባላት ሓይሊ ባሕሪ ኤርትራ ምስ’ቲ ብስዑዲያ ዝምራሕ ሓይልታት ኪዳን ይዋስኡ ምህላዎም’ዩ ዝዝረብ ዘሎ። ግን ስለያዊ ስራሓትና ገና ክበጽሖ ዘይከኣለ ጉዳያት’ውን ኣሎ። ኣብ’ዚ ብሓይልታት ኪዳን ዝካየድ ዘሎ ናይ የመን ወፍሪ ተራ ኤርትራ ብልክዕ እንታይ ከም ዝመስል፡ ከመይ ዝበለ ምዃኑ ግን፡ ሓደ ነገር ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ። ህላወ ናይ’ዘን ሰለስተ ላንዲንግ ክራፍት ኣብ ወደብ ዓሰብ፡ ኤርትራ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ናይ የመን ስርሒታት፡ ቀጥታ ናይ ሎጀስቲክስ ተራ ትዓምም ምህላዋ’ዩ። እዚ ከኣ ሓደ ንኡስ ኣብነት’ዩ። ሓንቲ ካብ’ዘን ኣብ ወደብ ዓሳብ ዝርከባ ናይ ኲናት ጃላቡ፡ “ኣል ቁወይሳት” ወይ ከኣ “ፉጣይሲ” ክትከውን ከም እትኽእል ይግመት። ኢማራት ኣብ 2012 ዝገዝኣተን ምዃነን’የን። ሓንቲ ካብ’ዘን መራኽብ ንኣብነት ኣብ ዝሓለፈ 17 ጥቕምቲ 2015 ንሰራዊት ሱዳን ምስ ዕጥቁን ስንቁን ኣብ ወደብ ዓደን ኣራጊፋ’ያ። እዚ ኣካል ናይ’ቲ ብኢማራት ዓረብ ከም ኣካል ሓይልታት ኪዳን መጠን ክግበር ዝጸንሐን ዘሎን ቅድመ ምድላዋት’ዩ። እቲ ዝግበር ቅድመ ምድላዋት ርእሰ ከተማ ሰንዓ ንምቁጽጻር ሰፊሕን ናይ መወዳእታን መጥቃዕቲ ምፍናው’ዩ።
ግደ ኤርትራ ብዘይካ’ቲ ልዕል ክብል ዝተገልጸ፡ ምሉእ ንምሉእ ንምግላጽ’ኳ እንተዘይተኻእለ፡ ጂኦግራፊካዊ ኣቀማምጣን ኣደዃዂናን ወደብ ዓሰብ ግን፡ ንባዕሉ ሓባሪ’ዩ። ወደብ ዓሰብ ንሃገረ የመን ከም ወደባት ግብጺ፣ ሱዳን፣ ስዑዲያ፣ ኢማራት ዘይኮነ፡ ኣብ ኣፍንጫ ’ዩ ዝርከብ። ስለዚ ሎጆስቲካዊ ኣገዳስነት ወደብ ዓሳብ ኣዝዩ ልዑል’ዩ። “ስትራት ፎር” በዚ ናይ ሳታላይት ስኢሊ ዘልዓለሉ 2 ኣጋጣሚ’ኳ ክረጋገጽ እንተዘይከኣለ፡ እቲ ናብ የመናዊት ወደብ ዓደን ዝኣተወ ናይ ሱዳን ክ/ ሰራዊት ካብ ዓሰብ ዝተበገሰ ክኸውን ከም ዝኽእል’ዩ ዝግመት። ብዛይካ’ዚ ሓደ ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝተዘርገሐ ጸብጻብ ከም ዝብሎ እንተኾይኑ። 400 ዝኾኑ ወተሃደራት ኤርትራ፡ ኣብ መንጎ ሓይልታት’ቲ ኪዳን ከቲቶም ምህላዎም’ዩ። ስለዚ ህላወ’ዚ ሓይሊ ባሕሪ ኢማራት ኣብ ወደብ ዓሰብ፡ ሰራዊት ኤርትራ ኮነ፡ ቀረብ ዕጥቅን ስንቅን ካብ ኤርትራ ናብ የመን ይጓርት ኣሎ ማለት’ዩ። እዚ ምዕባሌታት’ዚ ዓሚቕ ዲፕሎማስያዊ ትርጉም ተንብበሉ’ዩ። ብፍላይ ለውጢ ኣብ ዲፕሎማስያዊ ኣካይዳ ኤርትራ።ንሳ ማለት ኤርትራ ናብ ስዑዲያን ኢማራትን ገጻ ከም ዝዛዘወት ዘመልክት’ዩ።
ምኽንያቱ ኤርትራ ደጋፊት ዕቱቓት ሑትዚ ኮይና ኣብ ልዕሊ ምጽናሐ፡ ካብ ኢራን ዝተለገሰ ኣጽዋር ተቐቢላ፡ ናብ ምንቅስቓስ ሑትዙ እተረክበሉ ግዜ ኔሩ’ዩ። ምንቅስቓስ ሑትዚ በዚ ኤርትራ ተርእዮ ዘላ ናይ መርገጽ ለውጢ’ኳ እንተተገረሙ፡ ምስ መንግስቲ ኤርትራ ግን ብዘይ ተስፋ ምቁራጽ ክመያየጡ ጸኒሖም’ዮም። ዝሰለጦም ግን ኣይመስልን። ስርዓት ኣስመራ እነሆ ምስ ስዑድያ ምውጋን’ዩ ዘዋጸአኒ ኢሉ ኣነጺሩ። እቲ ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝተዘርገሐ ጸብጻብ ከም ዝብሎ እንተኾይኑ ድማ፡ ስዑዲያ ኣዝዩ ብዙሕ ገንዘብን ነዳድን ንኤርትራ ድሕሪ ምልጋሳ’ያ ካብ ኤርትራ ምትሕግጋዝ ክትረክብ ክኢላ። ግን ከኣ ኢማራት ንዝመጽእ 30 ዓመታት ወደብ ዓደብ ንክትጥቀመሉ ኣብ ስምምዕ ተበጺሑስ፡ እነሀት ኣብ’ዛ ኣገዳሲት ኤርትራ ማያዊ ግዛኣታን ወደባታን ህላወአ ተጠናኽር ኣላ።
ናይ ኤርትራ ተስፋ ኣብ ግምት ኣእቲካ ምዕባሌታት ክረአ እንከሎ፡ ኤርትራ ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ኣብ ከቢድ ተነጽሎ ትርከብ ሃገር’ያ። እሞ ብስዑዲያን ካልኦት ሓይልታት ኪዳንን ተደጊፋ፡ ካብ ኣትያቶ ዘላ ናይ ዲፕሎማስያዊ ተነጽሎ ጸልማት ተገላጊላ፡ ናይ ምዕራባውያን ወፍሪ ክትስሕብ ብምሕሳብ’ዩ። ብዝኾነ ኤርትራ ሓገዝ የድልያ ኣሎ። እቲ ሓገዝ ናይ ገንዘብን ነዳድን ጥራሕ ዘይኮነ፡ ካብ ኣትያቶ ዘላ ከባብያውን ኣህጉራውን ዲፕሎማስያዊ ተነጽሎ ንክትገላገል ምስ ስዑዲያ ምጽጋዓ የዋጽኣኒ ዝበለቶ እዋናዊ ምርጫኣ’ዩ።
ፈነወ ረድዮ ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ፡
02-11-2015
gereger.com