ክትንበብ ዘለዋ ታሪኽ ሓዘል መጽሓፍ(ብኣቶ ግርማይ ኪዳነ) ኣወልኼር ዓ/ሓፊዝ
ቅድሚ 4 ዓመት ኣቢሉ ብኣቶ ግርማይ ኪዳነ (ወዲ ፊሊፖ) ዝተጻሕፈ ሓደ ሓተታ ምስ ኣንበብኩ ናይ ሓደ ሓበሬታዊ ዕጥቁ ዑሙቅ ዝበለ፤ ካብ ተጽዕኖታት ነጻ ዝኾነ ባእታ ጽሑፍ የንብብ ምህላወይ ምግንዛበይ ከይኣክል፤ዘይፈልጦ ግና ካብ ቀደም ክፈልጦ ዝግበኣኒ ዝነበረ ሓበሬታ ምስ ረኸብኩ ምስጋናን ነቀፌታን ብዝተሓዋወሶ ስምዒት ” ………….. በሉ ካልእ ዝተሰወረና ዝዓቆርኩሞ እንተሎ ኸኣ ………” ኢለ ምስ ጸሓፍኩ፤ ካብቲ ምስጋና ንላዕሊ በቲ ነቀፌታ ብምግዳስ ንሑሉፍ ታሪኽና ዝምልከት ማእለያ ዘይብሉ ሓበሬታ ለገሱ። ንኣብነት ሓይሊ ሓድነት ህዝቢ ኤርትራ ብግዳማዊ ሓይልን ወይጦታትን ጸጸኒሑ ክቋሰልን ክህሰን እንተጸነሔ ሱር ዘለዎን ንሜዳ ህልው ዝገበረ እምበር ሜዳ ከም ዘይወለዶ ዘረጋግጽ ሓበሬታ ከም፡-
ቤተ ክርስትያን እንዳገብርኤል (ኣኽርያ) ንኸይትስራሕ ኣቅሽሽቲ ቅድስቲ ማርያም (ማእከል ከተማ) ምስ ተቃወሙ ተማጊቶም ክትምስረት ዝገበሩ ፊቶራሪ ዓሊ በኺት ምዃኖም …………….. (እቲ ዛንታ ንውሕ ዝበለ`ዩ)
ኣብ ሓንሳእ ብዕግርግር ሓንሳእ ከም ናይ ኣስላም ክስታን ባእሲ ተባሂሉ ዝግለጽ ብልክዕ ግና ናይ ሰልፊ ነጻነትን ሰልፊ ኣንድነትን ጎንጺ ዝኾነ እዋን ኣቶ ግርማይ ተቀማጢ ኣኽሪያ ናይ ቀዳማይ ደረጃ ተማሃራይ ምንባሮም፤ ነቲ ዕግርግር ብጌጋ ዝተረድኡ ስነ ኣእሙራዊ ይኹን ኣካላዊ ሃስያ ከይገብርሎም ብምስጋእ ከኣ በስላም ተማእኪሎም ንትምህርቶም እናተመላለሱ ነተን ግናያት መዓልታት ከምዘሕለፍወን፤ ኣብቲ ቅንያት ካብ ዝርካቦም ክርስትያን ተቀማጦ ኣኽርያ ዝተሃስየ ከም ዘየለ፤ ኮታ እቲ ቃልሲ ከምቲ ጸላእቲ ነጻነት ህዝቢ ኤርትራ ዝተመነይዎ ሃይማኖታዊ መልክዕ ንኸይሕዝ ዝተገብረ ጻዕሪ ብዙሕ ምዃኑ
ራቢጣ ኣልእስላሚያ ክምስረት እንኮሎ በዓል ራስ ተሰማ ኣቀዲሞም ይፈልጡ ከም ዝነበሩን ከም ዝደገፍዎን፤ ዓቢ ሃገራዊ ተልእኾ ዝነበሮ ምጥርናፍ ምንባሩን….. ወዘተረፈ እዝን ካልእን ብ ወዲ ፊሊፖ ክጸሓፍ ዝጸነሐ ንታሪኽ ህዝቢ ኤርትራ ዝምልከት ሓተታ ብመልክዕ መጽሓፍ (ኤርትራውነትናን ጸገማትናን) ብዝብል ኣርእስቲ ተቀሪጹ ንተጠቀምቲ ምቅራብ ካልእ ተወሳኺ ቁምነገር ኮይኑ እቲ ታሪኽ ብዘተኣማምን መንገዲ ክዕቀብ ዝገብር`ዩ።እዛ መጽሓፍ ድሕሪ ኣውሮጳ ኣብ ካልእ ክፍልታት ዓለም ብቁልጡፍ ክትዝርጋሕ ተስፋ እገብር። ኣቶ ግርማይ ኪዳነ ኸኣ ሕድሮም ንወሎዶታት ንምርካብ ዝወሰድዎ ስጉምቲ ዝነኣድ`ዩ።
ምስ ሰናይ ትምኒት !!AAHafiz(192)17/10/2015