ንሕና ኣብ ከተማ ስያትልን ከባቢኣን ንርከብ ኣሰናዳእቲ ግዝያዊት ሽማግለ ናይ ደለይቲ ፍትሕን፡ ደሞክራሲን ፡ ኤርትራውያን ብዛዕባ’ቲ ኣብ ከተማ ኒዩ ዮርክ ካብ 3000 ንላዕሊ ዝቑጽሮም ካብ ኣመሪካን፡ ካናዳን፡ ኤውሮፓን ዝመጹ ደለይቲ ፈትሕን፡ ደሞክራሲን ዝተሳተፉዎ ዕዉት ዝኾነ ብዕለት 29 ጥቅምቲ 2015 ዝተኻየደ ሰላማዊ ሰልፊን፡ ከምኡ ኸኣ ብድሕሪ’ቲ ሰልፊ፡ ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ፡ ንሓርነታዊ ቃልሲ ኤርትራ ዘሓይል ዘሕለፎ ውሳኔታትን፡ ለበዋታትን፡ ተቐማጦ ሲያትልን ፡ ከባቢኣን ኤርትራውያን ንምቕራብ፡ ንዕለት 8 ሕዳር፡ 2015 ልክዕ ሰዓት 5 ድሕሪ ቀትሪ ፡ ህዝባዊ ኣኼባ ኣብ ከተማ ሲያትልን ከባቢኣን ንምክያድ ተወሲኑ ኣሎ።
እዚ ክሳዕ ሕጂ ኣብ ደንበ ተቓወምቲ ኤርትራ፡ ሰሜን ኣመሪካ ተራእዩ ዘይፈልጥ ዝተፈላለየ ስነ-ህዝባዊነት ዝሓዘለ ብዝሒ ተሳታፍነት ዘንጸባረቐ ፡ ድርብ ዓወት’ዚ ንቃልሲ ተቓውሞ ሂቡዎ ዘሎ ናህሪን፡ ሓዲሽ ህይወትን፡ ብጥርናፈ፡ ክንመያየጠሉን፡ ክንትንትኖን ዓቢ ኣድላይነት ስለ ዘለዎ፡ ንኹሎም ኣብ ከተማ ሲያትልን ፡ ከባቢኣን ዝቕመጡ ኤርትራውያን ብዘይ ሓደ ፍልልይ፡ ኣብ’ዚ ኣድላዪ ኣኼባ’ዚ ንኽትርከቡ፡ ብኽብሪ ፡ ንዕድሞኩም ኣሎና። ኣኼባ ዝግበረሉ ኣድራሻ ድማ ከም’ዚ ዝስዕብ እዩ፡
Eritrean Community Center 2402 East Spruce Street Seattle
Washington 98122
ብደሓን ምጹ! ግዝያዊት ሽማግለ ናይ ከተማ ሲያትልን ከባቢኣን።
gerger.com