ኣዳራሽ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ሃናጽን ኣፍራስን ሓሳባት ዝምዘነሉ ደኣምበር፡ መን ተባዕ መን’ከ ፈራሕ ዝግምገመሉ መድረኽ ኣይኮነን።gereger.com

ኣዳራሽ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ሃናጽን ኣፍራስን ሓሳባት ዝምዘነሉ ደኣምበር፡

መን ተባዕ መን’ከ ፈራሕ ዝግምገመሉ መድረኽ ኣይኮነን።

ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ቀዳማይን ካልኣይን ኲናት ዓለም ዝተረእየ ኣሰቃቒ ደማዊ ኲናት፡ ዝበጽሐ ሰብኣውን ነዋታውን ዕንወት ኣብ ጸብጻብ ኣእትዩ፡ ማሕበረ-ሰብ ዓለም ካብ ዓመጽን ዓመጻዊ ኣተሓሳስባን ነጺሑ፡ ሃገሩ፣ ኣህጉሩ፣ ብሄሩ፣ ሃይማኖቱ፣ ቋንቋኡ፣ ሕብሪ ቆርበቱ፣ ባህሉ፣ ደረጃ ምዕባሌኡ መንን ኣበይን ብዘየገድስ፡ ወዲ-ሰብ ናይ ተፈጥሮ ሰብ ስለ ዝኾነ ጥራሕ፡ ኣብ ዝኸደ ከይዱ ሰብኣዊ መሰሉ ዝኽበረሉ፡ ከም ሰብ ንምንባር ዘድልይዎ ጠላባት ክረክብ ከም ዝግባእ፡ ሓሳቡ ብዘይዝኾነ ስኽፍታን ሰናይ ፍቓድ ናይ ካልኦትን ብነጻት ረሓ ኮይኑ ክገልጽ ከም ዘለዎ፡ ካብ ቦታ ናብ ቦታ ክንቀሳቐስ ዘይጠሓስ መሰሉ ምዃኑ፣ ኣብ ሃገሩ ከም ዜጋ ሰሪሑ ኣፍርዩ ናይ ፍርያቱ ተጠቃሚ ክኸውን፡ ከም ዜጋ ኣብ ጉዳይ ሃገሩ ዝምልከት ፖለቲካዊ ንጥፈታት ከካይድ፡ ንዝደለዮ ክድግፍ ንዘይደለዮ ክቃወም ደሞክራስያዊ መሰሉ ምዃኑ፡ ነዚ ኩሉ ዘውሕስ ካብ ኣድላውነት ነጻ ዝኾነ ግዝኣተ ሕጊ ክረጋገጸሉ ከም ዘለዎን ማእከል ጌሩ ዝተጣየሰን፡ ንኹለን ኣባላት ሃገራት ብማዕረ ዝብጸሐንን ኣህጉራዊ ውድብ’ዩ።

ብፍላይ እዚ ኣብ ዓመት ሓደ ግዜ ዝካየድ ጉባኤ ሓፈሻዊ ባይቶ፡ መራሕቲ ኣባል ሃገራቱ፡ ኣብ ውሽጦም ንዘሎ ጸገማት ኣመልኪቶም ደገፍ ክሓቱ ኮነ፡ ኣብ ልዕሊ ካልኦት ዘለዎም ደጋፍን ነቓፍን ርእይቶ፡ ከይተሰከፉ ከይተሸማቐቑ፡ ብወግዒ መደብ ተታሒዙሎም ሓሳቦም ዝገልጽሉ፡ ተጋባእቲ ሓፈሻዊ ባይቶ ኮነ ብሚዲያ ዝከታተል ማሕበረ-ሰብ ዓለም ናይ መን ሃገር መራሒ ወይ ልኡኽ፡ ብህዝቡ፡ ከባቢኡን ኣህጉርን ኣብ ዝምልከቱ ጉዳያት ሃናጺ ሓሳባት ኣቕሪቡ፡ መን ከ ብኣንጻሩ ተዂታኲ ኣፍራሲ መደረ ኣስሚዑ ዝመዝነሉ ደኣምበር፡ መን ተባዕ መን ከ ፈራሕ ኢሉ ዝግምግመሉ ዓውደ ኲናት ኣይኮነን። ከም ኩለን ኣባል ሃገራት ዝራኸባሉ መድረኽ፡ ዝዓበየ ኣህጉራዊ ፖለቲካዊ ውድብ መጠን፡ መንግስታት ከከም ባህሪኦምን ዝኽተልዎ ፖሊስን ምስ መዘናታቶም ዲፕሎማስያዊ ባይታኦም ዘስፍሕሉ፣ ተመክሮ ዝለዋወጥሉ፡ ክሳብ’ውን ንህዝብታቶም ዘርብሕ ስምምዓት ዝኽትምሉ፡ ኣብ ውሽጢ ሃገሮም ዝኽተልዎን ዝትግብርዎን ቅኑዕ ናይ ሰላም፣ ደሞክራሲ፣ ልምዓትን ፍትሕን ፖሊሲታቶም ብኣወንታ ዝጸልውሉ ርሑው ነጻ መድረኽ ደኣምበር፡ ብጉልበትካ ደፊእካ ትኣትዎ፡ ሓያል ስለ ዝኾንኩ ደፋር ስለ ዝኾንኩ ኢልካ ትጀሃረሉን ትፍክረሉን መድረኽን ኣዳራሽን ኣይኮነን።

ውድብ ሕቡራት ሃገራት ናይ ኣባል ሃገራት ውድብ ደኣምበር ናይ መንግስታት ግንባር ኣይኮነን። ስለዚ ከኣ ሓፈሻዊ ጉባኤ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዓዳምን ተዓዳምን ዘይብሉ ኩለን ኣባል ሃገራት ዋናታት ኮይነን ዘካየዳኦን ብነጻነት ዝዋሳኣሉን መድረኽ’ዩ። እቲ ዝግበር ኣኼባ ንህዝብታትን ሃገራትን ዝምልከት’ዩ። ግን ከኣ፡ ብሓቂ ወከልቲ ህዝቢ ይኹኑ ኣይኹኑ ነንሃገሮም ዝመርሑ መንግስታት ብስም ህዝብን ሃገርን ዝሳተፍሉን ዝመስሎም ርእይቶ ዘንጸባርቕሉ’ዩ። ንኤርትራ ኣብ ምምራሕ ዝርከብ ስማዊ መንግስታዊ ጉጅለ ኣብ’ቲ ሓፈሻዊ ባይቶ ተረኺቡ ካብኡ ክወጽእ ዘይግበኦ ናይ ሰብኣዊ መሰል፣ ደሞክራስያዊ መሰል፣ ልዕልና ግዝኣተ ሕግን ልምዓትን ኣመልኪቱ ብውርጹጽ ቃላት ክወራዘ ዝተስምዐ ድማ፡ ነቲ ብስም ህዝብን ሃገርን ዝረኸቦ ዕድል ተበሊጹ’ዩ።

2 ጉጅለ ህግደፍ ኣብ’ቲ ዝዓበየን ኣህጉራዊ መጋባእያ ተረኺቡ፡ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ሕጋዊ ኣይኮነን። ናይ ዝተወሰኑ ሓያላን ሃገራት መሳርሒ’ዩ። ሕጋዊ ትካላዊ ኣሰራርሓ የብሉን። ኮራርምቲ ዘይብሉ ውድብ’ዩ። ስለዚ መንግስቲ ኤርትራ ውድብ ሕቡራት ፈሪሱ እንደገና ክስራሕ ይጠልብን ይምሕጸንን ክብል ተሰሚዑ። እንተኾነ ሳላ ኣብ ልዕሊ ዜጋታትን ህዝብታት ኤርትራ ብደይ መደይ ዝፍጽሞ ዘሎ ጸረ-ህዝቢ ምሕደራ፡ ስደት ኤርትራውያንን ኣሰቃቒ ጉዕዞኦምን ስርዓት ህግደፍ ኣብ ውሽጡ እንታይ ይመሰል፡ ኣብ ግዳም ‘ከ እንታይ ይብልን ይገብርን ዘይፈልጥ ኣባል ሃገር ወይ መንግስቲ ስለ ዘየለ ግን፡ ኣድናቖት ዘይኮነ ብግልባጡ ኣግራሞት’ዩ ፈጢሩ። እቶም ነቲ ካብ ጎይታኡ ተጻሒፉ ዝተዋህቦ ኩምራ ጸርፊ ካብ ምንባብ ወጻኢ፡ ብነጻነት ክውስኽን ከጉድልን ዓቕምን ስልጣንን ዘይብሉ ስማዊ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣቢሉ፡ ዝተመሓላለፈ ሕጊ ተጣሒሱ ስለ ዘሎ ሕጊ ይከበር ዝብል መደረ ዝሰምዑ ወገናት፡ እዚኦም ደኣ ቋንቋ ሕጊ መን ነገሮም? ኣብ ህዝቦም ዘይሰርሕሉ ሕጊ ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ተጣሒሱ ኢሎም ክጠርዑ ሰብ ይዕዘበና’ዶ ኣይብሉን’ዮም። መሰል ዓፊንካ ሕጊ ረጊጽካ እናገዛእካ፡ ብዛዕባ መሰልን ሕግን ምዝራብ ኣይጠዓዓምን። ንዕቀት ንህዝቢ ኤርትራን ውድብ ሕቡራት ሃገራትን’ዩ ከም ዝብሉ ንምግማት ኣየጸግምን። ብኩምራ ጸርፊ ዝተዓጀበ መደረ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ስርዓት ህግደፍ፡ ሓቂ ብሓቂ ንዕቀት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ’ዩ ዘመልክት። እዚ ስማዊ ሚኒስተር፡ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ልምዓት’ዩ ተጸሚዱ ዘሎ። ሸቶታት ሚሊኒየም ውድብ ሕቡራት ሃገራት ቀዲሙ ዘዐወተ ህዝባዊ መንግስቲ’ዩ። ሕጂ ተወጢኑ ንዘሎ መደባት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ቀዲሞም ፈጺሞም ዓወት ካብ ዘብስሩ መንግስታት ሓደ መንግስተይ ከም ዝኸውን ብኹርዓት ክገልጸልኩም እፈቱ። ግን ንሕና ኣብ ሃገርና ሰላም ኣስፊና ድሕረትን ድኽነትን ንምስዓር ምስ ህዝቢ ማይን ጸባን ኮይና ኣብ እንረባረበሉ ዘለና ዕርፍቲ ዘይህብ እዋን፡ ኣብ ልዕሌና ጸቕቲ ይግበረልና ኣሎ። እገዳ ዕንቅፋይ ይኾነና ስለዘሎ ኣልዕሉልና። መንግስትና ብሕጊ ዝሰርሕ ፍትሓውን ደሞክራስውን ፖሊሲ ዝኽተል መንግስቲ ክነሱ፡ ገለ ርእሰ ሓያላን ብመንገዲ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ጌረን ይሃርማና ኣለዋ። ውድብ ሕቡራት ሃገራት ፈሪሱ ከም ብሓድሽ ይሰራሕ ናይ ኩላትና ይኹን ዝብል ፈጺሙ ምስ ጸረ- ህዝቢ ፖለቲካዊ ተፈጥሮኡን ፋሽስታዊ ተግባሩን ዘቃዶ ጽሑፍ ኣንቢቡ።

መራሕትና ደኣምበር ህዝብና ሕግና ኣረኣእያን ዘይፈልጡ ደገፍቱ ድማ፡ ኣይትብዓት። ኣየጀግንነት። ንዓለም ቀጥቀጥ ኣቢልዋ። ንኣመሪካ ኣዋሪድዋ። ውድብ ሕቡራት ሃገራት ክፈርስ ኣለዎ ኢሉ። ብዘይካኡ ብድፍረት ዝተጻረፈ የለን። ሓቂ፣ ትብዓት፣ ፖለቲካዊ መርገጽ ኣብ ኢድ መንግስትና’ዩ ዘሎ።ኣበይ ዘላ ዓለም። ኣበይ ዘሎ ፍትሒ። ካብ ኤርትራ ወጻኢ ኩላ ሰላም የብላ ፍትሒ የብላ። ዕድመ ንመንግስትና ንቐጽል ጥራሕ እናበሉ ከም ኣመሎም ዓጀው ክብሉ ቀኒዮም። ዕሩባት ሕልና ደኣ ኮይኖም ‘ምበር መድረኽ ሓፈሻዊ ባይቶ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ግን ዘይከም መድረኾም፡ ክሳብ ጽያፎም ዘይከተቱ ተበለጽቲ መንግስታት ከም ድሌቶም ዝምድርሉ ንካልኦት ዝጻረፍሉ፡ ፍሉይ ሓይልን ትብዓትን ዘየድልዮ ነጻን ክፉትን’ዩ።

ፈነወ ረድዮ ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ፡- 09-10-2015

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *