መንግስቲ ኢትዮጵያ ካብ ሃገሩ ናብ ወጻኢ ኣብ ዝግበር ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ-ሰባት ንምቁጽጻር፡ ብሃገራዊ ባይቶኡ ኣቢሉ ብዘውጸኦ ተሪር ዓንቀጻት ዝሓቖፈ ሕጊ መሰረት፡ ብኩሉ ኣንፈታት እታ ሃገር፡ ብፍላይ ከኣ ምስ ሱዳን ብዘዳውብ ከተማ መተማ ብዝጀመሮ ምቁጽጻር ኣስታት 200 ኣብ ንግዲ ደቂ- ሰባት ኢድ ኣለዎም ዝበሎም ሰባት ብምሓዝ ግብራዊ ስጉምቲ ክወስድ ከም ዝጀመረ፡ ንማዕከን ዜና ቢቢሲ ብምጥቃስ ዝተፈላለያ መራኸቢ ብዙሓን ይገልጻ ኣለዋ።
እዞም ብመተማን ሑሞራን ኣቢሎም ናብ ሱዳን ዝሰግሩ ስደተኛታት፡ መብዛሕቲኦም ኣብ ኢትዮጵያ ካብ ዝርከብ መዓስከር ስደተኛታት ዝብገሱ ኤርትራውያን ከም ዝኾኑ፡ በቶም ኣብ ገበን ንግዲ ደቂ-ሰባት ዝተዋፈሩ ዝተሓተትዎ ገንዘብ ካብ ምኽፋል ንላዕሊ፡ ኣብ ጉዕዞ ኣዝዩ መሪር ስቅያት፣ ሞራላዊ ውርደትን ሞትን ከም ዘጋጥሞም ብምጥቃስ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝጀመሮ ስጉምቲ ኣትሪሩ ክቕጽለሉ ይግባእ ኢሎም።
ብካልእ ዜና፡ ሓደ ዛጊት ስሙ ዘይተገልጸ ወዲ 20 ዓመት ኤርትራዊ መንእሰይ ካብ ወደባዊት ከተማ ካለ ፈረንሳ ናብ ዓዲ እንግሊዝ ክሰግር ኣብ ዝገበሮ ፈተነ ብ 30 መስከረም 2015 ብባቡር ተረጊጹ ከም ዝሞተ፡ ከምኡ’ውን ምስ ስርቂ ዝብተኣሳሰር ሰለስተ ኤርትራውያን ብ28 መስከረም 2015 ኣብ ከተማ ጁባ ደቡብ ሱዳን ብጥይት ከም ዝተቐትሉን እተን ማዕከናት ሓቢረን።
ፕረዚደንት ሃገረ ጅቡቲ እስማዒል ዑመር ጊለ፡ ኤርትራ ካብ 2008 ክሳብ ሕጂ
መሬት ጅቡቲ ሒዛ ኣላ ክብል ኣብ መበል 70 ኣኼባ ሓፈሻዊ ባይቶ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣቕሪቡ።
ፕረዚደንት እስማዒል ዑመር ጊለ፡ ኣብ’ቲ ኣብ ሓፈሻዊ ኣኼባ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ምስ ኤርትራ ንዘለዎ ጸገም ኣመልኪቱ ዘስመዖ መደረ፡ ጠንቂ ናይ’ቲ ጸገም ኤርትራ ካብ 2008 ክሳብ ሎሚ ብሓይላ ልዑላዊ መሬት ጅቡቲ ሒዛ ምህላዋ’ዩ፡ ነዚ ንምፍታሕ ብመንጎኝነት ዝተፈላለዩ ግዱሳት ተደጋጋሚ ጻዕርታት’ኳ እንተተግብረ ዛጊት ግን ዝመጸ ፍታሕ የለን ኢሉ።
ብወገና ይብል እቲ ፕረዚደንት፡ ነቲ ጉዳይ ብሰላም ንምፍታሕ ብዙሕ ተዓጊስና፡ ብመንጎኝነት ቀጠር ንዝተወስደ መርስሕ ሽምግልና’ውን ተቐቢልና፡ ብወግን ኤርትራ ንሰላምን ዕርቅን ድልውነት ስለዝይተራእየ ግን፡ ናብ ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ዓረብ ሊግ፣ ከምኡ’ውን ናብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ጥርዓን ኣቕሪብና፡ እቲ ጉዳይ ሓሙሽተ ዓመት ጌሩ ክንሱ ዝኾነ ፍታሕ ኣየርኣየን። ምሩኻት ንምልውዋጥ ንዘርኣናዮ ቅሩብነት’ውን ሰማዒ ኣይረኸበን ከም ዝበለ ካብ’ቲ ቦታ ዝተቓለሐ ዜና ኣረጋጊጹ።
ኤርትራውያን፣ ካልኣይ ዓመት ዝኽሪ ግዳያት ላምፔዱሳ
የካይዱ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝርከቡ ኤርትራውያን፣ መበል ካልኣይ ዓመት ዝኽሪ ግዳያት ላምፐኢዱሳ የካይዱ ኣለው ክትብል ኤረና ብ3 ጥቕምቲ 2015 ገሊጻ። እዚ ብምኽንያት ህልቂት ህጻናትን ቆልዑን ዝርከብዎም ኣስታት 360 ኤርትራውያን ዝካየድ ዘሎ ዝኽሪ 3 ጥቅምቲ 2013፣ ኣብ ኤርትራ መሰረታዊ ፖለቲካዊ ለውጢ ከይመጽአ፣ ስደትን ሳዕቤናቱን’ውን ከምዘየብቕዕ ዝሕብር’ዩ ክትብል ኣረዲኣ።
2 ሬሳ ናይቶም ቅድሚ ክልተ ዓመት ብ3 ጥቕምቲ 2013 ኣብ ላምፔዱሳ ዝጠሓሉ ኤርትራውያን ንቡር ሓመድ ኣዳም ከምዘይለበሰን ዛጊት ኣብ ሳናዱቕ ተዓሽጉ ኣብ ኣግሪጀንቶን ካልእ ከባቢታት ሲሲልያን ኣብ ጋህሲ ተቐሚጡ ምህላዉ’ውን ወሲኻ ኣመልኪታ።
ፈነወ ረድዮ ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ፡ 05-10-2015
GEREGER.COM