ብ እስራኤል ሓደ ንጹህ ኤርትራዊ ስደተኛ፣ ከም ኣሸባሪ ተጠርጢሩ፣ ብሓይልታት ጸጥታ እስራኤል ተቐቲሉ። By assenna on October 18, 2015

Eritrean_Israelኣብ እስራኤል ሓደ ንጹህ ኤርትራዊ ስደተኛ፣ ከም ኣሸባሪ ተጠርጢሩ፣ ብሓይልታት ጸጥታ እስራኤል ተቐቲሉ።

ኣብ ከተማታት እስራኤል ግብረሽበራዊ መጥቃዕቲ ገኒኑሉ ኣብ ዘሎ እዋን፣ Be’er Sheva  ኣብ ዝተባህለ ኸተማ፣ ኣብ መዓርፎ ኣውቶቡስ ሓደ ግብረሽበራዊ ኣብ ልዕሊ ሓደ እስራኤላዊ ወተሃደር ቅትለት ድሕሪ ምፍጻሙ፣ ሓይልታት ጸጥታ እስራኤል፣ ንሓደ ከም ኣሸባሪ ዝጠርጠሩዎ ንጹህ ኤርትራዊ ስደተኛ ብጥይት ወቒዖም ከምዝቐተሉዎ ምንጭታት ካብ እስራኤል ሓቢሮም።

እቲ ዛጊት ስሙ ዘይተጠቕሰ ኤርትራዊ ስደተኛ፣ ብኸቢድ ተወቒዑ ናብቲ Soroka ዝተባህለ ሆስፒታል ድሕሪ ምውሳዱ ከምዝዓረፈ እቲ ሆስፖታል ‘ውን ገሊጹ።

እቲ ብዘይወዓሎ ገበን ብጥይት ተወቒዑ ህይወቱ ዝሰኣነ ኤርትራዊ ስደተኛ ብላኼማ ኣብ ዝሞተሉ እዋን፣ ሓደ ኣቐዲሙ ዒላማ ናይቲ ኣሸባሪ ዝኾነ እስራኤላዊ ወተሃደር ክመውት ከሎ 9 ካልኦት ሰባት ከምዝቖሰሉ ማዕከናት ዜና እስራኤል ሓቢረን። ሓይልታት ጸጥታ እስራኤል ነቲ ዓረብ ዝመበቆሉ ናይ ፈለማ ኣጥቃዒ ኣብ ዝሃደኑሉ እዋን ነቲ ኤርትራዊ ከም ዝቐተሉዎ ካብ ጋዜጣታት እስራኤል ዝተረኽበ ኣፈናዊ ሓበሬታ ይእምት።

ካብቲ ናይ ቶኽሲ ዕግርግር ነብሱ ከድሕን ዝፈተነ ኤርትራዊ ብጥይት ጸጥታ እስራኤል ብኸቢድ ተወቒዑ ኣብ መሬት ምስ ወደቐ፣ ግብረሸበራዊ ዝመሰሎም ሓለፍቲ መንገዲ ብእግሮም እናቐላልዑ ከምዝሃረሙዎን “ሞት ንኣዕራብ” እናበሉ ጡፍ ከምዝበሉሉን liveleak.com ዝተባህለ መርበብ ሓበሬታ ጠቒሱ። ነቲ ግዳይ ናብ ሆስፒታል ክወስዱዎ ዝተጓየዩ ናይ ረዲኤት ሓካይም ካብቲ ህዝቢ ተቓውሞ ከምዘጋጠሞም ‘ውን እቲ መርበብ ሓበሬታ የመልክት።

እቲ ግዳይ ኣብ ዝነብረሉ ዝነበረ ከባቢ ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት፣ ኣማውታ ናይዚ ንጹህ ኤርትራዊ ብግቡእ ተመርሚሩ ብወግዒ ክግለጽ ናብ መንግስቲ እስራኤል ጠለብ ከቕርቡ ኣለዎም።

ኣብ እስራኤል ብቕንያቱ ከምዚ ዝኣመሰለ ዕግርግር ገኒኑ ኣብ ዘለወሉ እዋን፣ ኤርትራውያን ውልቃዊ ጥንቃቐ ከዘውትሩ፣ ነዚ ናይ ሎሚ ፍጻሜ ምርኩስ ብምግባር ከኣ፣ ከም ማሕበረሰብ ተተርኒፎም ብመንግስቲ እስራኤል ውሕስነት ክግበረሎምን ከምዚ ናይ ሎሚ ዝኣመሰለ ተግባር ከይድገምን ክምሕጸኑ ይግባእ።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *