ዝኸበርኩም ኤርትራውያን ብቐዳምነት እቲ ልሙድ ሰላምታይ ተቐበሉ፡ ቀጺለ ክብሎ ዝደሊ እዚ ሃገር ይኹን ህዝቢ ዘይንታዩ፡ ፈቲኹም ጸሊእኩም ኣነ ኢየ ንጉስኩም እናበለ ህዝብና ዘጨንቕ ዘሎ ጠላም ስርዓት ንህዝቢ ኮነ ንሃገር ዝጠቅም ስራሕ ከይሰርሐ ንህዝብና እናበታተነ ንዘይንፈልጦ ዕላማ ጠጠው ዝበለ ስለ ዝኾነ ንህዝቢ ይኹን ንሃገር ዝጠቅም ክሰርሕ ኣይንጸበ።
እዚ ስርዓት’ዚ ነቲ ብመስዋእቲ ደቁ ነጻነት ረኺበ ኢሉ ብዕልልታ ዝተቐበሎ ህዝቢ ብሰላምን ቅሳነትን ከማሓድሮ ተባሂሉ ንዝተቐበሎ ሓደራ ጠሊሙ እኮ ኢዩ ከይሓፈረን ዝኾነ ይኹን ስኽፍታ ከይተሰምዖን ንህዝብና ብዘይ ንሕስያ ዘጨንቖን ዝቕጥቅጦን ዘሎ፡፡
ስለ’ዚ ኣብ’ዚ እዋን’ዚ እቲ ኩሉ ማለት መላእ ህዝብና ዝደልዮን ንኹልና ዘርብሕን ኩነታት ክፍጠር እዚ ዘሎ ሕማቕ ኩነታት ካኣ ክልወጥን ኣብ ንቡር ክምለስን ዘኽእል ኣገባብ ቃልሲ ክንሕዝ ጥራይ ኢዩ እቲ ዘለና ኣማራጺ፡፡ እዚ ጠላም መን ዝሃበኒ ስልጣን እንተበለ ናይ ጥልመቱ መርኣያ ዳኣሉ ዝዛረብ ዘሎ እምበር ኣየናይ ፍሉይ ጎልያድ ኮይኑ ዳኣ ኢዩ ስልጣን ናይ’ዚ ሓያል ዝኾነ ህዝቢ ኤርትራ ክዘምት ኪኢሉ፡ እቶም ዝሃብዎ ይውሓዱ ይብዙሑ እኮ ኣካል ህዝቢ ኢዮም፡ ንጠላም ግን ምስጋና ኣይባህሩን ኢዩ።
ክንርድኦ ዘለና ካኣ ሎሚ ህዝብና ካብኡ ንኽርሕቕ ክብል ኢዩ ኣብ ፈጺሙ ረጊጹዎን ርእዩዎን ዋላ እውን ሓሲቡዎ ዘይፈልጥ ሃገራትን ጓና ዝኾነ መሬትን ፋሕ ጨንገራሕ ኢሉ ማሃነኑ ጠፊኡዎ፡ ካብ ሃገሩ ከም ዝብተንን ዝበርርን ኮይኑ፡ ግደ ተራእዩ ዘይፈጥ ህልቂት ዝኸውን ዘሎ፡፡
ይኹን እምበር ህዝቢ ኤርትራ ሎሚ ካብ’ዚ ዘሎ ስቓይ ንምግልጋል እቲ ዝኻኣለ ብንጽል ዲዩ ብእኩብ ማለት ብውልቁ ዲዩ ተወዲቡ ብምልኡ ኣብ ቃልሲ ኣሎ፡ እቲ ዓቕሚ ዘይብሉ ካኣ ሎሚዶ ጽባሕ ይወግሕ እናበለ ንዝጊሄሩ ኣብ ምህለላ ኢዩ ዘሎ፡ ስለ’ዚ ኣብዛ ሳዓት እዚኣ ስለ እቲ ካባኻ ብዙሕ ትጽቢት ዘለዎ ህዝብኻ ጠጠው ዘይምባል በደል ኢዩ።
ኣብ ተግባር ናይ ምእታው መገዲ ብሕልፊ ነዞም ኣብ ወጻኢ ዘለና ምስ’ቲ ዘሎ ናይ ስደት ክውንነትና ተታሓሒዙ ኣጸጋሚ ኮይኑ ኣሎ፡ ይኹን እምበር ንቃልሲ ኣብ ማልቦኡ ከየብጽሐ ኣላሽ ዝብል ኣይኮነን ግን ተዋሃሂዱ ክሰርሓሉ ዝኽእል ጥዑይ ኣንፈት ምሓዝን፡ ሰፊሕ ናይ እንታይ ንግበርን ንቓልስና ብኸመይ ዕሩይን ሓባራውን ሰጢሙ ዝሰርሕን ንግበሮ ኣብ ዝብል ኣቲኻ እትዝትየሉ ዓውዲ ዘተ ምጽዋዕ የድሊ ኣሎ።
ንዘሎ ሃገራዊ ጸገም ክንስዕር ንብቐረባ ዝዕንቅፋና ሽግር ክንውግድ ኢዩ ዘለና፡ ስለ’ዚ እቲ ዘለና ፍልልይ ብዘየገድስ እንተዋሓደ ነታ ንኹልና እተቕስን ለውጢ ንምምጻእ ጥራይ እኳ ብሓባር ጠጠው ኢልና ሸቶኣ ከነህርማ ኣለና፡፡
ኣብ ሃገር እንተ በጺሕና ዝኾነ ሽግር ከም ዘየጋጥም ንታኣማመን፡ ምስ ህዝብና ኴና” ብጽቡቕ” ከም ንውድኦን ካልኣይ ጌጋ” ከም” ዘይድገምን” ፍሉጥ ኢዩ፡ እዚ ዘይሕለል ህዝቢ ኤርትራ ብቡዙሕ መልክዓት ቃልሲ ይደክም ኣሎ፡ መስሓቕ ዓለም ኣይንኹን፡ ልቢ ንግበር።
ክብርን ዝኽርን ንስውኣትና
ዓወት ድማ ነቲ ደም ዝነብዕ ዘሎ ህዝብና