ወራሪ ስርዓት ህግደፍ ንፕሮፖጋንዳዊ መጎስጎስን መራብሒ ጽልእን ክጥቀመሉ ዝጸንሐን ዘሎን ካብ ዝፈርስ ልዕሊ 15 ዓመት፡ ህንጸት ካብ ዝጅምር ድማ ልዕሊ 7 ዓመት ዝገበረ ሆስፒታል ሰንዓፈ፡ ብግዱሳት ተወለድቲ እቲ ከባቢ ብዝተወስደ ተበግሶን ሓያል ጻዕርን፡ ምሉእ ብምሉእ፡ ብፕሮግራም ልምዓት ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ሕብረት ኤውሮጳን ብዝለገስዎ ገንዘብ ከም ዝተሰርሐ፡ ናብ’ቲ ጉዳይ ቅርበት ዘለዎም ፈለጥቲ ውሽጢ ንድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ ኣረጋጊጾም።
እቲ ዝፈረሰ ሆስፒታል ተደኲንሉ ዝነበረ ቦታ ንተገልገልቲ ምቹእ፡ ንምሕዳሱ ድማ ኣብ ዝሓጸረ ግዜን ብዝወሓደ ወጻእን ንምስራሑ እናተኻእለ፡ ስርዓት ህግደፍ ኮነ ኢሉ ብዋጋ ህይወት ነባርቲ እቲ ከባቢ፡ ብግልባጥ ናይ’ቲ ክውን ሓቂ ብወራር ወያነ ዝዓነወ ዝብል ናይ ጽልኢ ፕሮፖጋንዳ ክሰርሓሉ፡ ዓጊትዎ ከም ዝጸንሐ ዝገለጹ እቶም ምንጭታት፡ ድሕሪ ብዙሕ ትዕግስትን ላዕሊ ታሕቲ ምባልን ናይ’ቶም ግዱሳት፡ እናጉባዕበዐ ንክስራሕ ከም ዝፈቐደ፡ ዛጊት ሕጂ’ውን ካብ ወራሪ ገበናቱ ክሕባእ ነቲ ዝፈረሰ ሆስፒታል ከም ቅርሲ ንፕሮፖጋንዳዊ ሃልኪ ይጥቀመሉን፡ ንነበርቲ እቲ ከባቢ መዳጎኒን መሳቐይን ይግልገለሉ ምህላውን ሓቢሮም።
ሕብረት ኤውሮጳ ካብ ሊብያ ዝብገሳ፡ ኣብ ምስግጋር ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ዝተዋፈራ ጀላቦ
ንምህራም ዘኽእሎ ካብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ፍቃድ ከም ዝረኸበ ተገሊጹ
ሕብረት ኤውሮጳ ካብ ቅድሚ ነዊሕ ኣዋርሕ ጀሚሩ፡ ካብ ገማግም ባሕሪ ሊብያ ናብ ኤውሮጳ፡ ስደተኛታት ኣብ ምስግጋር ንዝዋፈራ ጀላቡ፡ ብነፈርቲ ኲናት ንምህራመን ዘኽእሎ ናብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ከቕርቦ ዝጸንሐ ሕቶ ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ተቐባልነት ከም ዝረኸበ ረድዮ ኤረና ብ16 ጥቕምቲ 2015 ኣፍሊጣ።
ኣብ ገማግም ባሕሪ ሊብያ ዝነጥፋ ብነጋዶ ሰብ ዝወነና ጀላቡ፣ ቅድሚ ሰብ ምጽዓነን ብነፈርቲ ውግእ ሕብረት ኤውሮጳ ክዓንዋ ዝብል ሓሳብ ብብሪጣንያ ቀሪቡ ብሕብረት ኤውሮጳ ከም ዝተደገፈ ዝገለጸት ኤረና፡ ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ’ቲ ጉዳይ ብዕምቆት ክዛተ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ካብ 15 ኣባል ሃገራት ናይ 14 ደገፍ ከም ዝረኸበ፡ ግዝያዊት ኣባል ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝኾነት ቬኔዙዌላ ግን ናይ ደገፍ ይኹን ናይ ተቓወሞ ከም ዘይሃበትን ኣረዲኣ። ብካልእ ሓበሬታ፡ ብዝሒ ተጠቀምቲ ኣገልግሎት ኢንተርኔት ኣብ ኤርትራ ትሕቲ 2% ከም ዝኾነ ነዚ ጉዳይ ዝከታተል ኮሚሽን ውድብ ሕቡራት ሃገራት ምሕባሩ’ውን እታ ረድዮ ወሲኻ ሓቢራ።
ቤት ፍርዲ ቦትስዋና ንስርዓት ህግደፍ ብምርሕራሕ ኣብ’ታ ሃገር ፖለቲካዊ ዕቁባ ዝሓተቱ
10 ተጻወቲ ኩዕሶ እግሪ ኤርትራ ናብ ኤርትራ ክምለሱ የብሎምን ክብል ወሲኑ
ኣብ ሩስያዊ ብ2018 ንዝካየድ ዋናጫ ኣለም ንምሕላፍ ዘኽእል መጻረዪ ውድድር ናብ ቦትስዋና ካብ ዘምረሐት ሃገራዊት ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ኤርትራ፡ 10 ተጻወቲ ብ13 ጥቕምቲ 2015 ንፖሊስ እታ ሃገር ኢዶም ድሕሪ ምሃቦም፡ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝርከብ ልኡኽ ህግደፍ ብተጽዕኖ ኣስገዲዱ ናብ ኤርትራ ንምምላሶም ክነጥፍ ምጅማሩ፡ ሚኒስተር ፍትሒ፣ ምክልኻልን ጸጥታን ቦትስዋና ብወገኑ ከም ስደተኛታት ከም ዘይቅበሎም ምግላጹን ተኸቲሉ ከዛርብ ዝቐነየ ጉዳይ ብቤት ፍርዲ እታ ሃገር መዕለቢ ከም ዝረኸበ ተፈሊጡ። ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ብዝርከቡ ንሰባዊ መሰላት ዝጣበቑ ኤርትራ ብዝቖመ ጠበቓን ካልኦት ግዱሳትን ናብ ኤርትራ ክምለሱ የብሎምን እንተተመሊሶም ህይወት ናይ ምስኣን ሓደጋ ከጋጥሞም’ዩ ብዝብል ብዝገበርዎ ምክትታልን የቕርብዎ ብዘለዎ መረዳእታን ቤት ፍርዲ ቦትስዋና፡ ብ16 ጥቕምቲ 2015 ናብ ኤርትራ ክምለሱ የብሎምን ክብል ከም ዝወሰነን ፡ልኡኽ ህግደፍ ኣቶ ሳልሕ ዑመር ክሳብ ናብ’ቲ ሓተቲ ዕቑባ ዘለውዎ ቦታ ብኣካል ከይዱ ክገብሮ ዝፈተነ ተጽዕኖ ከም ዝፈሸለን ካብ’ታ ሃገር ዝተቓለሐ ዜና ኣረጋጊጹ። ብተመሳሳሊ ዜና፡ ኣብ ቪርጂንያ፣ ሪችሞንድ፣ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፣ ኣብ ዝተኻየደ ሻምፕዮን ቅድድም ብሽክለታ ዓለም ካብ ዝተሳተፉ ሓሙሽተ ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ብሽክለታ ዮናስ ተኸስተ ዝተባህለ ስፖርተኛ ኣብታ ሃገር ተሪፉ ዕቑባ ከም ዝሓተተ ይግለጽ ኣሎ።
ፈነወ ረድዮ ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ፡- 19-10-2015
gereger.com