ዓለምና ናበይ ገጻ…? ብ’ገብረእግዚኣብሀር “ወዲ ባሻይ”፡ ጥቅምቲ 22/2015።

ናይ ሎሚ ኣርእስተይ ነውጺ ማእከላይ ምስራቕን ሳዕቤናቱ ናበይ ክበጽሕ’ዩ ዝብል ትሕዝቶን ዘለዎ እዩ ክኸውን። ምስኡ ግን ሓፈሻውን ሓርፋፍ ገምጋማትን ምዝናቑ ኣይተርፍን።

ዓለምና ቅድምን-ድሕርን መድሓኒና እየሱስ ክርስቶስ፡ ብርክት ዝበሉ ደምሳሲ ኲናታት ኣስተኣናጊዳ እያ። ኣብ በቢእዋኑ ዝኽሰት ደምሳሲ ኲናታት፡ ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ኣህዛብን ማእለያ ዘይብሉ ጥሪትን ክባዲሙ ግድን እዩ። ኣብነት ናይ ትማሊ ቀርዳማይን ካልኣይን ኲናት ዓለም ክውሰድ ይከኣል። እቲ ብምረቱን ኣስካሕካሕነቱን ዝልለ ኣብ ጽባሕ’ቲ ዝለዓለ ጥርዚ እንዳስትራልያዊ ምዕብልናታት መበል 20 ክ/ዘመን እተኸስተ 1ይን 2ይን ኲናት ዓለም’ዩ። ብሰንኪ ቀዳማይን ካልኣይን ኲናት ዓለም ዘጋጠመ ከሉ ዓይነታዊ ክሳራታት፡ ዓለምና ክሳብ ሎሚ ቁስላ ኣየሕወየትን። ናብ ክንድኡ ከብጽሖ ዝኸኣለ መሰረታዊ ምኽንያታት ከም ዝነብሮ ኣይሰሓትን ይኸውን። እንተኾነ ኣጀማምርኡ ብምኽንያት ምቕታል ሓደ ኣውስትርያዊ ልኡል ምዃኑ ስለ ዝፍለጥ ልቢ-ወለዳዊ ታሪኽ ተኸቲልካ ምኻድ ተመራጺ ይኸውን። ካልኣይ ኲናት! ብፍላይ ካብ ቀዳማይ ኲናት ዓለም ተሳዒራ ዝወጸት ጀርመን ክብራ ንኽተምልስ ተዳልያ ዝኣተወቶ ኲናት ንኻልኣይ ግዜኣ እንተ ኾነ’ውን ሰፍ ዘይብል ሕሱም ስዕረት ተጎምጒማ ወጸት። ካልኣይ ኲናት ዓለም ሕቶ! ናይ ምንባርን ምጥፋእን ብምንባሩ ንሓያሎ መዋእላት ኣብ ውድድርን ምትህልላኽን ተጸሚደን ዝጸንሓ ሃገራት ጥሙር ሓይሊ ኮይነን ናይ ሓባር ጸላኢተን ዝኾነት ጀርመን ንኽስዕራ ሰብ ዘይብል ሰብኣውን ንዋታውን መስዋእቲ ክኸፍላ ተገደዳ። ብዓብይኡ ድማ! ኣልቦ ምንም ረብሓን ዘይምልከቶምን፡ ኣብ ትሕቲ ኮነልያዊ መግዛእቲ ክደሃኹ ዝጸንሑ ህዝብታት ሳልሳይ ዓለም (ህዝብታት ኣፍሪቃ-ኤስያን ላቲን ኤመሪካን) ኣብ ዘይምልከቶም እሳተ-ጎመራ ክልብለቡ ግዲ ኮኖም።

 

ድሕሪ ምዝዛም ካልኣይ ኲናት ዓለም፣ ዓለም ንባዕላ ክትብል፡ ብሕልፊ ኣብ ልዕሊተን ኣብ ትሕቲ ኮነልያዊ መግዛእቲ ዝነበራ ሃገራት ጽገናታትን ናይ ዶባት ክልታት ብምሕንጻጽን ክም ሓደ ዓለማዊ ፖለቶካዊ ፍታሕ ክረአ ከሎ ብካልእ መዳዩ ድማ ናብ ዘገምታዊ ዝሑል ኲናት ክልተ ደምበታት ተኣትወ። ጠንቂ ቀዳማይን ካላኣይን ኲናት ዓለም ዝኾነት ጀርመን ስዕረታ ከይኣክል ንሃገራ ኣብ ክልተ ዝመቐለ መንደቕ በርሊን ዝሃነጸ፡ ምዕራባውን ምብራቓውን ብምባል ዓለምና ኣብ ክልተ ተጻራሪ ርእዮተ-ዓለም ተጸምደት። ኣስታት ን50 ዓመታት ኣብ ዝሑል ኲናት ድሕሪ ምጽናሕ ብስዕረት ምብራቓዊ ደምበ ብዘምስል ጸጋማዊ ኣተሓሳስባ ንግዝይኡ ርእሱ ከድንን ተገደደ። ካብ 1991 ክሳብ ሎሚ መልክዕ ኢድ ምዕራባዊ ምትእትታውን እስላማዊ ጥሩፍነትን እናተመዓደዉ እተኸስቱ ግጭታትን ዝጠፍአ ህይወትን ንብረትን መቑጸሪ የብሉን። ናይ’ዚ በብእዋኑ ዝኽሰቱ ኣዕነውቲ ኲናት ውጽኢታት ድማ፡ ልዕሊ ኩሉ ንሃገራት ምዕራብ ዘጸገመ ዋሕዝን ዕልቕልቕ ስደተኛታትን እኹል መረዳእታ እዩ።

 

ዝሑል ኲናት ብስዕረትን ድኽመትን ሶቬትን ተመሳሰልታን ዘብቀዐ ክመስል፡ ኣብ ትሕቲ ሶቬት-ሕብረት ተቖሪነን ዝጸንሓ ፈደራልያዊ ምምሕዳራት፡ ነጻነተን ብምእዋጅ ጽልዋታት ኤስያ ዘለወን ኪስታን-ሚስታን ዝበሃላ ሃገራት፡ ከምኡ’ውን አውሮጳዊ ተመሳል ዘለወን ሃገራት ሶቬት ነበር በቢ ጉዳያተን ብሕሳባት ፖለቲካውን ቁጠባውን፡ ኣንጻርታ ጎብለል ምብራቓዊ ደንበ ዝነበረት ሩስያ ክለዓላ ግዜ ኣይወሰደለንን። ኣብ’ዚ ጉዳይ ኣቦ ጓይላ ዓለም ዝኾነት አመሪካ ስልዒት ኣንበሳ እያ ተልዕል። ድሕሪ ምብትታን ሕብረት ሶቬትን፡ መሓዙት ሃገራት ምስራቕ ኤውሮጳን እተኸስቱ ውግኣት ንምግማቱ ዘጸግም ዕንወት ስለ ዘጋጠመ፡ ዕልቕልቕን ዋሕዚ ስደትን እናሓደረ ሰሰነ። ኣብ’ዚ ዘይርጉእ ከይድታት ዳርጋ ጋህዲ-ብጋህዲ ዳግም ምፍጣጥ ሓይልታት ናቶን ሩስያን እናማዕበለ መጸ።

 

ብ’ባርኾት ምዕራባውያን ዝቋደሳ ሃገራት ኣዕራብ፡ (ሃገራት ደሴት ዓረብ) ዕሙር ዕዳጋ ምዕራባዊ ዓለም ከም ምዃነን መጠን፡ ኣብ ትሕቲ’ዚ እስትራተጅካውን ቁጠባውን ፖለቲካውን ቅልውላው ማእከላይ ምስራቕ ክሕመሳ ግዜ ኣዪወስደለንን። ኣስታት 80% ኣብ ትሕቲ ሓደ ብሄርን ቋንቋን ሃይማኖትን ዘርእን ዝጥመሩ ህዝብታት ማእከላይ ምስራቕ ወግሐ-ጸብሐ ኲናትን ወረ-ኲናትን ክሕመሱ ከለዉ ዘኸትለሎም ሕድሕዳዊ ምትህልላቕ እስትራተጅካዊ ረብሓታት እምበር ሃይማኖታዊ ምትእስሳራት የብሉን። ሽዓን ሱኒ’ን ዝብል ግርጭታት እንተኾነ’ውን እስትራተጅካዊ ደኣምበር ብእምነታዊ ፍልልይ ናብ ምትህልላቕ ዘብጽሕ ኣይመስለንን።

 

ብፍላይ ሶርያ ኣብ ሓደ ኣገዳሲ እስትራተጅካዊ ሕምብርቲ ዓለም ስለ እትርከብ ጥንታዊ ኣገዳስነት ኤውሮጳን/ግዝኣታት እስክንድርያን ቢዛንትስን፡ ፈርዖናትን ዓረባዊ ድፍኢታትን ወዘተ.. ምስ ኤስያ ኮይና ዝጸሐት ዞባ እያ። ስለ ዝኾነ ሶርያ እስትራተጅካዊ ተደላይነታ ዕዙዝ ኣብ ርእሲ ምዃኑ ካብ ጥንቲ ኣትሒዛ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ንዝኽሰት ዕንወትን ህይወትን እናቛደሰት ዝጸንሐትን ዘላን ሃገር እያ። ናይ ሎሚ ሶርያ ውጽኢት ናይ’ቶም ብርክት ዝበሉን እተፈላለዩን ሓድግታት ገዛእቲ ጥንታውያን መንግስታት ዝኾኑ ሕብረተ-ሰባት ዝሰሰኑላ ሃገር ክትከውን ግድን’ዩ። ኣስታት 80% ኣማኒ እስልምና ዝኾነ ህዝቢ ሶርያ፡ ኣብ ልዕሊ ዓለማዊ እስትራተጅካዊ ተደላይነት፡ ኣብ ሞንጎ ሱኒ’ን ሸዓን (ክልተ እስልምናዊ እምነት)ዘሎ ናይ ቅጥዒ ፍልልይ ሓደ ካብቲ ንሶርያ ዝሓመሰ ኣዕናዊ ፖለቲካ እዩ ክበሃል ይከኣል። ኣብ’ዚ ጉዳይ እዚ መምስ ሰዓብተን ኢድ ኣእታውነት ስዑዲ ዓረብን ኢራንን ዝለዓለ ብጽሒት ኣለወን ማለት’ዩ። ሎሚ ብስም እስላማዊ መንግስቲ ዝፍለጥ ሓይሊ ኣብ ሶርያን ዒራቕን ዝርከብ፡ ናይ እስትራተጅካዊ ጠቕምታት ደኣ  እምበር ሃይማኖታዊ ምትእስሳር ኣለዎ ኢልካ ምድምዳሙ እኹል ኣይኮነን። ስልጣን መንግስቲ ኣሳድ ኣብ ሓጺር እዋን ክውዳእ ዝጻደፋ ዝነበራ ሃገራት ምዕራብ ከምቲ ዝደለይኦስ ይትረፍ ብኣንጻረንን ካብ ቁጽጽረን ወጻእን ብምዃዱ ንምድኻሙ ወይ ኣብ ጠቕመን ከውዕላኦ ኣብ ኲናት ተረግሪገን ኣለዋ። እስትራተጅካዊ ረብሓታት ከም ምዃኑ መጠን ሩስያ ኣእዳዋ ኣጣሚራ ከም ዘይትርኢ ኩነታት ዓለምና ዝከታተል ዘበለ ፖለቲከኛ ዝጠፍኦ ኣይኮነን። መቸም!! 3ይ ኲናት ዓለም ደኣ ይባራዕ እምበር ሩስያ ዘይትጥዕመሉ እንጀራ ኣብ ማእከላይ ምስራቕ ንበይንኻ ክብላዕ ማለት ዘይሕሰብ እዩ፣ ምዕራባውያን ይፈልጣ እየን፡ ሩስያ’ውን ትፈልጥ። እቲ ኩነታት ከምኡ ከሎ ካብ ኢድ’ዚ ክልተ ተጻራሪ ሓይሊ ሩስያን ምዕራባዊ ሓይልን ወጺኡ ካልእ ረብሓታት ክደሊ ሃነፍነፍ ዝብል ዘሎ እስላማዊ ጥሩፍነት ካብ ቁጽጽር ዓለም ዘይወጸሉ ምኽንያት’ውን የሎን። ክልቲኡ ተጻራሪ ሓይሊ ማለት ሩስያን ምዕራባዊ ዓለምን ናብ ነናይ ባዕዕልቶም ረብሓታት ክልውጥዎ ክብሉ ዝህሉ ውድድራትን  ምትህልላኻትን’ውን ቀሊል ኣይኮነን። ምኽንያቱ ኣብ ማእከላይ ምስራቕ ዝህሉ ሸመታ ኣጽዋር ሩስያ ዝለዓለ መኽሰብ ኣለዋ። ክልተ ተጻረርቲ ተዋጋእቲ ሓይልታት ማለት እስላማዊ ሓይልን መንግስቲ ኣሳድን 95% ስረሓት ሩሳያ ዝኾነ ኣጽዋራት እዮም ዝጥቀሙ። ስ’ለዚ ሩስያ ኣብዚ ከባቢታት’ዚ ዘለዋ ጠቕሚ ዓብዪ ስለ ዝኾነ ካብዚ እስትራተጅካዊ ረብሓታት ዝሕለበሉ ከባቢታት ኢዳ ክትስሕብ ኢያ ማለት ዘበት’ዩ። ሃገራት ምዕራብ እንተኾና’ውን ምስቲ ዝጸንሐን ባይታን ንብድሕሪ ሕጂ ዝህሉ ረብሓታትን ካብ ዕሙር ዕዳጋ ዘይቲ ማእከላይ ምብራቕ ኣእዳወን ክስሕባ ማለት ዘበት’ዩ። መውዳእትኡ’ኸ ንዝብል ሕቶ…..???

 

መንግስቲ ኣሳድ ንምውዳቕ፡ እስራኤል ወሲኽካ ምዕራባዊ ዓለም ኩሉ ዝሰማመዓሉ ጥራይ ዘይኮነስ ሓይለን ጸንቂቐን ዝሰርሓሉ ምዃነን ምስጥር ኣይኮነን። ብኣንጻሩ ድማ ልባኖሳዊ ሕዝቦ-ላህ ወሲኽካ ሩስያን ኢራንን መምስ ሰዓብተን! መንግስቲ ኣሳድ ክወድቕ ኣይድግፋን ጥራይ ዘይኮነስ ክሳብ መወዳእታ ክከላኸላሉ ምዃነን ኣብ ተግባርውን የመስክረኦ ኣለዋ። ቅድም እንተኾነ’ውን ሓገዛት ናይዘን እተጠቕሳ ሃገራት እንትዘይህልዎስ መንግስቲ ኣሳድ በይኑ ክሳብ ሎሚ ኣይምዘለቐን። ስለዚ ሩስያን ኤመሪካን ካብቲ ዝነበረን ንላዕሊ ኣብ ሓያል  ምፍጣጥን እስትራተጅካዊ ምትዕምጣርን ተዋሒጠን ይርከባ።

 

ብመሰረት ዕላዊ ዕድመ መንግስታዊ ሃገር ሶርያ እየ ግብረ ሽበራ ዝሃርም ዘለኹ እትብል ሩስያ፡ ኮላይ’ቶም ብምዕራባዊ ዓለም ዝድገፉ ተቓወምቲ መንግስቲ ኣሳድ ዝኾኑ ተዋጋእቲ ሓይልታት፡ ብዘይምሕር  እያ ትሃርሞም ዘላ። ኣብዚ ዕዉት ስርሒት ምዃኑ ብሩስያ ዝግለጸሉ ዘሎ መጥቃዕቲ ሓይሊ ኣየርን ባሕርን፡ ሓይልታት ናቶ ካብ ምዕጉምጓም ሓሊፈን ናብ ፖለቲካዊ ተጻብኦታት ይእንፍታ ኣለዋ።  ብሓቂውን ንቐጻሊ ካልእ ጉዳይ ኮይኑ! ደብዳብ ሩስያስ ጸብለልታ ዘይር’ኣየ ኣይኮነን። ብኻልእ መዳይ ሩስያ ኣብ ልዕሊ ምዕራባውያንን ሰዓብተን ዝኾና ሃገራት ማእከላይ ምስራቕን ብቕዓታን ወታደራዊ ክእለታን ክተርኢየን ዝኣተወት ትመስል።

 

እስላማዊ መንግስቲ ኣይ-አስ-ኣይ-አስ ድሕሪ እተናወሐ ኲናት ክሰዓርዩ ዝብል ገምጋማት ይሃሉ’ምበር በዚ ተጀሚሩ ዘሎ ጽዑቕ ወታደራዊ ወፍርታት ጥራይ ብቐሊሉን ኣብ ሓጸርቲ ወርሓትን ክውዳእ’ዩ እዩ ምባል ግን ኣይከኣልን። ምኽንያቱ ሱር እናሰደደን ከም ቅንጥሻራ እናቦቆለን ዝኸይድ ዘሎ ጥሩፍነት ብምዃኑ ኣናኢስካ ዝረአ ሓይሊ ኣይኮነን። እንተወሓደ ተዋጋእቲ ሓይልታቱ ናብቲ ድሮውን ሰፊሮሞ ዘለዉ ሰሃራታት ሰሜን ኣፍሪቃ ክግዕዙን ምስቲ ዝጸንሐ ግብረ ሸበራ ክጽፍጸፉን ከም ዝኽእሉ ኣብ ግምት ክኣቱ ዘለዎ ዞናዊ ጉዳይ እዩ። ስለዚ „ዓለምና ናበይ ገጻ ዝብል ሕቶ“ ሓጺር መልሲ ኣይርከበሉን፡ እንተኾነ ብፍላይ ኣብ ከባቢታት ማእከላይ ምስራቕ ዝለዓል ነውጽን ህውከትን ከም ህዝብን ሃገርን ንኤርትራ ክጸልዋ ባህርያዊ ስለ ዝኸውን ብዛዕባዚ ኣብ ማዕከላይ ምስራቕ ዝባራዕ ዘሎ ሃልሃልታ ብጉቡእ ምክትታል ከድልየና’ዩ። ንሕና ብሰንኪ ነብሰ በላዕ ዝኾነ ስርዓት ህግደፍ ካብ ጉዳይ ኤርትራ ሰገርና ናብ ዞናናን ዓለምናን ዘሎና ኣስተብህሎ ከምቲ ዝድለ ስለ ዘይኮነ ዓለማዊ ኣቓልቦና ክነስፍሕ ይግበኣና።

 

ምስ ሰራዊት ሕድሪ ንቕድሚት!

ክሳብ ዝቕጽል ተመሳሳሊ ጽሑፍ ሰናይ ቅነ!!

 

 

 

 

 

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *