
እቲ ዝመጸና ዜና ከምዝሓበሮ፣ ኢሰያስ ኣፈወርቂ ብሕማም መኽንያት ካብ ኣስመራ ብሃገር ቀጠር ኣቢሉ ንጀርመን ከምዝኣተወ እዩ። ኢሰያስ ኣፈወርቂ ንሃገር ጀርመን ብወግዒ ይኹን ብስዉር ንኸይኣቱኳ ብፈዴራል ዓቃበ ሕጊ ጀርመንብ1990 ዓ.ም.ፈ. ብከቢድ ክሲ ኣጊዱዎ ከምዝነበረ ጭቡጥ ሓበሬታ ኣሎ። ይኹን እምበር ሎሚ ግና ኢሰያስ ብስዉር ኣብ ውሽጢ ጀርመን ይሕከም ከምዘሎ ተፈሊጡ ኣሎ። ኣብ ኣስመራ ይኹን ኣብ ባጽዕ ከማኡውን ኣብቲ መሕቢኡ ዓቢ ጉድጓድ (ቡንከር) ዘስርሓሉ ዘሎ ዓዲ ሃሎ እውን ፈጺሙ ካብዘይርአ ዳርጋ ሓደ ወርሒ ኮይኑ ኣሎ፣ ክሳብ ሎሚ ብወግዒ ካብዘይርአ። ጭፍራ ሰለይቲ እንዳስዋ ባዶ 03 እንተኾኑውን ከም ኣመሎም፣ ብዛዕባ ህላዌ ጎይትኦም ኢሰያስ፣ ፕሮፓጋንዳ ሓሶት ክነዝሑ ኣይተሰምዑን። ኣይግዳዶም ስለዝኾኑ ግና፣ ሓደ ምዓልቲ ኣፍራሲ ወረ ንምንዛሕ ድሕር ኣይክብሉን እዮም። ኣብ ዝቕጽል ብዛዕባ ኲነታት ኢሰያስ ብሰፊሑ ክንትንትን ኢና ኢልና ሓቢርና ከምዝነበርና ዝዝከርዩ። ኣብቲ ሆስፒታል ዝኸዱ ሰባት ግና ክበጽሑ ዝፈተኑ ሰባት ከኣ፣ብጸጥታዊ ጒዳይ መኽንያት ኣብ ረሴፕሽን ክሓቱ ከምዘይፍቀደሎም ኣረጋጊጾም። እብቲ ኢሰያስ ዘለዎ ሆስፒታል ቅድሚ ሎሚ ሑሴን ሞባራክ መራሒ ሃገር ግብጺ ነበር ኣትዩዎ ከምዝነበረ ሓበሬታ ኣሎ። ኣብዚ ሆስፒታል ባደንባደን ሚልዮኔሪስ ጥራይ እዮም ዝኣትዉዎ። ቅድሚ ሎሚ ብዙሓት መራሕቲ ዓለም ብዙሕ ገንዘብ ከፊሎም ትሓኪሞም ይምለሱ ከምዝነበሩ ጭቡጥ ሓበሬታ ኣሎ። ካብቶም ብቐረባ ምስ ኢሰያስ ዝተራኸቡ ግና ሓደ እቲ ኣብ ሃገር ጀርመን፣ ወናኒ መርበብ ሓበሬታ ቀርኒ-ኣፍሪቃ ዝኾነ ሓምዳን ጥራይ እዩ ይብሃል። እተን ኣዝየን ዝኸበራን ብሉጻ ሓካይም ዘለውወን ኣብያተ-ሆስፒታላት ጀርመን ኣብ ከተማ ባደን ባደንን ሃይደልበግን እየን ዝርከባ።
መርበብ ሓበሬታ ደቀባት ኤርትራ 8 ጥቅምቲ 2015 ዓ.ም.ፈ