ኣኼባ ናይ ኩሎም ደለይቲ ፍትሕን ፡ ደሞክራሲን፡ ኤርትራውያን ኣብ ከተማ ሲያትልን ከባቢኣን።

 

 

ኩልና ኣብ ከተማ ሲያትልን፡ ከባቢኣን ፡ ንርከብ ደለይቲ ፍትሕን ደሞክራሲን፡ ኤርትራውያን፡ኣብ’ቲ ኣብ 29 ጥቅምቲ , 2015 ዓ / ም/ ፈረንጂ ኣብ ቀጽሪ መጋባእያ ሕቡራት መንግስትታ ዓለም ተመዲቡ ዘሎ ናይ ሰላማዊ ሰልፊ መደብ ፡ ኩልና ብዘይ ሓደ ፍልልይ፡ ብብዙሕ ቁጽሪ ንኽንሳተፎ፡ ሃገራዊን ፡ ሞራላውን ግቡእና እዩ። ገለ ካብ’ቶም ናብ ኩሉ ሰማዒ ህዝቢ ዓለምን፡ ብፍላይ ከኣ ናብ ምሉእ ህዝቢ ኤርትራን፡ ከነመሓላልፎም ዝግባኣና ፡ ነጥብታት ከኣ እቲ ፡ ቀጻሊ ኣውያት ህዝብናን፡ ንብዓት ኣዴታትናን ፡ ከምኡ ኸኣ፡ ብድሕሪ ሃገርካ ራሕሪሕካ ምህዳም ዝርኤ ዘሎ ኣብ ፈቐዶ ባሕርታትን፡ ምድረ-በታታትን፡ ህልቂት፡ ቅዝፈትን፡ ናይ መንእሰያትናን፡ ሕጂስ ይኣክል፡ ጠጠው ይበል!! ብዝብል ጭርሖ ተደሪኽና፡ ናይ ሓባር ቃላት ተቓውሞና ንምስማዕ እዩ።

አቲ ቀንዲ ነጥቢ ኸኣ፡ ቀጻሊ ትምኒትን ጸሎትን፡ ህዝቢ ኤርትራ ብዝቐልጠፈ ግዜ ፡ ለውጢ ንፍትሕን፡ ደሞክራሲን፡ ራህዋን፡ ቅሳነትን፡ ንምርኣይ ስለ ዝኾነ፡ ብዛዕባ’ዞም ነጥብታት እዚኣቶምን ካልኦት ሃለኽቲ ሃገራዊ ሕቶታትን ብሓባር ኮይንና ንምዝታይ ኣብ መደብ ስለ ዘሎ፡ ነቶም ብኣካል ዝውኩሉና ውፉያት ኣሕዋትን፡ ኣሓትን፡ ናይ ገንዘብ ስንቂ ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ናይ ነፍስ-ወከፍና፡ ርእይቶን፡ ለበዋን፡ ምኽርን እውን ከነስንቖም ስለዘሎና፡ ቀጻሊ ናይ ህዝቢ ኣኼባ፡ ንዕለት 25 ጥቅምቲ 2015, ልክዕ ሰዓት 5pm ፡ ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ኣደራሽ ማሕበር ምትሕግጋዝ ኤርትራውያን፡ ሲያትልን ፡ ከባቢኣን ተመዲቡ ኣሎ።

ኣብ’ዚ ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝኾነ፡ ህዝባዊ ኣኼባ ኩልና ብኣካል ተረኺብና፡ስነ- ሓሳባዊን ፡ንዋታውን፡ ሞራላዊን እጃምና ምስ እነወፊ፡ እቲ ዝድለ ዓወት ብዘይ ጥርጥር ከም ዝጭበጥ፡ ዘየወላውል ሓቂ እዩ። አታ ናይ ሰላማዊ ሰልፊ ዕለት ስለ ዝቐረበትን፡ ከምኡ ድማ ሲያትል፡ ካብ ኩለን ከተማታት ኣመሪካ ዝረሓቐት ከም ምዃና መጠን፡ ናይ ኣዬር -ትኬት ኣዝዩ ከይከበረ ከሎ ንምግዝኡ ኣገዳስነት ስለ ዘለዎ፡ እቲ ዝግዛእ ብዝቐልጠፈ ግዜ ንምግዛእ፡ እቲ ንምግዚኢኡ ዝውፈ ገንዘብ ከኣ ብዝቀልጠፈ ግዜ ንክኽፈል ብጥብቂ ከነተሓሳስብ ንፈቱ።

ኣኼባ ዝግበረሉ ኣድራሻ ድማ ከም’ዚ ዝስዕብ እዩ፡

Eritrean Community Center 2402 East Spruce Street Seattle Washington 98122

ብደሓን ምጹ! ግዝያዊት ኣሳናዳኢት ሽማግለ ናይከተማሲያትልን ከባቢኣን፡

ንምዕዋት ሰላማዊሰልፊ ኒ-ዩ ዮርክ (NY ).

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *